ኲናት ዩክረይን፡ ቁጠባ ዓለም ሓደጋ ምንቁልቋል ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ ሓላፊ ባንኪ ዓለም ገሊጹ

ዝጓዓዙ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, EPA

ብሰንኪ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ዝተወለዐ ኲናት ፡ ዋጋ ምግቢ፣ ጸዓትን ድኹዕን[ መዳበርያ] ብምውሳኹ ቁጠባ ዓለም ከንቆልቑል ከም ዝኽእል ሓላፊ ባንኪ ዓለም ገሊጹ።

ደቪድ ማልፓስ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ " ነቲ ምንቁልቋል ከመይ ከምእነትርፎ ኣይርደኣንን" ኢሉ።

እቲ ቻይና ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣንቢራቶ ዘላ ዕጽዋ እውን ንምዝሕሓል ቁጠባ ዓለም ኣበርክቶ ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

ርእይቶ ደቪድ ማልፐስ መቐጸልታ ክቐርቡ ዝጸንሑ ስክፍታታት ኮይኑ፡ "እቲ ዓለምለኸ ዕብየት ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ (ጂዲፒ) እንተርኢናዮ. . . ኣብዚ እዋን ኮይንና ምንቁልቋል ቁጠባ ከመይ ክንከላኸሎ ከምእንኽእል ምግማት ከቢድ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ወሲኹ፡ "ዋጋ ጸዓት ብዕጽፊ ናይ ምውሳኽ ሓሳብ ጥራይ ምንቁልቋል ከልዕል ይኽእል እዩ" ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ባንኪ ዓለም ዕብየት ቁጠባ ዓለም ኣብዚ ዓመት ብሓደ ምኢታዊት ከም ዝንኪ ተንብዩ እዩ።

ጂዲፒ [ዕብየት ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ] ምሁራት ቁጠባን ባንክታትን ዝከታተልዎ መዕቀኒ ዕብየት ቁጠባ እዩ።

እዚ፡ ትካላት መዓዝ ሓይሊ ሰብ ክቖጽሩን ክንክዩን ከም ዘለዎም ንምግማት ይሕግዞም፤ ንውሳነ መንግስታት እውን ኣዝዩ ይጸሉ።

ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ነዳድን ጋዝን ሩስያ ጽግዕተኛታት ምንባረን እውን እዩ ደቪድ ማልፓስ ዝገልጽ።

ንሱ፡ ምቁራጽ ቀረብ ጋዝ ሩስያ ብተመሳሳሊ ኣብ ምድኻም ቁጠባ እቲ ዞባ ዓብዪ ተራ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ምኽባር ዋጋ ጸዓት ድሮ ኣብታ ኣብ ኤውሮጳ ዝለዓለ ኣብ ዓለም ድማ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዝስራዕ ቁጠባ ዘለዋ ጀርመን ክሃስያ ጀሚሩ ከም ዘሎ ዝገልጽ ደቪድ፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት እውን ብሕጽረት መባደርያ፣ መግብን ጸዓትን ክጉደኣ ጀሚረን ከም ዘለዋ ተዛሪቡ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ከም ሻንጋይ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት ቻይና ተነቢሩ ዘሎ ክልከላታት ኮሮናቫይረስ እውን ቁጠባ ዓለም ናይ ምዝሕሓል ጽልዋ ከም ዝህልዎ ተዛሪቡ።

ብረቡዕ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ከኲያንግ እውን ኣብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ቁጠባ ቻይና ኣብዚ እዋን ብዝተገበሩ ዕጽዋታት ኮሮናቫይረስ ካብቲ ኣብ ፈለማ እቲ ለበዳ ዝነበረ ብዝገደደ ከም ዝተሃሰየ ገሊጹ እዩ።