ንፕረዚደንት ባይደን ዘፈራርሐ ሰብኣይ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ካልኦት ሰበስልጣንን ብኢንተርነት ከቢድ መፈራርሒ ዝዘርገሐ ሰብኣይ፡ ብረቡዕ ኤፍቢኣይ ብዘካየዶ ስርሒት ብጥይት ተቐቲሉ።
ባይደን ኣብ ዩታ ዑደት ከካይድ ሰዓታትታ ኣብ ዝተረፈሉ፡ ኣካላት ደሕነት፡ ክሬግ ሮበርትሰን ኣብ ገዛኡ እንከሎ ትእዛዝ ማእሰርቲ ከተግብሩ ይንቀሳቐሱ ነይሮም።
ገበናዊ ክሲ፡ ሮበርትሰን፡ ንመዝገብ ክሲ ጆ ባይደንን ዶናልድ ትራምፕን ኣብ ልዕሊ ዝከታተል ዘሎ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ብመገዲ ፌስቡክ መፈራርሒታት ከም ዝዘርገሐ ይገልጽ።
ኤፍቢኣይ ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ ኣሎ።
እዚ ሃንደበታዊ ከበባ (ስርሒት) ከባቢ ሰዓት 6፡15፡ ኣብታ ካብ ከተማ ሶልት ሌክ ንኣንፈት ደቡብ 65 ኪሎሜትር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ፕሮቮ’ዩ ተኻይዱ።
ሮበርትሰን፡ ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደንን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ንኮኾብ ፊልም ጾታዊ ርክብ ዝኸፈሎ ገንዘብ ዝምልከት ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ዝመርሕ ዘሎ ጠበቓ ኣልቪን ብራግን ንምቕታል፡ ብመገዲ ፌስቡክ መፈራርሒ ከም ዝዘርግሐ እቲ ገበናዊ ክሲ ብዝርዝር ኣቐሚጡ ኣሎ።
እቲ ውልቀሰብ፡ ስእልታት ብረት ብመገዲ ፌስቡክ ከም ዝዘርግሐ’ውን እቲ ገበናዊ ክሲ ኣስፊሩ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Google
እቲ ገበናዊ ክሲ ከም ዝብሎ፡ ሮበርትሰን፡ ንዋና ኣኽባሪ ሕጊ መሪክ ጋርላንድን ናይ ኒውዮርክ ዋና ኣኽባሪት ሕጊ ለቲሽያ ጀምስን እውን ዒላማ ዝገበሩ መልእኽትታት ዘርጊሑ።
ክሬግ ሮበርትሰን ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ “ባይደን ናብ ዩታ ይመጽእ ከምዘሎ ሰሚዐ ኣለኹ። ነቲ ናይ ቀደም ወተሃደራዊ ክዳነይ ካብቲ ዝነበሮ የውጽኦን ደሮና ናይቲ M24 ጠበንጃይ ድማ የጽርዮን ኣለኹ” ይብል።
እዚ መልእኽቲ እዚ ካብቶም ሮበርትሰን ብኽልተ ገጻት ፌስቡክ ዝዘርግሖም ሓያለ መልእኽትታት እዩ።
ሮበርትሰን፡ ኣብቲ ብዶናልድ ትራምፕ ዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢ ሶሻል ትሩዝ፡ ንጠበቓ ኣልቪን ብራግ ምስ ኣፈራርሐ፡ ኣብ መጋቢት ኣብ ዓይኒ ደሕንነት ፈደራል ከምዝኣተወ እዚ ገበናዊ ክሲ የረድእ።
ኣብቲ እዋን ሰለልቲ ኤፍቢኣይ ናብቲ ጥርጡር ዝበጽሑ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ “ሕልሚ እዩ፡ ኣብዚ ወዲእና ኣለና! ብዘይ ትእዛዝ ቤት-ፍርዲ ናብዚ ከይትምለሱ” ኢልዎም ነይሩ።
ድሕሪ እዚ ብሮበርትሰን ዝተዘርግሑ መልእኽትታት ግን ምስቶም ኣባላት ድሕንነት ዝጻብኡ ኰይኖም። ንሱ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑን ስናይፐር ዓጢቝን ብተደጋጋሚ ንሰብመዚ ከፈራርሕ ተራእዩ።
ክሳብ ዝሓለፈ ሰሉስ መፈራርሒ መልእኽትታት ሮበርትሰን ቀጺሎም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ፡ “ምናልባት ኣብዚ ሰሙን ዩታ ስምይቲ ክትከውን’ያ፡ ሓደ ተኳሲ ንማርክሳዊ ባይደን ዘወግደሉ ስለዝዀነ” ክብል መልእኽቲ ዘርጊሑ።
ጆ ባይደን ሎሚ ሓሙስ ከም ፕረዚደንት ንፈለማ እዋን ኣብ ዩታ ዑደት ከካይድ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







