ጆ ባይደን ንፕረዚደንት ቻይና 'ውልቀ-መላኺ' ኢልዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ካሊፎርኒያ ኣብ ሓደ መድረኽ ምውጻ'እ ገንዘብ፡ ንፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን ውልቀ መላኺ ኢሉ ገሊፅዎ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ንፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን፡ ኣብ በይጂን ድሕሪ ምርካቡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ’ዩ፡ ባይደን ነዚ ርእይቶ ሂቡ ዘሎ።
ፕረዚደንት ሺ ብወገን በይጂን ሓደ ሓደ ምዕባለታት ከም ዝተርኣዩ ክገልጽ እንከሎ ብሊንከን ድማ፡ ክልቲአን ሃገራት ንተወሳኺ ዘተ ቅሩባት ከም ዝዀና ኣመልኪቱ።
ቻይና ነዚ ብፕረዚደንት ባይደን ንዝተወሃበ ርእይቶ ዛጊት ዝሃበቶ ምላሽ የለን።
ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ መደብ መተኣኻኸቢ ገንዘብ፡ ሺ ጂንፒን በታ ንኣሜሪካ ክትስሊ ዝተልኣኸት ባሉን ቻይና ብዝተፈጠረ ወጥሪ ከም ዝሓፈረ እውን ሓቢሩ።
“ሺ ጂንፒን ዝሓረቐሉ እቲ ቀንዲ ምኽንያት፡ ነታ መሳርሒታት ስለላ ዝመልአት ምስ ወቓዕክዋ፤ ንሱ ኣብኡ ከም ዘሎ ስለዘይፈለጠ’ዩ” ኢሉ።
“እዚ ውልቀ መለኽቲ፡ እንታይ ከም ዝተፈጠረ እንከይፈለጡ ክተርፉ እንከለዉ ኣዝዩ ዘሕፍር እዩ፡” ክብል ተዛሪቡ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ዳርጋ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ቻይና ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ሰበስልጣን ቻይና ክዝቲ ናይ ብሊንከን ዑደት ፈላማይ እዩ። ኣንቶኒ ብሊንከንን ሺ ጂንፒንን’ውን፡ ጽቡቕ ምዕባለ ከም ዝዀነ ንኢዶሞ።
እንተዀነ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብሊንከን፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዓቢይ ፍልልይ ከም ዝቕጽል ኣነጺሩ።
ዋሽንግተንን ቤይጂንን ኣብ ጉዳይ ንግዲ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ታይዋንን ንነዊሕ እዋን ተሰሃሒበን እየን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን እቲ ተኣፋፊ ዝነበረ ርክበን ዝያዳ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ወሪዱ።
ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ ኣብ ዝተቓረበሉን ምስ ቻይና ውጥረት ከም ጉዳይ ፖለቲካ ኣብ ዝተቐልቀለሉን፡ ገለ ኣባላት ሪፓብሊካን ሰናተራት፡ ንምምሕዳር ባይደን ኣብ ጉዳይ ቻይና “ተለሳሊሱ” ብምባል ክነቕፍዎ ይስምዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







