ስብርባር ናይቲ ኣመሪካ ወቒዓ ዘውደቐቶ 'ባሉን ቻይና' ኣብ ውቅያኖስ ተረኺቡ

ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ንኣካል እቲ በራሪ ነገር ኣብ ምርካብ ሓጊዞም

ምንጪ ስእሊ, US NAVY

መግለጺ ስእሊ, ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ንኣካል እቲ በራሪ ነገር ኣብ ምርካብ ሓጊዞም

ስብርባር፡ ናይቲ ኣሜሪካ ንስለላ እዩ ተላኢኹ ብዝብል ዝጠርጠረቶን ወቒዓ ዘውደቐቶን ባሉን ዝዀነ ሓበሬታ ዝቓርም ክፍሊ (ሴንሰር) ኣብ ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ከም ዝተረኸበ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ኣካላት እቲ ባሉን ዝእልሽ ዝነበረ ጉጅለ “ኣገደስቲ ዝዀኑ ክፋላት፣ ጠቐምቲ ሴንሰራትን ኤሌክትሮኒካዊ ክፋላትን” ከም ዝረኸበ ገሊጹ።

ቅድም ኢሉ እቲ ባሉን ኣገደስቲ ወተሃደራዊ ቦታታት ይስልል ከም ዝነበረ ኣመሪካ ትገልጽ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኤፍቢኣይ ነቶም ስብርባር ኣካላት ይምርምር ኣሎ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት ሓደ ኣካል እቲ በራሪ ነገር ወቒዓ ምስ ኣውደቐት፡ ድሕሪኡ ብተኸታታሊ ካልኦት ሰለስተ በረርቲ ነገራት ወቒዓ ከም ዘውደቐት ገሊጻ እያ።

ትማሊ ሰኑይ “ገዚፍ ክፍሊ እቲ በራሪ ነገር” ኣብ ገምገም ባሕሪ ደቡብ ካሮላይና ከም ዝተረኽበ ሰብ መዚ ሰራዊት ኣመሪካ ምግላጾም ይዝከር።

ካብ 9 ክሳብ 12 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎን ኣካል እቲ ባሉን ዝዀነን ኣንቴና ካብቶም ዝተረኽቡ ስብርባራት እዩ።

ሰበስልጣን ኣሜሪካ፡ እቲ ኣብ ልዑል ብራኸ ክንሳፈፍ ዝኽእል ባሉን መበቆሉ ካብ ቻይና ምዃኑን ንስለላ ዝውዕል ምዃኑን እኳ እንተገለጹ፡ ቻይና ግን ንኹነታት ኣየር እትከታተል መርከብ ኣየር ጥራይ ከም ዝነፈሰት ትምጉት።

ካብቲ ናይ መጀመርታ ፍጻመ ጀሚሩ፡ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ኦላስካ፣ ዶብ ኣሜሪካን ካናዳን ኣብ ዝርከብ ቀላይ ሁሮን ኣብ ግዝኣታት ካናዳ ዩኮንን መንነቶም ብግልጺ ዘይተፈልጡ በረርቲ ኣካላት ወቒዖም ኣውዲቘም እዮም።

ኣብ መጥቃዕቲ ቀላይ ሁሮን ነቲ በራሪ ኣካል ወቒዓ ንምውዳቕ ኣሜሪካ ዝተኰሰቶ ሚሳይ ዒላምኡ ስሒቱ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከም ዝተቓጸለ ማዕኸናት ዜና ኣሜሪካ ጸብጺበን።

እቲ ካልኣይ ሚሳይል ግን ነቲ ዒላማ ከም ዝሃረመ ጠቒሶም።

እቲ ኣሜሪካ ዝተኰሰቶ ሚሳይል ሳይድዋይንደር ዋጋኡ ልዕሊ 400 ሽሕ ዶላር እዩ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ እቶም ቀስ ኢሎም ዝንቀሳቐሱ መንነቶም ዘይተፈልጡ ነገራት፡ ኩሎም ካብቲ ቀዳማይ ባሎን ዝነኣሱ ኰይኖም፡ ወተሃደራዊ ፓይለታት ዒላማ ንምግባር ከጸግሞም ከም ዝኽእል ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ካልኦት ሰለስተ ኣቑሑት፡ "ብብዝሒ ጥንቃቐ" ከም ዝተተኮሱ ገሊጹ።

"ኣብ ባይታ ንዝነበሩ ሰባት ዝዀነ ቀጥታዊ ሓደጋ እኳ እንተዘይፈጠሩ ንድሕነትና፣ ንብሄራዊ ረብሓናን ድሕነት በረራናን ንምሕላው" ግን ዓንዮም ኣለው ኢሉ።

እቲ ኣብ ደቡብ ካሮላይና ተወቒዑ ዝወደቐ ባሎን፡ ዓቐኑ ክንዲ ሰለስተ ኣውቶቡሳት ዝበጽሕ ምዃኑ ሰበስልጣን ገሊጾም።

እቲ ካልኣይ ኣብ ኣላስካ ተወቒዑ ዝወደቐ በራሪ ነገር ዓቐኑ ክንዲ "ንእሽቶ መኪና" ምዃኑ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ብሰንበት፡ ካልእ በራሪ ነገር ክህረም ኣዚዙ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እዚ ወርሒ ንራብዓይ ግዜ ይኸውን ኣሎ።

እቲ ዘይተነጸረ ግዛዕ፡ ኣብ 6,100 ሜተር ብራኸ ይበርር ብምንባሩ፡ ምስ ንግዳውያን ነፈርቲ ክጋጮ ተኽእሎ ከም ዝነበሮ ኣሜሪካ ገሊጻ።

ሰራዊት ኣመሪካ፡ እቶም ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ሰማያት ሰሜን ኣመሪካ ዝወቕዖም ነገራት እንታይ ከም ዝኾኑን ብኸመይ ከም ዝበርሩን ርግጸኛ ኣይኰነን።