ፕረዚደንት ባይደንን ኣል ሲሲን ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ከምዝተዘራረቡ ተገሊፁ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን (ጸጋም) ምስ ፕረዚደንት ግብፂ ዓብዱልፈታሕ ኣል ሲሲ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, HTTPS://WWW.PRESIDENCY.EG/

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደንን ግብጻዊ መዘንኡ ዓብዱልፈታሕ ኣል ሲሲን ትማሊ ቀዳም 9 ሓምለ 2014 ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ህዳሴን ካልኦት ጉዳያትን ከምዝዘተዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዑደት ዝገብር ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ባይደን፡ ጎኒ ንጎድኒ ምስቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሃገራት ዓረብ እዩ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ኣልሲሲ ተዘራሪቡ።

ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዋይት ሃውስን ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ግብፂን ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝተገበረ ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፣ እቶም መራሕቲ ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ሃገራቶም ከምዝዘተዩ ኣፍሊጦም።

ባይደንን ኣልሲሲሰን ካብ ሞንጎ ዝተዘተየሎም ጉዳያት ሓደ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ትሃንፆ ዘላ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፡ ምምላእ ማይ እቲ ግድብን ቀጻሊ ስራሕትን ንውሕስነት ማይ ግብጺ ብዘኽብር መልክዑ ኣብ "ቀያዲ ሕጋዊ ስምምዕ ንኽብፃሕ” ሃገሩ ዘለዋ ጽኑዕ መርገጺ ንባይደን ከምዝገለጸሉ ቤት ጽሕፈቱ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ባይደን ብወገኑ ኣሜሪካ ንውሕስነት ማይ ግብፂ ከም እትድግፍ ብምሕባር፡ ንሰላምን ምዕባለን እቲ ዞባ ኣበርክቶ ኣብ ዝገብርን ንረብሓ ኩሎም ውድባት ኣብ ዘኽብርን ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ክበፅሑ ድልየቱ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም "ኣብ መግለጺ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተነፀረን ንዓለምለኻዊ ሕጊ መሰረት ብምግባርን" ኣብ ጉዳይ ምምላእ ማይን ቀፃሊ ስራሕቲን ብቕልጡፍ ኣብ ስምምዕ ምብፃሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝተዘራረቡ ካብ ዋይት ሃውስ ዝወፅአ ሓበሬታ የረድእ።

ኣሜሪካ ንፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ሓዊሱ ብላዕለዎት ሰበስልጣናታ ኣቢላ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን ንዘሎ ዘይምርድዳእ ክትሽምግል ፃዕርታት ክትገብር ከምዝፀንሐት ይዝከር።

ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ዋሽንግተን ተጀሚሩ ዝነበረ ድርድር ክተቋርፅ ዝወሰነትሉ ምኽንያት፡ ብመሰረት ድልየት ግብፂ ተዓዘብቲ ክኾኑ ናብቲ ጉዳይ ዝኣተዉ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ንግብፂ ካብ ምውጋን ብዝሰገረ ኣብ ልዕሊ ተደራዳሪ ጉጅለ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ክገብሩ ፈቲኖም ክትብል ምኽሳሳ ይዝከር።

ዋላ’ኳ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ቀያዲ ስምምዕ ከይተበጽሐ ነቲ ግድብ ማይ ናይ ምምላእ ስራሕቲ ከይካየድ ክቃወማ እንተፀንሐ፡ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብኽልተ ዙርያ ነቲ ግድብ ብምምላእ፡ ኣብዚ ዓመት’ውን ሳልሳይ ዙርያ ክትመልእ ምዃና ኣፍሊጣ’ላ።

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍራይ ትሃንፆ ዘላ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ካብ ዘለውዎ 13 ተርባይናት እቲ ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ከምዝጀመረ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምግባራ ይፍለጥ።

እቲ ግድብ ሙሉእ ብሙሉእ ህንፀቱ ምስተዛዘመ ድማ ልዕሊ 5 ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዎ።

ናይ ማእኸላይ ምብራቕ መገሽኡ ብእስራኤል ጀሚሩ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝቐፀለ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብ ጅዳ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ብዘይካ’ቲ ንጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝምልከት ዝርርብ፡ ኣብ እዋናዊ ዞባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝፍጸሙ ናይ ምትሕብባር ስራሕቲ ዘትዮም’ዮም።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ግብጺ ዝረአ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምድናኦም ዝሒሉ ምንባሩ ይዝከር።