ዓብዪ ግድብ ኢትዮጵያ፡ ንሱዳን ካብ ዕልቕልቕ ከናግፋ ዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሱዳን፡ ካብ'ቲ ኣካታዒ ኮይኑ ዘሎ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ክትርባሕ ከምእትኽእል እያ ጋዜጠኛ ዘይነብ መሓመድ ሳሊሕ ኣብ'ዚ ናብ ቢቢሲ ዝጸሓፈቶ ደብዳበኣ እትገልጽ።
ሎሚ ዓመት፡ ኣብ ሱዳን ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕልቕልቕ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ክሞቱ ምኽንያት ኮይኑ፡ ንህይወት ልዕሊ 875,000 ሱዳናውያን ድማ ጸልዩዎ።
ብሰንኪ’ዚ ዕልቕልቕ: መንበሪ ከባብታት ዓንዮም፡ ቀረብ ሓይልን ማይን ድማ ተቛሪጹ። ሩባ ናይል፡ ኣብ ታሪኹ ክንድ’ዚ መሊኡ ኣይፈልጥን።
ገለ ሰብ ሞያ ከምዝብሉዎ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ኣትዩ እንተዝኸውን፡ እቲ ኣብ ሱዳን ከጋጥም ዝነበረ ሓደጋ ዕልቕልቕ ክንኪ ነይሩ እዩ።
ንሩባ ናይል 85 ሚኢታዊት ማይ እተዋጽእ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ግድብ ኣብ 2011 እያ ክትሃንጾ ጀሚራ፡ ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ’ቲ ግድብ ማይ ክተዋህልል ጀሚራ’ላ።
ህንጸቱ ምስተወደአ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ግድብ እዩ ክኸውን።
ግብጺ ግን፡ እዚ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ዝውድእ ግድብ፡ ናይ ማይ ብጽሒተይ ክንክዮ እዩ ብዝብል ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ እያ ትርከብ።
እቲ ግድብ ኣብ ክንደይ ዝኣክል እዋን ማይ ከዋህልል ኣለዎ ኣብ ዝብል፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ክሰማመዓ ኣይከኣላን። ሱዳን ድማ ኣብ ማእከል ተቐርቂራ እያ ትርከብ።
ሱዳናዊ በዓል ሞያ ሕጊን ፖሊስን ዓለማዊ ማያት፡ ሳልማን መሓመድ፡ ኣብ ሩባ ናይል ዝህነጹ ግድባት ብኸመይ ዋሕዚ ማይ ንምቁጽጻር ክሕግዙ ከምዝኽእሉ፡ ናይ ግብጺ ኣስዋን ግድብ መርኣያ እዩ ይብል።
“ህይወት ሰባት ጠፊኡ፡ ንብረትን ብቢልዮን ዝቑጸር ገንዘብን ስኢንና ኢና፡ ግብጺ ግን ረኣይዋ - ሓንቲ ፈልሲ እኳ ኣይጠፍኣቶምን፡ ነቲ ማይ ኣብ ግድቦም እዮም ዘዋህልልዎ። ንሕና ግን ከምኡ ዓይነት ግድብ የብልናን፤ ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ግድብ ከናግፈና ይኽእል ነይሩ እዩ” ኢሉ።
ሱዳን ኣብ ሩባ ናይል ዝሃነጸቶም ሾመንተ ግድባት ኣለውዋ።
“ናትና ግድባት ግን ኣናእሽቱ እዮም” ይብል ዶክተር መሓመድ። “ግብጺ ነቲ ናይ ውሕጅ ማይ፡ ኣብ በረኻ ንእተልምዖ ሕርሻታታ እያ ትጥቀመሉ” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይ ውሕስነት ስግኣት
ኣብ ጉዳይ ምውህላል ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን፡ ካብ’ቲ ግድብ ክንደይ ዝኣክል መጠን ማይ ክውሕዝ ኣለዎን ኣብ ዝብል ሰለስቲኤን ሃገራት ወጥሪ ዝዓሰሎ ዘተ እየን ዘካይዳ ዘለዋ።
ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዝርርባት ድማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብኣንጋድነት ሕብረት ኣፍሪቃ ጀሚሩ’ሎ። ኣብ’ዚ ዘተ፡ ሱዳን ምስ ግብጺ ዝወገነት ትመስል።
እዚ ቅዋም ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ዝጀመረ ኮይኑ፡ እቶም ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ጀራላት ሱዳን’ውን ምስ ግብጺ ጥንኩር ርክብ እዩ ዘለዎም።
ኣብ እዋን በሽር፡ ንሱዳን ወኪሉ ተላዛቢ ዝነበረ ኣሕመድ ኢል-ሙፍቲ፡ እቲ ግድብ ከኸትሎ ብዛዕባ ዝኽእል ናይ ውሕስነት ስግኣት ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
እንተደኣ እቲ ግድብ ዓንዩ፡ ንርእሰ ከተማ ሱዳን ሓዊሱ ንሓፈሻ እቲ ዞባ ክሃስዮ ከምዝኽእል ተዛሪቡ ነይሩ።
ሰብ መዚ ሱዳን፡ ዝኾነ ጎንጺ ከይለዓል፡ ኣብ መንቀራቕሮ ኾይኖም፡ ብጥንቃቐ እዮም ኣብ’ቲ ልዝባት ዝሳተፉ ዘለዉ።
ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ግብጺ ነቲ ግድብ “ክተዕንዎ” ከምእትኽእል ምግላጹ ድማ ጸገም ፈጢሩ’ሎ።
ክሳብ ዝሓለፈ ሓምለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኮይኑ ዘገልገለ ኣስማ ዓብደላ፡ ኩልሻብ ‘እቲ እንኮ ፍታሕ ልዝብ እዩ’ ዝለል ቅዋም እዩ ዘለዎ።
ሱዳን እቲ ምስሕሓብ ብሰላም ክፍታሕ እያ ትደሊ፤ ምኽንያቱ ኸኣ እቲ ዓብዪ ግድብ ክህቦ ንዝኽእል ረብሓታት ስለእትፈልጥ። እቲ ረብሓ ኸኣ፡ ካብ ዕልቕልቕ ከናግፋ ጥራይ ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, AFP
'ምንጪ ኩርዓት ኣፍሪቃ'
ዶክተር መሓመድ ከምዝብሎ፡ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ግድባት ሱዳን ዝሓሸ ጽዓት ከፈልፍሉ ክሕግዝ ከምዝኽእልን፡ ብተወሳኺ ድማ፡ ሱዳን ብሕሳር ዋጋ ካብ ኢትዮጵያ ቀረብ ኤሌክትሪክ ክትረክብ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።
ሓረስቶት ሱዳን ዝያዳ መስኖ ክጥቀሙ’ውን ክሕግዞም ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ኣብ ካርቱም፡ ሱዳናውያን ልቦም ምስ ኢትዮጵያ እዩ ዘሎ።
“ንኢትዮጵያውያን ጽቡቕ ስምዒት ስለዘለና፡ ንድግፎም ኢና” ይብል ወዲ 44 ዓመት ሳላሕ ሓሰን። ሳላሕ፡ ነባሪ ከተማ ኦምዱርማን ኮይኑ፡ እታ ከተማ ብኸፊል ብዕልቕልቕ ማህሰይቲ በጺሑዋ እዩ።
ወዲ 37 ዓመት ነባሪ ካርቱም መሓመድ ዓሊ ድማ፡ ንግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከም ‘ምንጪ ኩርዓት ኣፍሪቃ’ እዩ ዝርእዮ፡ ብተወሳኺ ድማ፡ ንብዙሓት ዕድል ዝፈጥር እዩ ኢሉ ይኣምን።
“ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሱዳን ይነብሩ፤ እቲ ግድብ ምስተሃነጸ ግን፡ እዞም ኢትዮጵያውያን ምስ ሱዳናውያን ሓቢሮም ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ኣብኡ ክሰርሑ ዝኽእሉ ይመስለኒ” ይብል።
“ነቲ ግድብ 100 ምኢታዊት እየ ዝድግፎ፤ ምኽንያቱ ዝኾነ ንህዝቢ ኣፍሪቃ ዝረብሕ ፕሮጀክት ኣገዳሲ እዩ። ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዙሕ ተሳቕዩ እዩ፡ ስለዝኾነ ድማ ከም’ዚ ዓይነት ዓበይቲ ናይ ልምዓት ፕሮጀክትታት የድልዮም” ኢሉ።
ክሳብ እቲ ኣብ ጉዳይ ግድብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምስሕሓብ ዘብቅዕን እቲ ግድብ ዝህነጽን ግን፡ ኣብ ገማግም ሩባ ናይል ዝነብሩ ሓረስቶት ምሽቛሎም ኣይክተርፍን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







