ቢንያም ግርማይ ሓደ ካብ 100 ኣዝዮም ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን ኮይኑ ተረቚሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ሓደ ካብ 100 ኣዝዮም ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን ዓመተ 2023 ክትብል መጽሄት ‘ኒው ኣፍሪካን’ ረቚሓቶ።
እታ መጽሄት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ኣዝዩ ዝለዓለ ጽልዋ ዝነበሮም ዝርዝር 100 ሰባት ኣብ ዘውጽኣትሉ ሕታም እያ ንቢንያም ኣካቲታቶ ዘላ።
እታ መጽሄት ንቢንያም ኣመልኪታ፡ “ዓለምለኻዊ መድረኻት ንኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ዝኸፍት ዘሎ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ “ጉዕዞ ቢንያም ተምሳሌት ናይቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጽልዋ ኣፍሪቃውያን እዩ። ተወፋይነትን ብርቂ ዓወታትን ቢንያም ንብዙሓት ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ዝርከቡ ናብ ዝለዓለ ደረጃታት ዘቋምቱ ተቐዳደምቲ ድርኺት ዝፈጥር እዩ” ኢላ።
እቲ ዝርዝር 100 ኣዝዮም ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን ዝተፈላለየ ዓውድታትን ጽላታትን ዘለዎ ኮይኑ ኣብታ ኣህጉርን ኪንዮኡን እወታዊ ጽልዋ ዝነበሮም ደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮን ዝሓዘ እዩ።
ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ሓያለ ቅድሚ ሕጂ ተበጺሖም ዘይፈልጡ ዓወታት ብሽሙ ከመዝግብ ዝኽኣለ ወዲ 23 ዓመት ቢንያም ግርማይ ‘መራሒ ሰውራ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ’ ክበሃል በቒዑ እዩ።
እቲ ኣባል ሓንቲ ካብ ብሉጻት ጋንታታት ብሽክለታ ዓለምና ዝኾነ ኢንተርማርሸ ዋንቲ ዝኾነ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ኣብ ውድድር ጽርጊያ ቻምፕዮና ዓለም 2021 ዩሲኣይ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ብሩር መዳልያ ብምውሳድ ናብቲ መድረኽ ክድይብ ዝበቕዐ ፈላሚ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ምንባሩ እታ መጽሄት ገሊጻ።
ቀጺሉ’ውን ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ-2022 ኣብ ዓስራይ መድረኽ ዝተዓወተ ቢንያም ፈላሚ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ መድረኽ ግራንድ ቱር ምንባሩ እውን ብምጥቃስ እቲ ዝቐደመ ዓወት፡ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዝለዓለ መድረኻት ስፖርት ክወዳደሩን ክዕወቱን ባብ ዘርሓወ ምንባሩ ሓቢራ።
ቢንያም ኣብ መጋቢት 2022 እውን ኣብ ክላሲካዊ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ጌንት-ዌቨልገም ዝተዓወተ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ እዩ።
ቢንያም ናይ ዓመት 2023 ውድድራቱ ኣብ ስጳኛ ክጅምር እንከሎ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ውድድር ‘ቮልታ ላ ኮሚኒታ ቫለንሽያ’ ናይቲ ዓመት ፈላሚ ዓወቱ ኣመዝጊቡ።
ኣብ ‘ቱር ደ ስዊስ’ ተዓዋቲ ካልኣይ መድረኽ ብምዃን ከኣ ናብ ቱር ዲ ፍራንስ 2023 ሓለቓ ጋንታ ኢንተርማርሸ ሰርከስ ዋንቲ ኮይኑ እዩ ተሳቲፉ።
ኣብቲ ውድድር ኣብ ሻብዓይ መድረኽ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ሳልሳይ ኮይኑ ብምእታው ቢንያም ኣብቲ ዝዓበየ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ብቕዓቱ ኣርእዩ እዩ።
“ጉዕዞ ቢንያም ተምሳሌት ናይቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጽልዋ ኣፍሪቃውያን ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት” ምዃኑ ዝገለጸት መጽሄት ‘ኒው ኣፍሪካን’፤ ቢንያም “ነቲ ስፖርት ዘለዎ ተወፋይነትን እቲ ዘመዝገቦ ብርቂ ዓወታትን ንብዙሓት ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ዝርከቡ ናብቲ ደረጃ ክበጽሑ ዝምነዩ ተቐዳደምቲ ዘተባብዕ እዩ፡” ኢላ።
እቲ ንዓወታት ቢንያም ኣመልኪቱ ዝወጸ ጽሑፍ ወሲኹ፡ ቢንያም ዝሓለፎ መድረኻት፡ ስፖርት ዕድላት ኣብ ምፍጣር ዝንቡዕ ኣራኣእያታት ኣብ ምቕያርን ብኣህጉራዊ ደረጃ ሓበን ኣብ ምብርባርን ዘለዎ ሓይሊ” ከም ዘርኣየ ገሊጹ።
ቢንያም ኣብ መኽፈቲ ዓመተ ውድድር 2023 ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተኻየደ ሳንቶስ ቱር ዳውን ኣንደር ኣብ ራብዓይ መድረኽ ካልኣይ ኮይኑ ክኣቱ እንከሎ ብሓፈሻ ኣብ ናይ ነጥቢ ካልኣይ ኮይኑ እዩ ውድደሩ ፈጺሙ።
ዩሲኣይ ዎርልድ ቱር ኮይኑ ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ዝዓበየ ቅድድም ብሽክለታ ምዃኑ ይንገር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልኦት ኣብቲ መጽሄት ዝተረቝሑ
ኤርትራዊት ተመራማሪትን ክኢላ ኪነታዊ ብልሒን ትምኒት ገብሩ እውን ካብ መንጐ እቶም 100 ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን መጽሄት ኒው ኣፍሪካን ኣብ ዓውዲ ስነፍልጠት ተረቍሓ ኣላ።
ካብ ኢትዮጵያውያ'ውን፡ ሰኣሊት ኣይዳ ሙሉነህ፡ ሙዚቀኛ ኣቤል ተስፋዬ (ዘ ዊከንድ) ከምኡ’ውን ስነጥበባዊት ጁሊ ሙሉነህ ኣብ ዓውዲ ጥበብ ዝተረቍሑ እዮም።
ብዘይካዚኢ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ወተሃደራዊ መራሒ ጊኒ ማማዳይ ዶምቦያ፡ ፕረዚደንት ናይጄርያ ቦላ ቲኑቡ ኣብ ዓውዲ ህዝባዊ ኣገልግሎት፡ ናይጄርያዊ ቢልዮነር ኣሊኮ ዳንጐተ ኣብ ቢዝነስ፡ ሴነጋላዊ ቲክቶከር ካቢ ላሜ ከምኡ’ውን ጋናዊ ዎዴ ማያ ኣብ ሚድያ፡ ኬንያዊት ኣትሌት ፌይዝ ኪፕየጎን ኣብ ስፖርት ካብ ዝተርቍሑ ኣዝዮም ጸለውቲ ሰባት ዝጥቀሱ እዮም።
ኣብ ለንደን ብሪጣንያ ዝመደበራ መጽሄት ‘ኒው ኣፍሪካን’ ኣብ 1966 ከምዝተመስረተትን ብእንግሊዝኛ እትሕተም ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዋ ‘ፓን ኣፍሪቃዊት’ ምዃናን ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







