ቢንያም ግርማይ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዙር ዳውን ኣንደር ካልኣይ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝቐጸለ ራብዓይ መድረኽ ዙር ዳውን ኣንደር ኣውስትራልያዊ ተቐዳዳሚ ሳም ዌልስፎርድ ንሳልሳይ ግዜ ክዕወት እንከሎ ሜክሲካዊ ኢሳቕ ደል ቶሮ ብጫ ማልያ ዓቂብዋ።
ኣብ መዛዘሚ እቲ መድረኽ ኣብ ዝተኻየደ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢንተርማርሸ፡ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ፡ ተቐዳዳማይ ኣልፐቺን ሆላንዳዊ ላርስ ቦቨን ሳልሳይ ኮይኖም ኣትዮም።
ኣብቲ ካብ ሙረይ ብሪጅ ናብ ፖርት ኢልዮት ኣውስትራልያ ዝተኻየደ 136.2 ኪሜ ዝሸፈነ ራብዓይ መድረኽ ብ 2፡59፡50 ብምፍጻም ዝተዓወተ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቦራ ሃንስግሮ ሳም ዌልፎርድ ኣብ ቀዳማይን ሳልሳይን መድረኽ እውን ተዓዋቲ ኮይኑ እዩ።
በዚ ከኣ ብቅጽበታዊ ውድድር ዝበዝሐ ነጥቢ ብምውህላል ቀጠልያ ማልያ ዓቂቡ ኣሎ።
ኣብ ቀዳማይ መድረኽ 3ይ ኣትዩ ዝነበረ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ካልኣይ መድረኽ 4ይ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ 8ይ እዩ ኣትዩ።
ሎሚ ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝኣተወ ተቐዳዳማይ ጋንታ ዩኤኢ ኤሚረትስ፡ ኢሳቕ ደል ቶሮ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ንዝተረከባ ብጫ ማልያ ክዕቅብ እኳ እንተከኣለ ቢንያም ግርማይ ነቲ ፍልልይ ናብ ሓንቲ ካልኢት ብምውራድ ካልኣይ ታርታ ሒዙ ኣሎ።
ቢንያም ኣብ ናይ ነጥቢ’ውን ንሳም ዌልስፎርድ ስዒቡ ካልኣይ ታርታ ክሕዝ እንከሎ ተቐዳዳማይ ኢስራኤል ፕሪምየር ቴክ ኮርቢን ሳልሳይ ይርከብ።
ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዝካየዱ መድረኻት ተሪር ዓቐበት ዘለዎም ብምዃኑ ተዓዋቲ እቲ ውድድር ከነጽሩ ከምዝኽእሉ ይግመት።
ካልኣይ ብምእታው ሕጉስ ምዃኑ ዝገለጸ ቢንያም እቲ ኣብ መዛዘሚ ዝነበረ ቅጽበታዊ ውድድር ሓያል ምንባሩ ተዛሪቡ።
“በቲ ዝረኸብክዎ ክሕጎስ ዘለኒ ይመስለኒ። ካብዚ ንላዕሊ ክደፍእ ይኽእል ኣይነበርኩን። ሎሚ ሳም ኣደናቒ እዩ ኔሩ፡” ምባሉ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
“ሳም ኣብ ብሉጽ ኣቃውሞ እዩ ዘሎ፤ ሎሚ ኣነ ኣብ ጽቡቕ ቦታ እየ ኔረ፤ ግና ንሱ ካብ ኩላትና በሊጹ።”
ኣብዚ ውድድር ምስ ኣመሪካዊት ጋንታ ሊድል ትሬክ ብምዃን ዝወዳደር ዘሎ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ብጫ ማልያ ብ11 ካልኢት ድሒሩ መበል 43 ተሰሪዑ ኣሎ።
ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ካብ ቀዳማይ መድረኽ ግዜ ከይኸሰረ መበል 100፡ ኣብ ካልኣይ መድረኽ መበል 11፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ መበል 68 ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ መድረኽ ከኣ ምስ ቀዳማይ ዝወጽአ ብተመሳሳሊ ግዜ መበል 45 ኮይኑ ውድድራቱ ወዲኡ።
ካብ 1999 ጀሚሩ ዓመታዊ ዝካየድ ዙር ሳንቶስ ዳውን ኣንደር ኣውስትራልያ፡ መኽፈቲ ናይ ዓመተ ውድድር ዩሲኣይ ዎርልድ ቱር ኮይኑ ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ዝዓበየ ቅድድም ብሽክለታ ምዃኑ ይንገር።
እቲ ብደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ን10 መዓልታትዝካየድ ውድድር ኣብ ዩሲኣይ ዎርልድ ቱር ዝተመዝገባ ፕሮፌሽናል ጋንታት ይሳተፍኦ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







