ኣብ ኣሜሪካ ክልተ ነፈርቲ ኣብ ምርኢት እንከለዋ ተጋጭየን

ካብ ቪድዮ ዝተወስደ ስእሊ ግጭት ነፈርቲ

ምንጪ ስእሊ, Giancarlo/@giankaizen

መግለጺ ስእሊ, እተን ነፈርቲ ኣብ ትሑት ብራኸ ኣብ ኣየር ክጋጨዋ እንከለዋ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርሑ

ኣብ ኣሜሪካ ክልተ ነፈርቲ ኣብ ምርኢት እንከለዋ ብምግጫወን ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም።

ኣብቲ ንግጭት እተን ነፈርቲ ዘርኢ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ እተን ነፈርቲ ኣብ ትሑት ብራኸ ክጋጨዋ እንከለዋ፡ እታ ሓንቲ ነፋሪት ኣብ ክልተ ተገሚዓ ኣብ መሬት ክትወድቕ እንከላ ከቢድ ሃልሃልታ ይርአ። 

እተን ነፈርቲ ኣብ ጥቓ ዳላስ፡ ኣብ ጽምብል ምርኢት ኣየር እየን ነይረን። 

ብመሰረት ካብ መጥፋእቲ ሓዊ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ኣብ መሬት ኣብ ዝነበሩ ሰባት ዝበጽሐ ጉድኣት የለን። 

ማሕበር ኣብረርቲ ነፈርቲ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ መንጐ እቶም በቲ ግጭት ዝሞቱ፡ ቴሪ ባርከርን ለን ሩትን ዝተበሃሉ ክልተ ኣባላቱ ነበር ከምዝርከብዎም ገሊጹ። 

ነቲ ‘ዊንግስ ኦቨር ዳላስ ኤየርሾው’ ዝተሰመየ ብቐዳም ዝተኻየደ ምርኢት ካብ 4000 ክሳዕ 6000 ዝበጽሑ ሰባት ይዕዘቡ ነይሮም። 

ክሪስ ክራቶቮል ዝተበሃለ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ክንድኡ ዝኣክል ህዝቢ “ኣብ ቋሕ-ሰም ካብ ጫውጫው ናብ ስቕታ ክቕየር” ርእዩ ከምዘይፈልጥ ተዛሪቡ። 

ፌደራላዊ ምምሕዳር በረራ ነቲ ሓደጋ ክምርምሮ ምዃኑ ኣፍሊጡ። 

ከንቲባ ዳላስ ኤሪክ ጆንሰን ብወገኑ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ፍጻመ “ሕማቕ ኣጋጣሚ” ክብል ገሊጽዎ።

ቍጽሪ ምውታት ገና ይጻረ ከምዝነበረን ኣብ ባይታ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ግን ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ ኣረጋጊጹ። 

ሓንቲ ካብተን ነፈርቲ ቢ-17 ዝዓይነታ ደብዳቢት ነፋሪት ቦይንግ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ጀርመን ዓወት ኣብ ምምዝጋብ ቀንዲ ተራ እዩ ነይርዋ። 

እታ ካልኣይቲ ነፋሪት ከኣ ፒ-63 ኪንጎኮብራ እያ። እዚአን’ውን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሓይሊ ኣየር ሕብረት ሶቭየት ዝጥቀመለን ዝነበረ ዓይነት እያ። 

ቢ-17 ካብ ኣርባዕተ ክሳዕ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ሒዛ እትበርር ኰይና፤ ፒ-63 ከኣ ሓደ ኣብራሪ ጥራይ ከም እትሕዝ ሓደ ካብ ወደብቲ እቲ ምርኢት ዝዀነ ሃንክ ኮትስ ይገልጽ። 

“እዚ ነተን ነፈርትን ዓቕመንን ንምንጽብራቕ ዝተዳለወ መርኣዪ ውግእ ካልኣይ ኲናት ዓለም እዩ ነይሩ፡” ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።