ነፋሪት ታንዛንያ ኣብ ቀላይ ቪክቶርያ ብምሕምሻሻ ብዙሓት ሞይቶም

ኣብ ቀላይ ንዝኣተወት ነፋሪት ንምውጻእ ዝግበር ጻዕሪ

ምንጪ ስእሊ, CHARLES MWEBEYA TBC

ነፋሪት መጓዓዝያ ታንዛንያ ኣብ ገምገም ቀላይ ከተማ ቡኮባ ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ናብ ቀላይ ቪክቶርያ ብምሕምሻሻ ብውሕዱ 19 ሰባት ሞይቶም።

ካብቶም ኣብታ ብ'ፕሪሲዥን ኤይር' እትውነን ነፋሪት ዝነበሩ 43 ሰባት፡ እቶም 24 ከም ዝደሓኑ ኦፕሬተር ፕሪሲዥን ኤየር ሓቢሩ።

እቶም ክልተ ፓይለታት ፈለማ ብህይወት ክጸንሑን ካብ ‘ኮክፒት’ [ክፍሊ በረራ] ኰይኖም ምስ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ክዘራረቡን ከም ዝኸኣሉ፡ እንተዀነ ጸኒሑ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሞይቶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ተዛሪቡ።

ኣባላት ህይወት ኣድሕን፡ ንገለ ካብቶም ገና ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ዝነበሩ ተሳፈርቲ ንምምጻእ ናብ ውሽጢ ማይ ኣትዮም ነይሮም።

ዓብዱልኑሪ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኰይኑ ናብታ ዝዓበየት ከተማ ታንዛንያ - ዳርኤ ሰላም ንኽምለስ በረራ እናተጸበየ እንከሎ፡ እታ ነፋሪት ናብቲ ዝዓበየ ቀላይ ኣፍሪቃ ክትጥሕል ከምዝረኣየ ይገልጽ።

"ብሓቂ ሰንቢድና። ሰባት ሰንቢዶም ገሊኦም ክበኽዩን ከእውዩን ጀሚሮም" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣብቲ መእተዊ ገያሾ ዝነበሩ ሰባት'ውን ሰንቢዶም፤ መብዛሕትኦም ንኣዝማዶም ክቕበሉ ዝጽበዩ ዝነበሩ እዮም" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

ነቶም ኣብቲ ምሕምሻሽ ዘጋጠመሉ ቦታ ኣቐዲሞም ዝበጽሑ ገፈፍቲ ዓሳ ዘዘራረቦም ኰይኑ፡ እታ ነፋሪት ድሕሪ ምውዳቓ፡ እቲ ናይ ድሕሪት ማዕጾ ብኣባል በረራ ስለዝተኸፈተ ሰባት ንምድሓን ናብታ ነፋሪት ክኣትዉ ከምዝኸኣሉ ሓቢሮምዎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ዝሰዓበ ከምዝዀነ ይግለጽ።

ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ገመድ ብምጥቃም ነታ ‘ኤቲኣር-42’ ዝዓይነታ ነፋሪት ናብ ገማግም ባሕሪ ንምስሓብ ክፍትኑ እንከለው፡ ገለ ካብ ኣካላታ ኣብ ልዕሊ ማይ ተንሳፊፉ ይርአ።

ክንደይ ሰባት ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ተዓጽዮም ከም ዝጸንሑ ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።

ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ሪቻርድ ኮምባ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ክትዓልብ ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን፡ ኵነታት ኣየር ይሓምቕ ብምንባሩ፡ እቲ ፓይለት ነታ ነፋሪት ናብ ካልእ መንገዲ ክቕይራ ከምዝተገደደ ገሊጹ።

"ድሕሪኡ ኣብ ቀረባ ክንዓልብ ምዃንና ተሓቢሩና፤ ግን ከቢድ ዕግርግር ተፈጢሩ። ደሓር ድማ ንነብስና ኣብቲ ቀላይ ረኺብና" ኢሉ ኮምባ።

ኣስዒቡ፡ "ማይ ናብታ ነፋሪት ኣትዩ፤ እቶም ኣብ ቅድሚት ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ድማ በቲ ማይ ተዓቢጦም። ኣነ ኣብ ድሕሪት ኮፍ ኢለ ነይረ፤ መብዛሕትና ኣብ ድሕሪት ዝነበርና ክንወጽእ ተቓሊስና" ክብል ነቲ ዝነበረ ኵነታት ገሊጹ።

ሓደ ኣባል በረራ ማዕጾ እታ ነፋሪት ንምኽፋት ይቃለስ ከምዝነበረ'ውን ኣዘኻኺሩ።

"ክንወርድ ከለና ዋላ ሓንቲ ጃልባ ኣይነበረትን። ንኽንድሕን ቅሩብ ግዜ ወሲዱ፤ እታ ዝመጸት ጃልባ’ውን ክንድኡ ብቕዕቲ ኣይነበረትን፡ ታንኳ እያ ነይራ" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ታንዛንያ ቃሲም ማጃሊዋ፡ እቶም ዝደሓኑ ተሳፈርቲ ኣብ ሆስፒታል ከምዘለዉን ከቢድ መጕዳእቲ ከምዘይወረዶምን ብምሕባር "ግን ሰንቢዶምን ተጨኒቘምን" ክብል ኣረዲኡ።

እቲ ቀዳማይ ሚስተር ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ብምኻድ ነቲ ኵነታት ክዕዘብ እንከሎ፣ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ሰፊሕ መርመራ ከምዝካየድ ገሊጹ።

"ሕጂ'ውን መንነት ናይቶም ሬሳታት ንምልላይ ንፅዕር ኣለና፡ እቶም ኣብረርቲ ሞይቶም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ልዑል'ዩ" ኢሉ።

ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ስዒቡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተዓጽዩ ምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ።

ፕሪሲዥን ኤየር ዝዓበየ ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ታንዛንያ ኰይኑ፡ ብኸፊል ብመገዲ ኣየር ኬንያ ይውነን።

ኣብ 1993 ዝተመስረተ እዚ መገዲ ኣየር፡ በረራታት ውሽጢ ሃገርን ዞባን የካይድ።