18 ዓመታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተቐመጠ ኢራናዊ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መህራን ካሪሚ ናሰሪ ዝተባህለ ኢራናዊ፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ፓሪስ - ሮይሲ ቻርለስ ዲ ጉለ ንእሽቶ ስፍራ ሒዙ መንበሪኡ ክገብራ ካብ ዝጅመረ ኣብ 1988 [ኣ. ኣ] እዩ ነይሩ።
ተመኵሮ ናስሪ፡ ነታ ኣብ 2004 ንዝተሰናድአት፡ ቶም ሃንክስ ደሚቝ ዝተራእየላ ፈልም ‘ዘ ተርሚናል’ ንኽትስራሕ ኣበጊሱ’ዩ።
ናስሪ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ኣብ ፈረንሳ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎ ዝነበረ ኰይኑ፤ እንተዀነ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተመሊሱ መወዳእታ ህይወቱ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኰይኑ። ንሱ ብተፈጥሮኣዊ ምኽንያት ከምዝሞተ ሰበስልጣን እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ገሊጾም ኣለው።
ኣብ ኢራን ወረዳ ኩዘስታን ኣብ 1945 ዝተወልደ ናስሪ፡ ወላዲቱ ንምእላሽ ፈለማ ናብ ኣውሮጳ እዩ ከይዱ።
ንሱ፡ ብቝዕ ሰነዳት ስደተኛታት ብዘይምሓዙ ካብ ሃገራት ብሪጣንያ፡ ነዘርላንድን ጀርመንን ድሕሪ ምስጓጉ፡ ንሒደት ዓመታት ኣብ በልጅየም ተቐሚጡ።
ካብኡ ንደሓር ግን ናብ ፈረንሳይ ከይዱ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተርሚናል '2F' ክነብር ጀሚሩ።
ኣብ ዘመነ ህይወቱ ዘጥረዮ ንብረት ብዝተሰከማ ንኣሽቱ ዓረብያታት ተኸቢቡ ኣብ ኮፍ መበሊኡ ኣራጢጡ ዝርአ ናስሪ፡ ህይወት ታሪኹ ኣብ መዘክር እናጸሓፈ፡ መጽሓፍትን ጋዜጣን እናንበበን ኣሕሊፍዎ።
ዛንታኡ ቀልቢ ዓለምለኻዊ ማዕከናት ዜና ክስሕብ እንከሎ፡ ፍሉይ ትዅረት እቲ ንፊልም ‘ዘ ተርሚናል’ ዝኣለየ ስተቨን ስፒልበርግ ረኺቡ።
እቲ ዛንታኡ ምርኩስ ገይሩ ዝተሰርሐ ፊልም ናብ ተዓዘብቲ ምስቀረበ፡ ጋዜጠኛታት ነቲ ኣብ ሆሊዉድ ዝተሰናድአ ፊልም ክስራሕ ምኽንያት ዝዀነ ናስሪ ንምዝራብ ተጓዮም።
ኣብ ዝዀነ እዋን እቲ ንገዛእ ርእሱ ‘ሰር ኣልፍረድ’ ኢሉ ዝጽውዕ ናስሪ፡ መዓልታዊ ክሳዕ ሽዱሽተ ቃለ መጠይቓት ዝህበሉ ኣጋጣሚታት ከምዝነበረ ሌ ፓሪሰን ጸብጺባ።
ናስሪ፡ ኣብ ፈረንሳይ ክነብር ዘኽእሎ ወረቐት ስደተኛታት ኣብ 1999 እኳ እንተረኸበ፡ ንሱ ግን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ተመሊሱ ክሳዕ 2006 ተቐሚጡ። ድሕሪኡ ሕክምናዊ ናብዮት ክረክብ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ዝነበረ ኰይኑ ካብቲ ብዛንታኡ ዝተሰርሐ ፊልም ዝረኸቦ ገንዘብ ተጠቒሙ ኣብ ቤት መግብን መደቀስን ይነብር ከምዝነበረ ሊበሬሽን ዝተሰምየት ጋዜጣ ፈረንሳ ኣቃሊሓ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተመሊሱ ክሳዕ መወዳእታ ህይወቱ ከምዝጸንሐ ዝሓበሩ ሰበ ስልጣን እቲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸር ዩሮ ከምዝተረኸቦ ገሊጾም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







