ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እስራኤል ዝኣተወ ዘይተፈንጀረ ቦምባ ስንባደ ፈጢሩ

ዘይተፈንጀረ ቦምባ

ምንጪ ስእሊ, ISRAEL AIRPORTS AUTHORITY

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መዓርፎ እስራኤል ስንባደን ስግኣትን ዝፈጠረ ዘይተፈንጀረ ቦምባ

ሓንቲ ኣመሪካዊ ስድራ፡ ሒዛቶ ዝኣተወት ዘይተፈንጀረ ቦምባ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ እስራኤል ብኣባላት ኢሚግረሽን ኣብ ዝተገብረ ተፍትሽ ድሕሪ ምርካቡ፡ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ።

እስራኤል ናብ እትቈጻጸሮን ምስ ሶርያ ከቢድ ኲናት ዝተኻየደሉን ጐቦታታት ጎላን ንምብጻሕ ናብቲ ሃገር ዝኣተወት እታ ስድራ፡ ነቲ ቦምባ ኣብኡ ከም ዝረኸበቶ ሰብመዚ ሓቢሮም።

ነቲ ፍጻመ ዘርኢ ቪድዮ ከምዘነጽሮ፡ ነቲ ቦምባ ዝተዓዘቡ ገያሾ፡ ሰንቢዶም ካብቲ ቦታ ክሃድሙ ተራእዮም።

ብሰብመዚ ጸጥታ ድሕሪ ዝተገብረ መርመራ፡ ሰብ ደሓን ምዃኖም ምስ ተረጋገጸ ናብታ ዝጓዓዙላ ነፋሪት ኣትዮም በረራኦም ክቕጽሉ ተፈቒድሎም።

ጐቦታት ጎላን፡ ኣብቲ ብ 1967 ዝተኻየደ 'ኲናት ሽዱሽተ መዓልቲ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ግጭት፡ ካብ ሶርያ ዝተመንዘዐ ዞባ'ዩ። ሓድጊ ናይቲ ከቢድ ውግኣት ኣብቲ ቦታ ክህሉ ከምዝኽእል ከኣ ይግመት።

ሓደ 'ዋይነት' ዝተባህለ ማዕከን ዜና እስራኤል ከምዝበሎ፡ ሓሙስ ምሸት፡ ሓንቲ ገያሺት፡ ካብቲ ተሓንጊጣቶ ዝነበረት ቦርሳ ነቲ ቦምባ ብምውጻእ፡ በቲ ተጻዒኑ ዝኸይድ ቦርሳ ከተሕልፎ ትኽእል እንተኾይና ነታ ኣባል ጸጥታ ተወኪሳታ።

በቲ ኩነታት ዝሰግአት ኣባል ጸጥታ፡ ሰባት ካብቲ ከባቢ ክርሕቁ ኣዚዛ። ሓደ ኣብ ከባቢኣ ዝነበረ ሰብ፡ ብጌጋ ተረዲእዋ፡ "ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ" ብምባል ክጭድር ምስ ጀመረ፡ ኵሉ ሰብ ብስንባደ ክሃድም ጀሚሩ።

መደበር ተለቪዥን እስራኤል ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ብዙሓት ሰባት፡ እናጨደሩ ካብቲ ቦታ ክሃድሙ፡ ገሊኦም ተደቢሮም፡ ገለ ድማ ኣብ መሬት በጥ ኢሎም ዝገብርዎ ጠፊእዎም ይርኣዩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣብ ውሽጢ'ቲ ዕግርግር፡ ወዲ 32 ዓመት ኡሪ፡ ክሃድም ክብል ስለዝቘሰለ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ነይሩ።

"ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ናብቲ መቐበሊ [ቸክ-ኢን] ንምኻድ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል እጽበ ነይረ፣ ሽዑ ሃንደበት ካባይ ሓሙሽተ ሜትሮ ርሒቘም ዝነበሩ ሰባት ቦርሳታቶም ገዲፎም ክሃድሙ ጀሚሮም፡" ክብል ን'ዋይነት' ተዛሪቡ።

"እቲ ዝነበረና ፍርሒ፡ ሓደ ሰብ ጠያይት ይትኩስ ኣሎ ዝብል'ዩ ነይሩ። ኣነ'ውን ክሃድም ከምዝነበረኒ ተረዲአ፡ ናብቲ መቐበሊ ገጸይ ሃዲመ፡ ኣብቲ መሰጋገሪ ገመድ [ኮንቨየር በልት] ተዓንቂፈ ኸኣ፡ 6 ሜትሮ ዝኸውን ርሒቐ ወዲቐ።"

ካብ ከተማ ተልኣቪቭ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ በን ግሪዮን፡ ካብቶም ኣብ ዓለም ጽኑዕ ጸጥታዊ ምቁጽጻር ዝግበረሎም መዓርፎ ነፈርቲ እዩ።

መካይንን ተጓዓዝትን፡ ናብቲ ህንጻ (ተርሚናል) ከይበጽሑ እንከለዉ ጥራይ፡ መፈተሺ ነቝጣታት ኣሎ።

ብዘይካ'ዚ፡ እስራኤል ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዘጋጠማ ሂወት ብዙሓት ሰባት ዝቐዘፈ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ኣብ ልዑል ጸጥታዊ ጥንቃቐ'ያ ትርከብ።