ኣብ እስራኤል ክልተ ኣባላት ፖሊስ ብዝተተኰሶም ጥይት ተቐቲሎም

ኣብ እስራኤል ክልተ ኣባላት ፖሊስ ብዝተተኰሶም ጥይት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY IMAGES

ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ኣብ እትርከብ ከተማ ሃዴራ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ብዝተተኰሶም ጥይት ከም ዝተቐተሉ ተገሊጹ።

ነቲ ናይ ትማሊ ሰንበት መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ዓረብ-እስራኤል ዜግነት ዘለዎም ክኾኑ እንከለዉ ብኣባላት ድሕነት ከም ዝተቐተሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እስላማዊ ጉጅለ ኣይ ኤስ ብድሕሪ እቲ ተግባር ቅትለት ኣባላት ፖሊስ ከም ዘሎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዝዘርግሖ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ቅድሚ መዓልታት ሓደ ደጋፊ ኣይኤስ ከም ዝኾነ ዝተፈለጠ ውልቀ ሰብ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ቢርሼባ ኣርባዕተ እስራኤላውያን ዝቐተለሉ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዘጋጠመ’ዩ።

ሓደ ካብ ሞንጎ ነቲ ቅትለት ኣባላት ፖሊስ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ጉጅለ ሽበራ ዳዕሽ ክፅምበር ፈቲኑ ነይሩ።

ኣብ ሞንጎ እቶም ክልተ መጥቃዕትታት ርክብ እንተሃልዩ ንምፍላጥ ድማ ሰብመዚ ጸጥታ ይሰርሑ ምህላዎም ጸብጻብ መርበብ ሓበሬታ ሃሬትዝ የመልክት።

ኣብ ከተማ ሃዴራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጉድኣት ዝበጽሖም ኣርባዕተ ሰባት ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱን ካልኦት ክልተ ኣብቲ መጥቃዕቲ ተኹሲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ሕክምና ክግበረሎም ከም ዝተረኣዩን ይግለጽ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ እታ ሃገር ኤሊ ሌቪ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ “ኣባላትና ነቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ከወግዱን ዓብዪ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ክከላኸሉን ኪኢሎም ኣለዉ” ኢሉ።

ጉጅለ ዳዕሽ [ኣይ ኤስ] ነቲ ሓላፍነት ክወስድ ዘይተለመደ ምዃኑ ዝሓበረ ‘ሳይት’ [SITE ] ዝተባህለ ጉጅለ ስለያ፡ ካብ 2017 ንደሓር ኣብ እስራኤል ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ሓላፍኔት ወሲዱ ከም ዘይፈልጥ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ትማሊ ሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ እስራኤ ምስአን ዝነበራ ርክብ ከም ዝተመሓየሸ ምስ ዝዝረበለን ሰለስተ ኣዕራብ ሃገራት ከምኡ’ውን ግብጽን ኣሜሪካን “ታሪኻዊ ጉባኤ” ተካይድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን’ዩ ኣጋጢሙ።

ኩለን ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፋ ዘለዋ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነንኦ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ያኢር ላፒድ ተዛሪቡ።

ጉጅለ ሚሊሻ ሃማስ ግን ነቲ መጥቃዕቲ ንኡዱ’ሎ። “ጅግንነታዊ ስርሒት” ክብል’ውን ገሊጽዎ።

ኣብ እስራኤል ዝኽበሩ ሃይማኖታዊ በዓላት መዓልቶም ይቐርብን ወጥርታት ይውስኹን ኣብ ዘለዉሉ እዋን መጥቃዕቲታት ክረኣዩ ጀሚሮም ኣለዉ።