ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣቶ መለስ ዜናዊ፣ ዶክተር ኣምባቸውን ካልኦትን ዘድመቑ ኣቶ ደርሶ ሙጬ

ኣቶ ደርሶ ሙጬ ፡ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ነበር ዶክተር ኣምባቸው መኮንን፣ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ነበር ኣቶ ኣበረ ኣዳሙ ምስ ሞቱ፡ ገንዘብ ተኸፊሉዎ ሓዘን ከድምቑ [ሓዘን ከላዕሉ] ዝመጽኡ'ዮም።
እንተኾነ 'መተሓዳደሪኹም ሓዘን ምድማቕ ድዩ?' ተባሂሎም ክሕተቱ እንከለው ባህ ኣይብሎምን።
ናብርኦም ክዳን ሰፍዮም ከም ዝመርሑ፤ ግን ድማ ኣብ ሓዘን ከይድኻ ምድማቕ [ምቕስቓስ] ንህዝቢ ዘገልግልሉ ክቡር ሞያ ምዃኑ ይዛረቡ።
ስለ ዝኾነ ድማ ዓብዪ ቦታ ይህቡዎ።
ኣቶ ደርሶ፡ ንዝሓለፉ 19 ዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እንዳ ሓዘን ተረኺቦም፡ ሓዘን ኣድሞቘምን ሬሳ ኣፋንዮምን እዮም።
ኣብ ሓዘን እንዳ'ማቶም ተረኺቦም ክበኽዩ እንከለው ግን ንብዓት ይመጽኣሎም?
ኣዝዩ ልቢ ብዝትንክፍ ድምጺ፡ "ምችኣል ኣቦይ፤ ርህሩህ'የ። ሕዙን ርእየ ደስ ኣይብለንን፤ ንብዓተይ ስቕ ኢሉ'ዩ ዝውሕዝ . . ." ይብሉ።
እምብኣር ንዕኦም ሒዝና ኣብ ባህርዳር ጎቦ ቤዛዊት ርኢናዮ ክንምለስ። ሓጺር ታሪኽ ህይወት ኣቶ ደርሶ ዝስዕብ ይመስል።
" . . . ደርሶ ሙጬ'የ ዝብሃል፤ ኣብ ጎጃም'የ ተወሊደ። ምስ ኣቦ ሓጎይ ኣብ ደጋዳሞ ዓብየ፤ ። ወዲ 26 ዓመት ምስ ኮንኩ ድማ ናብ ባህርዳር መጺአ፤ ኣብዚ ይነብር ኣለኹ። እንዳ ሓዘን ምድማቕ ወዲ 31 ዓመት ኮይነ'የ ጀሚረዮ"።

ኣቶ ደርሶ፡ ንዝሓለፉ 19 ዓመታት፡ ኣብ ኣሽሓት ስነ ስርዓት ቀብሪ ተረኺቦም'ዮም።
ንኣባ ሓጉኦም ፍሉይ ፍቕሪ ዝነበሮም ኣቶ ደርሶ፡ "ካብኡ እየ ወሪሰዮ፤ ከመይ ዝበለ ቐስቓሲ ነይሩ ይመስለካ። ንሱ እናኣረገ ምስ ከደ፡ ኣነ ጀሚረዮ፤ ምስ ሞተ ክኣ ተተኪአ" ይብሉ።
ንሶም ብሞት ክፍለዩ እንከለው፡ መሪር ሓዘን ከም ዝተሰምዖም ዝዛረቡ ኣቶ ደርሶ፥
‹‹ምነው አባትዬ ምነው አባት ዓለም…››
"ልበላ ነው እንጂ ለለቅሶም አልመጣሁ
ባልሞትክብኝና በጉዴ ባልወጣሁ" ኢለ ኣንቢዐሉ።
ቐጺሎም ድማ . . .
"አባቴ አባዬ! ደንዳናው ገበሬ
እታዛህ ይገኛል የነቀዘ ፍሬ" እናበልኩ መሪር ሓዘነይ ገሊጸ ይብሉ።

ነዚ ከም ሓደ ሞያ ዝርእዩዎ ኣቶ ደርሶ፡ ብዙሕ ቆላሕታ ዘይምርካቡ ከም ዘሕዝኖም ይዛረቡ። ከም ብዋዛ ጠፊኡ ከይተርፍ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
ደቆም'ውን ተመሳሳሊ ሞያ ክህልዎም ከም ዝምነዩሎም ምስ እትፈልጥ ክኣ እዚ ክሳብ ክንደይ ከም ዘስግኦም ትርዳእ።
ልክዕ ከምቶም ደቈም ሓኪም፣ ፓይለት ወይ ኢንጅነር ክኸውን ዝምነዩ ወለዲ፡ ኣቶ ዳርሶ ደቆም ተኸፊሉዎም ሓዘን ዘድምቑ ክኾኑ'ዩ ዝምነዩን ዝደልዩን።
"ኣሃ! ልክዕ'ዩ እኮ፤ ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ነገር ክጠፍእ የብሉን። ፈኸራን ካልእን፡ ናይ ኣቦኻስ ክጠፍእ የብሉን። ሰለስተ ቈልዑ ኣለውኒ፤ እታ ሓንቲ መምህር እያ። ክልቲኦም ግን ጌና ህጻናት'ዮም። እቲ ሞያስ ክጠፍእ የብሉን እየ ዝብል" ይብሉ።
ግን ንምንታይ ንበኪ? ሓዘን ዘድምቕ ሰብ እንታይ'ዩ? ብሱሩ የድሊ ድዩ?
"ከመይ ድኣ! ሓዘን ዘድምቕ ሰብ እኮ ነቲ ብሓዘን ዝተጎድአ ሰብ'ዩ ዘጸናንዕ። ሰለስተ ኣርባዕተ ኮይንና ኢና ሓዘንተኛ ከይጉዳእ ንገብር። እስከ እዚ ስምዓዮ ከመይ ከም ዘጸናንዕ . . ." ኢሎም ይጅምሩዎ።
እናትና ጓሮ ሁለቱ አንድ ናቸው፣
ሚሰጡት አያጡ ምን ቢቸግራቸው፤
እናት ዓለም አልኳት ስሟን አሳንሼ ስሟን አሳንሼ፣
ዘጠኝ ወር አርግዛ ስጋዋን ለብሼ፤
እናት ዓለምዬ እናት ዓለምዬ!

ብዛዕባ ህይወት እንታይ ከም ዝሓስቡ፤ ሞትከ ንዕኦም እንታይ ከም ዝኾነ ንክንፈልጥ ሓቲትናዮም።
"እንተመጺኡስ ኣቕልል ክተብሎ ኣለካ፤ እንተምሪርካ ሓዘን ኢኻ ትውስኽ። ሓቁ ንገረና እንተይልኩም ግን ሰብ ክሓምምን ክጭግሞን እንከሎ ክትሓዝነሉ እዩ እቲ ግቡእ። ምስ ሞተ ድኣ ዘይምለስ" ይብሉ።
ኣቶ ዳርሶ፡ ናይ ሃፍታምን ድኻን ሓዘን ግን ኣፈላላይ ኣለዎ'ዶ?
"ኣዳለውቲ ናይ ሃፍታም ሓዘን ብዙሓት'ዮም፤ ናይ ድኻ ግን እቲ ቀሺ'ውን ብስርዓት ፍትሓት ኣይገብረሉን። ስቕ ኢሉ ኣባኺኑ ወሲዱ'ዩ ዝድርብዮ። ናይ ሃብታም ግን ኣስክሬን ኣብ መገዲ እናኸደ ደው ኣቢሎም ሓዘን ክትቑስቑስ ይገብሩ። ሃብታም እንተኾይኑ'ማ [ኣስክሬን] ንሰዓታት'ዩ ዝጸንሕ" ኢሎም።
ማልቀስን ማዘንስ ለድሀ ነው ለኮረንጮ ለባሽ
ሃብታምማ ሲሞት ይወጣል ነጭ ለባሽ
ዐይኔን እኔን እናት፣ ሙላ ሙላይቱ ሙላ ሙላይቱ
ለአንድያሽ ነው ወይ የበላሽ መሬቱ
"ኣቶ ደርሶ!"
"ኣቤት!"
ካልእ ሕቶ ክንሓተኩም?
"እንታይ'ማ ኣግኒዩኒ!"
ጉዳይ እንጀራ ኮይንኩም፡ ኣብ ናይ ዘይትፈልጡዎ ሰብ ሓዘን ክተድምቑ ከለኹም ግን እንታይ ዓይነት ስምዒት ይፈጥረልኩም?
"ግደፍ! እንጀራ ኣይኮነን። ዋይ . . . ስቕ ኢልና ነቲ ድኻ ከነጸናንዕ ኢልና ኢና እኮ ንበኪ ዘለና እምበር እንጀራ ዘይኮነ። ኣጋጣሚ ኣብ ከባቢና ሰብ እንተሞይቱ ወሲድና ቀቢርናዮ ኢና ንምለስ"።
ናይ እማንኩም ዲኹም?
"እግዚያአብሔርን! ኣነ እዚ ስርሐይ ኢለ ኣይሓዝኩዎን። ኣነ ንርእሰይ ሓላፊ እንድየ? ሕርካም ከይተቐበልና መዓልታዊ ክንደይ ድኻ ኢና ቀቢርና ንምለስ። ጽባሕ ንርእሰይ ክሓልፍ እንድየ፤ ግደፍ'ባ . . .!"።
ገንዘብ ኣይትቕበሉን?
"እንታይ'ዩ ዝብል እዚ ወዲ! ሕዚ ካብ ዝነብረሉ ከባቢ ሕርካም ተቐቢለ ኣይፈልጥን እናበልኹካ። ዝኾነ ሰብ ድኻ እንተኾይኑ ሓዘን ኣድሚቐ እየ ዝምለስ"።
ናጻ ኣገልግሎት ሂብኩም ትፈልጡ ማለት ድዩ?
"በል ጽናሕ ክነግረካ፤ ኣብዚ ከባቢ ሓይሊ ኣየር ሓደ ሰብ ሞይቱ ኣሎ ተባሂሉ ተደዊሉለይ ይኸይድ፤ ኮላይ ፈካሪ ሒዘ ከይደልካ። ሰበይቲ ምስ ወለደት ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ'ዩ ሞይቱ። ኣነ ግን ሽዑ ዝሃቡኒ ገንዘብ ኩሉ ሂበያ እየ መጺአ"።
ናይ እማንኩም ዲኹም?
"ምችኣል ኣቦይ! . . . ኣታ ወደይ ኣነ'ውን እኮ ፈራሲ እየ። ትሕቲ መሬት ምእታይ'ዶኢ ክቐርየኒ'ዩ? ገንዘብ እንታይ ይገብረለይ? ፍቕሪ ሰብ እምበር ገንዘብ ድኻ እንታይ ይጠቅም?"
መቸስ፡ ቅር እንተዘይኢሉኩም ሓንቲ ሕቶ ክሓተኩም?
"ኣይይ . . . ኣይብለንን"

ሳንዱቕ ሬሳ ዝሸጡ ሰባት ስራሕ ዝሒሉ ይብሉ'ዮም። ንስኻትኩምከ 'ሎም ቅነስ ጸው ኢሉ' ትብሉ'ዶ? ሓቁ ሓቁ ነውግዕ።
"ዋይ ዋይ፡ ኣታ ሓወይ ታይ'ዶ ኾይንካ? እንታይ ክዓብሰለይ? ወዲ ሰብ ይሙት ኢሉ ዝጽሊ እንተሃልዩ ነውሪ ዘይፈልጥ'ዩ። ገንዘብ ዘይጠቅም። ፈጣሪ ዝሰርሖ ነገር ግዝኡ ሓልዩ'ዩ ዝመውት። ከመይ ኢልና ኢና ዕዳጋ ጠፊኡ ክንብልኸ?"
እሞ፡ ከምቶም ሳንዱቕ ሬሳ ዝሸጡ ኣይኮንናን ዲኹም ትብሉኒ ዘለኹም?
"ኣታዮ ግደፍ! ሳንዱቕ ሬሳ ዝሸይጥ ሰብ'ውን እኮ ስራሕ ጠፊኡ እንተይሉ እቲ ዘዳለዎ ሳንዱቕ ከይሸጦ መቕበሪኡ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ኣነ ግን . . . ዕድመ ሰብ'ሲ ከም ጽርጊያ እንተዝነውሕ እየ ዝብል"።
ኣብ ሓዘን ዓበይቲ ሰበ ስልጣን ተረኺብኩም ኢኹም?
"እወ! ኣብ ናይ ዶክተር ኣምባቸው ነይረ፤ ክነልቅስ ኣርፊድና። ፈኸራ'ውን ነይሩዎ። ንዑስ ብድምጺ መጉልሒ [ሞንታርቦ] እየ ሰሪሐሉ"።
እንታይ ኢልኩም ኣልቂስኩም?
መጀመርታ፡ "ዶ/ር አምባቸውን አጅሬን ያየው ሰው
እንደ ጥጋት በሬ መሀሉን ሲገምሰው" ኢለ ፈኪረ።
ትነብዑ ማለት ድዩ?
"ውይ ውይ ውይ ውይ! ዝሕንዝሕ እየ ዝነብዕ"።
እማንኩም ዲኹም?
"እመብርሃንን!! ስድራ ግዳያት ክርኢ ከለኹ ንብዓት'ዩ ዝወርደኒ፤ ይቕድመኒ። ኣብቲ ሓዘን ቈልዓ ትርኢ ትኽእል፤ ነዚ እናርኣኻስ የኽእለካ? ንገረኒ እስከ?
ግን ኣቶ ደርሶ፡ ዝኸበደ ሓዘን ኣየናይ'ዩ? ናይ ውሉድ፣ ወላዲ ወይ ኣደ?
"ኣይ፡ ኩሉ ከብድኻ'ዩ ዝበልዐካ። ኩሎም፤ ኣቦኻ ካብ ኣዴኻ ንላዕሊ ዝኾነሉ ግዜ ኣሎ። ኣነ፡ ንኣቦይ'የ ዝወስድ። ኣደይ ሃሪማ ክትሰጎኒ እንከላ፡ ኣቦይ ጠቢሩ የምጽኣኒ። ሓዘን ከቢድ እንድዩ፤ ግን ክኣ ትኽእሎ። ዘይክኣል ነገር'ዶ ኣሎ'ዩ። ሰብ እማ እኽሊ በሊዑ ዘይርስዖ የብሉን"።
ኣቶ ደርሶ፡ ናብራ ኸቢሩ'ዩ ዘሎ። ኩሉ ነገር ይውስኽ ኣሎ፤ ንስኻትኩም'ከ ዋጋ ኣይትውስኹን?
"እንታይ ኢልና? ሰብ ናብራ ጸር ጸር ኣቢልዎ እናሃለወስ ክንውስኸሉ? ከም ዓቕምኻ ይንበር እዩ፤ ግን ዋጋ ምሸላ ልዕሊ 1700 ኮይኑ፣ ዘይቲ 600 ብር በጺሑ። ነዚ ቑሊሕ ኢሉ ዝርኣዮ ዘሎ'ዶ ይመስለካ። ዓዳጊ'ዩ ዝነብዕ ዘሎ። ኣነ ነቲ ቁርሲ በሊዑ ምሳሕ ዘይደግም እየ ዝሓዝን። ክፉእ ግዜ . . ."።
ዋጋ ትውስኹም ዲኹም ኢለ እየ ሓቲተኩም ነይረ?
"ክሳብ ሕጂ በቲ ዝጸንሐ ኢና ዘለና፤ ምችኣል ኣቦይ። ብሓደ ሽሕ ብር እየ ዝሰርሕ"።
ናብ ወጻኢ ተጸዊዕኹም ትፈልጡ'ዶ?
"ካብዚ ክልል ወጺአ ኣይፈልጥን፤ እዚ ስራሕ ኮይኑ ሞይቱስ ዓለም ክንዘረሉ? ኣይኽየዶን። ስቕ ኢልና ናብ ጎንደር፣ ብናት፣ አዲስ ዘመን፣ ዘጌ፣ ዳንግላ፣ ደብረወርቅ፣ ብቸና ኢና ንኸይድ። ካብኡ ኣይሓልፍን። ኣብ ባህርዳር 8 ኣለና፤ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ'ውን ኣላ። ኣብዚ ክልል ቀዳሞት ንብሃል ግን ኣርባዕተ ኢና። ኣነ፣ ጓዴ፣ ይታየውን አስናቀው ኢና፡፡ ብፍላይ ሞንታርቦ ክንሕዝ ከለና መሬት ብእግራ ኢና ጠጠው ነብላ"።
ሞንታርቦ ዲኹም ዝበልኩም?
"ብማይክ ነልቅስ ኢና። ዝሓለፈ ሰንበት ብማይክ ኢና ኣልቂስና"።
ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ውሽጢ 19 ዓመት ክንደይ ሰብ ቀቢርኩም?
"ኣይይ! እንታይ ኢልካ ክቑጸር? እንታይ መዓት ኣምጻእኻለይ ደወይ?"
2ሽሕ? 3ሽሕ? 5ሽሕ?
"ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ሰብ ከም ቖጽሊ እንድዩ ዝረግፍ። ዝኾነ ግዜ ኮሮና ምስ መጽአ ኣብ ወርሒ 17 ሰብ ቀቢረ። ኣይሰልቸወንን። በዓልቲ ቤተይ'ውን ኣልቃሲት'ያ"።
ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ምስ ሞተ ኣልቂስኩም'ዶ?
"አሳምነው ጥጌ የክልሉ በሬ፣ አሳምነው ጥጌ
ብጠቅሰው ብጠቅሰው
ዝግት ብሎ ቀረ፣ ይወጣል ያልኩት ሰው"
በኮሮና ለሞተ ምን ብለው ያስለቅሳሉ?
ጤና ጣቢያ ብንሄድ ወባ ነው ይላሉ፣
ሆስፒታል ብንሄድ ስኳር ነው ይላሉ፣
ክሊኒክ ብንሄድ ግፊት ነው ይላሉ፤ ኮሮና ይላሉ፣
አያድኑም እንጂ ስም ማውጣት ያውቃሉ፡፡

በሉ ኣቶ ደርሶ ይኣኽለና፤ ቅድሚ ምፍልላይና ግን ንሞት ብቐረባ ስለ እትፈልጡዎ ከመይ ኢልና ምስ ሞት ተሳኒናን ክንነብር ከም እንኽእል ንገሩኒ።
"ሞት እኮ ተራ ነገር'ዩ፤ ፈጣሪ እንተወሲዱካ፡ ኣይመልሰካን። እንተጸዊዑካ፤ በቃ'ዩ። ኣብ ሰሙን ሸውዓተ ሰብ ዝቐበርናሉ ግዜ ኣሎ። ሽዑ ፈጣሪ ተዓረቐና ኢልና ለሚንና ኢና"።
እባክን አምላኬ አንገትክን አትድፋ
አንተ ማረን እንጂ እኛ ብናጠፋ
እመቤቴ ማርያም ልጅሽን ተቆጪው
አንቺን እንዴት ጨነቀሽ አንድሽን ብታጪው
"እንታይ ክብል ደልየ እየ . . . ፍቕሪ'ዩ ዘዋጽአና። ፍቕሪ መድሃኒት ሞት'ዩ"።

በሉ፡ ብሞት ዘይኮነ ብህይወት የራኽበና!
ኣሜን ዝወደይ! ኣሜን!





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







