ኣብ መስርዕ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ቅትለታት ዝፈጸመ ኣመሪካዊ ብሕማም ሞይቱ

ሮድኒ ጀምስ ኣልካላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣልካላ ኣብ 2010 እዩ ምዃኑ ገበነኛ ምዃኑ ብቤትፍርዲ ተረጋጊጹ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ተበይንሉ

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርንያ ኣመሪካ: ብቕትለት ሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቆልዓን ኣርባዕተ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮን ተኸሲሱ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝተበየነሉ ኣመሪካዊ ብባህርያዊ ሞት ህይወቱ ምሕላፉ ተገሊጹ።

እቲ ሮድኒ ኣልካላ ዝተባሃለ ወዲ 77 ዓመት ቀዳም ወጋሕታ እዩ ኣብ ከባቢ ቤት ማእሰርቲ ኮርኮራን ካሊፎርንያ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታ ህይወቱ ሓሊፉ።

ኣልካላ ኣብ 2010 እዩ ምዃኑ ገበነኛ ምዃኑ ብቤትፍርዲ ተረጋጊጹ።

ንሱ ብዘይካ’ቲ ናይ ካሊፎርንያ ቅትለታት፡ ኣብ ኒውዮር’ውን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ምቕታሉ ተኣሚኑ እዩ።

ኣልካላ ኣብ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ብዝፈጸሞ ጭውያን ቅትለትን ጓል 12 ዓመት ሮቢን ሳምሶ ኣብ 1980 እዩ ኣብ ወረዳ ኦረንጅ እቲ ቀዳማይ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ተበይንሉ፤ እቲ ፍርዲ ግና ብላዕለዋይ ቤትፍርዲ ካሊፎርንያ ተሰሪዙሉ።

ኣብ 2003 እውን ናይ ሞት ብይን እኳ እንተተዋሃቦ እዚ’ውን ዳግማይ ተሰሪዙ።

ኣብ ዝሰዓበ ዓመት ግና መርመርቲ፡ ኣልካላ ኣብ ካሊፎንያ ምስ ዝተፈጸመ ቅትለት ዘተኣሳስሮ ጭብጥታት ረኸቡ።

ኣብ 2010 ኣብ ዝተኻየደ መጋባእያ፡ ኣልካላ ካብ 1977 ክሳዕ 1979 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ብቕትለት ሮቢን ሳምሶን ዕድሚአን ካብ 18 ክሳዕ 32 ዝርከብ ኣርባዕተ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮን ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

ኣልካላ ብኻልእ ክልተ ተወሳኺ ቅትለታት ብምኽሳሱ ኣብ 2012 ናብ ኒውዮርክ ተሰጋጊሩ። ገበነኛ ምዃኑ ብምእማኑ ድማ ናይ 25 ዓመታት ማእሰርቲ ተበይንሉ።

ኣልካላ ብኻልእ ቅትለታት’ውን ከም ዝጥርጠር ሰብ መዚ ቤትማእሰርቲ ካሊፎርንያ ይገልጹ። ብዛዕባ ሞቱ ዝተወሃበ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ የሎን። ኣብ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርንያ ኣብዚ እዋን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝጸባበዩ 700 እሱራት ኣለው።