ወዲ 16 ዓመት እንከሎ 'ብዝፈጸሞ ገበን' ኣብ 30 ዓመቱ ብሞት ዝተቐጽዐ ኢራናዊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢራን ሓደ ውልቀሰብ ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ፈጺምዎ ብዝተባህለ ገበን፡ ድሕሪ ዓመታት ብሞት ተቐጺዑ።
ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ውልቀሰብ ዝተፈጸመ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ግቡእ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ተቓውሞኡ ኣስሚዑ ኣሎ።
ብመሰረት ሓበሬታ ቤትጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ወዲ 30 ዓመት መሓመድ ሓሰን ረዚ፡ ብቤትፍርዲ ዝተበየነ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ብሓሙስ እዩ ተፈጺሙ።
መሓመድ ሓሰን ብስሕለት ንሓደ ሰብኣይ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣብ 2007 ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ዝገለጸ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ፡ መሓመድ ነቲ ገበን ምፍጻሙ በስገዳድ ከም ዝተኣመነ ሓቢሩ።
ነቲ ብይን ምፍጻም "ፍንፉን ጥቕዓት ኣብ ልዕሊ መሰላት ቆልዑ" ምዃኑ'ውን ኣጠንቂቑ ነይሩ።
"ሓደ ሰብ ትሕቲ ዕድመ እንከሎ ፈጺምዎ ብዝበሃል ገበን፡ ዓመታት ተጸቢኻ ምቕጻዕ፡ ንኹሉ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስን ህጻናት ንዝፍጽምዎ ገበን ብሞት ክቕጽዑ የብሎምን ንዝብል ሕጊ ዝጻረርን እዩ" ኢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።
መቕተልቲ መሓመድ ሓሰን ዝገልጽ ዜና ድሕሪ ምስምዑ፡ ቤትጽሕፈት ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት (ኦ ኤች ሲ ኤች ኣር) ንተግባር ኢራን "በጽኑዕ ኾኒኑ"።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኢራን ገበን ምፍጻሞም ዝተገለጸ ሰለስተ መንእሰያት ብሞት ከም ዝተቐጽዑ ሓቢሩ። ካልኦት 80 ቆልዑ'ውን ናይ ሞት ፍርዲ ይጽበዩ ኣለው ኢሉ።
መሓመድ ሓሰን ናይ ሞት ብይን ምስ ተዋህቦ፡ ንዝሓለፈ 12 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ከሕልፎ እንከሎ፡ ነቲ ገበን ከም ዝፈጸሞ ዝኣመነ ብሰንኪ ዝበጽሖ ምቕጥቓጥን ምስቓይን ምዃኑ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይገልጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







