ማእከላይ ምብራቕ፡ ታሪኻዊ ዋዕላ ሃገራት ዓረብን እስራኤልን ኣብ ምድረበዳ ነጌቭ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ወከልቲ ሓያሎ ሃገራት ዓረብን እስራኤልን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ "ቅድሚ ኹሉ" ነቲ ካብ ኢራን ዝምንጩ ስግኣት ንምግጣም ዝሕግዝ'ዩ ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ተዛሪቡ።
ኣብቲ እስራኤል ዘአንገደቶ ዋዕላ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ናይተን ኣብ 2020 ምስታ ሃገር ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝመስረታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ባሕሬን፡ ሞሮኮን ተረኺበን።
እቲ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን'ውን ዝተሳተፎ ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብን እስራኤልን ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ኣብ ታሪኽ እተን ሃገራት ፈላሚ'ዩ ተባሂሉ።
ኩሎም ወገናት፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሽርክነት ንምምዕባል ተሰማሚዖም ኣለዉ።
ኣብቲ ኣብ ምድረበዳ ነጌቭ ዝተፈኻየደ ታሪኻዊ ዋዕላ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝርከቦም ዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት፡ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዘሎ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ዘለዎም ደገፍ ደጊሞም ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ብዘይካ እስራኤል፡ ኩለን ኣብቲ ኣኼባ ዝተወከላ ሃገራት ናጻ ሃገረ ፍልስጤም ክትምስረት ዝድግፋ'የን።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፍልስጤም ብወገኑ፡ እቲ ዋዕላ "ሓያል መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም'ዩ" ክብል ነቒፉ። ነተን ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፋ ሃገራት ዓረብ ግን ብቐጥታ ኣይነቐፈንን።
እቲ ኣኼባ ኣብ ሓደ ሆቴል ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ግን፡ ገለ ዕጡቓት እስራኤላውያን ዓረብ፡ ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ሃደራ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ብምቕታል ሽዱሽተ ሰባት ኣቚሲሎም።
እቶም ሚኒስተራት ነቲ ቅትለት ክኹንንዎ እንከለዉ፡ ሞሮ ድማ እቲ ዋዕላ ናይቲ መጥቃዕቲ "ዝበለጸ ግብረመልሲ'ዩ" ኢላ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ያኢር ላፒድ ድሕሪ'ቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዋዕላ "ቀዋሚ መድረኽ" ኮይኑ ክቕጽል እቶም ዲፕሎማሰኛታት ከምዝወሰኑ ተዛሪቡ።
"ኣብዚ ታሪኽ ንሰርሕን ኣብ ገስጋስ፡ ቴክኖሎጂ፡ ሃይማኖታዊ ተጻዋርነት፡ ጸጥታን ስለያዊ ምትሕብባርን ዝተመስረተ ሓድሽ ዞባዊ ቅርጺን ኢና ንሃንጽ ዘለና። እዚ ሓድሽ ቅርጺን ንሃንጾ ዘለና ዝተማቓርሐ ዓቕምታትን ንናይ ሓባር ጸላእትና ዘፈራርሕን ዝገትእን'ዩ፡ ፈለማን ቀንድን ኢራንን ተሓባበርታን" ክብል ሊፒድ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብደላ ካልኣይ፡ ናብ ምዕራባዊ ገማግም ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ኣብ ከተማ ራማላህ ተራኺቡ።
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን'ውን ብሰንበት ምስ ዓባስ ብምርኻብ፡ ነቲ "ክልተ-ሃገራት" ዝብል ፍታሕ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ፡ ሃገሩ ንፍልስጤማውያን እትህቦ ደገፍ ከምእተዛይዶ ገሊጽሉ።
ብሊንከን ኣቐዲሙ'ውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ናፍታሊ በነት ተራኺቡ ነይሩ። ድሕሪ'ቲ ኣኼባ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብኮቪድ-19 ከምዝተለኽፈ ተረጋጊጹ።
እቲ ኣኼባታት፡ ኣመሪካ ምስ ኢራንን ዝኣተወቶን ጸኒሓ ዘፍረሰቶ ውዕል ኑክሌር ክትምለሶ'ያ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን'ዩ ክካየድ ቀንዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ብዘመነ ስልጣን ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምቅዋም፡ ኣመሪካ ከተንሳሕብ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ኢራን በቲ ውዕል ዝተደረተ መስርሕ ኑክሌራዊ ምምዕባል ከምዝቐጸለቶ ይፍለጥ።
እስራኤል፡ ዝኾነ ምስ ኢራን ዝግበር ውዕል ንኢራን ዘሐይል ስለዝኾነ ስግኣት ከምዝፈጥረላ'ያ ትምጉት። ሃገራት ዓረብ'ውን ተመሳሳሊ መርገጺ ከምዘለወን ይግለጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







