‘ሓድሽ ምዕራፍ’- ምብጻሕ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ

'ሓድሽ ምዕራፍ'- ምብጻሕ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ዬር ላፒድ ሎሚ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገብሮ ጉዕዞ ሓድሽ ምዕራፍ ምሕዝነት ሃገሩን ሃገሩን ሃገራት ኣዕራብን ክኸውን እዩ፡፡

ቅድሚ ትሸዓተ ኣዋርሕ ሃገራት እስራኤል፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን ርክባተን ናብ ንቡር ንምምለስ ካብ ዝሰማማዓ ንደሓር ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ላፒድ ናብታ ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ እትርከብ ሃገር ዕላዊ ምብጻሕ ዝገበረ ፈላማይ በዓል ስልጣን እስራኤል እዩ።

ኣብቲ ንክልተ መዓልታት ዝጸንሕ ዑደት ምስ መዘንኡ ሸኽ ዓብዱላህ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ዝራኸብ ኮይኑ፡ ኣብ ኣቡዳቢ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤልን ኣብ ዱባይ ዝርከብ ቆንስላን መሪቑ ክኸፍት እዩ።

እቲ ምብጻሕ ብዝህልዎ ትእምርታዊ ረብሓ ጥራሕ ዘይኮነስ ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ጉንበት ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዝተፈጠረ ጎንጺ ዘካይደኦ ፈላማይ ዕላዊ ርክብ እዩ፡፡

በቲ ጎንጺ ኣብ ጋዛ 256 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገለጸ ኮይኑ ኣብ እስራኤል ድማ 13 ሰባት ሞይቶም።

መራሕቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ እስራኤል እቲ ወሪራ ዝሓዘቶ ከባቢታ ዌስት ባንክ ናብ ባዕላ ከይትወስዶ ጸቕጢ ንፍጣር ዕድል ክህቦም ከም ዝኽእል ኣሚኖም ነቲ ርክብ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ውዕል ስለ ዝፈረሙ እቲ 11 መዓልቲታት ዝወሰደ ጎንጺ፡ ፈላማይ ፈተና እቲ ሓድሽ ርክብ ኮይኑ ነይሩ።

እታ ሃገር ዋላ'ኳ ንስጉምቲታ እስራኤል ኮኒና እንተነበረት፡ ኣብ እዋን እቲ ጎንጺ ግን እዚ ዝበሃል ዲፕማስያዊ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣይፈጠረትን።

ዜጋታታ ድማ ንእስራኤል ብምኹናን ኣብ ጎኒ ፍልስጤማውያን ደው ከም ዝብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ወፍሪ የካይዱ ነይሮም።

እንተኾነ ዑደት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ላፒድ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ማዕበል ከም ዘዘሓሓለኦ ዘመልክት እዩ ይብል ተቐማጥነቱ ኣብ ዱበይ ዝገበረ ተንታኒ ፖለቲካ ዓብዱልካለቅ ዓብዱላህ።

‘‘ክልተኣዊ ርክበን ፈላማይ ፈተንኡ ሓሊፉ እዩ፤ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ ከኣ የመልክት’’ ይብል፡፡

‘‘ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክልተ መገዲታት እያ ተተኣታቱ ዘላ፤ ቀዳማይ መገዲ ርክብ ናብ ንቡር ምምላስ ክኾን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ፍልስጤማውያን ናይ ባዕሎም ሃገር ናይ ምውናን መሰሎም ምሕጋዝ እዩ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክልቲአን ሃገራት ርክበን ንምምሕያሽ እንትውስና ዝተፈላለየ ዕላማታት ሒዘን እየን ነይረን፡፡

እታ ዓረባዊት ሃገር ቀዳማይ ድልየታ ጉዳይ ድሕነት ዝነበረ ኮይኑ እስራኤል ድማ ቁጠባዊ ምትሕብባርን በታ ዓረባዊት ሃገር ተቐባልነት ምርካብን ነይሮም፡፡

እቲ ኣብርሃም ኣኮርድ ተባሂሉ ዝፍለጥ ውዕል ምስ ተፈረመ ድማ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ መሸጣ 50 ኤፍ-35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣጽዲቑ፡፡

እዚ ድማ ወታሃደራዊ ዓቕማ ዘጠናኽር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ዞባ ስትራተጂካዊ ጸብለልታ ክትረክብ ዘኽእላ እዩ፡፡

ብተወሳኺ ድሕሪ ምፍጻም እቲ ውዕል ክልቲአን ሃገራት ቁጠባዊ ምትሕብባረን ዓምቢቡን ብዙሓት ስምምዓት ንግዲ ተፈራሪመንን እየን፡፡