እስራኤል፡ ስለምንታይ ብሓድሽ ፕረዚደንት ኢራን ተሻቒላ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ሊዮር ሃይት፡ ሚስተር ራይሲ ዛጊድ ንኢራን ካብ ዝመርሑዋ ፕረዚደንታት እቲ ‘ኣዝዩ ሕሉፍ’ ዝበሃል ሰብ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ከምኡ’ውን፡ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመርጸ፡ ናይ ኢራን መደብ ኑክሌር ምምዕባል ብዝገደደ ክቕጽለሉ ምዃኑ እዩ ዝኸስስ።
ኢብራሂም ራይሲ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብቲ እቲ ንዕኡ ዘዘንበለ እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ሃገራዊ መረጻ ተዓዊታይ ምዃኑ ዕላዊ ተገይሩ እዩ።
ኣብ መጻኢ ወርሒ ነሐሰ ሽመት ክቕበል ትጽቢት ዝግበረሉ ሚስተር ራይሲ፡ ላዕለዋይ ዳኛ ኢራን ዝነበረ ኾይኑ፡ ዓቃባዊ ኣተሓሳስባታት ዘሰጉም ተባሂሉ እዩ ዝሕመ።
ንሱ፡ ብኣመሪካ ማዕቀባት ካብ ዝተነብረሎም ሰብ መዚ ኢራን ሓደ ኾይኑ፡ ምስ ቅድም ክብሉ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ እሱራት ዝተፈጸሙ ናይ ሞት ፍርዲ ድማ ስሙ ዝለዓል እዩ።
ኣብቲ መረጻ ምዕዋቱ ስዒቡ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እምነት ክሓድሮን ናይ ንመላእ ህዘቢ ኢራን ብማዕረ ንክመርሕን ቃል ኣትዩ ኣሎ።
“ህርኩት፣ ንለውጢ ዝሰርሕን ግዕዝይና ዝጽየፍን መንግስቲ ከጣይሽ እየ” ኢሉ ምዝራቡ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ጸብጺበን።
እስራኤል ስለምንታይ እያ ትሻቐል ዘላ?
ሃገራት እሰራኤልን ኢራንን፡ ንነዊሕ እዋን ቃላት ኲናት ክመላለሳ ዝጸንሓ ኾይነን፡ ይኹን እምበር ናብ ምሉእ ኲናት ኣትየን ኣይፈልጣን።
ኣብ ቀረባ እዋናት ግና፡ እቲ ኣብ ‘ተጻብኦ’ ዝተመስረተ ርክበን ኣዝዩ እናሓርፈፈ ይርከብ።
እቲ ኩነታት ብቐሊሉ ክትርደኦ ከቢድ እንተኾነ’ኳ፡ ሓደ ቀንዲ ዘባእሰን ጉዳይ ግና፡ ዛዕባ መደብ ምምዕባል ኑክሌር ኢራን እዩ።
ኢራን፡ ነቲ 'ኣለኒ' እትብሎ ናይ ኑክሌር ተመራማሪ እስራኤል ቀንጺላቶ ኢላ ትኸስስ ኮይና፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ ኣብ ሓደ ዩራንየም ዝምዕብለሉ ማእከል መጥቃዕቲ ፈጺማ ኢላ ትኸሳ።
ኢራን፡ እቲ እተፍርዮ ኣጽዋር ኑክሌር ንሃገራዊ ልምዓት እዩ ትበል’ምበር ምሉእ ንምሉእ ንሰላማዊ ዕላማ ከምዝውዕል ክተረድእ ኣይከኣለትን። ኣጽዋር ውግእ ተፈሪ ከምዘላ እዩ ብሰፊሑ ዝእመን።
ኣብ 2015 እቲ ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ክለዓለላ፤ ንሳ ድማ እቲ ኑክሌር ምፍራይ ጠጠው ክተብል ዝብል ስምምዕ ተኸቲሙ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ነበር ተራምፕ ኣብ 2018 ነቲ ውዕል ምስ ወንዘፎን ነቶም ተረርቲ እገዳታት መሊሱ ምስ ኣንበረን፡ እቲ ውዕል ፈሪሱ።
ምምሕዳር ባይደን፡ነቲ ውዕል ናብ ቦትኡ ክምልስ ይፍትን ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ።
እቶም እገዳታት ተመሊሶም ምስ ተነብሩ፡ ኢራን ነቲ ቅድም ከብል ዝጀመረቶ ንጥፈታት ዩራንየም፡ ኣበርቲዓ ትቕጽለሉ ከምዘላ እዩ ዝዝረብ።
ርግጽ፡ ዛጊድ፡ እቲ ዘፍረየቶ ኣጽዋር፡ ንደረጃ ኣጽዋር-ኑክሌር ከምዘይበቕዐ እዩ ዝግለጽ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ዛዕባ እቲ መረጻ ኢራን ኣመልኪታ፡ ኢራናውያን መራሒኦም ብናጽነትን ፍትሓውነትን ናይ ምምራጽ መሰሎም ተዓጊቶም ዝብል ርእይቶ ሂባ።
ብዝሒ መረጽቲ፡ ኣዝዩ ትሑት ከምዝነበረ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ካብቶም ንክመርጹ ዝተመዝገቡ ዜጋታት እታ ሃገር፡ 50 ሚኢታዊት ጥራሕ ኣድሚጾም ተባሂሉ።
እዚ ምስቲ ኣብ 2017 ዝነበረ 70 ሚኢታዊት እንትነጻጸር ትሑት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዝሓ ህዝቢ፡ እቲ መረጻ ውዱእን ነቲ ንመንፈሳዊ መራሒ ኣያቶላሕ ስጡም ቅርበት ዘለዎ፡ ሚስተር ራይሲ፡ ዘዘንበምለን ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።
ኣብ ከይዲ ዘሎ ዝርርባት ሰላም
ሚስተር ራይሲ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ፡ እቲ ዛዕባ መደብ ኑክሌርን ምልዓል እገዳታትን ዛዕባ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እዩ።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብቲ ይካየድ ዘሎ ሽድሽተ ሓያላት ሃገራት ዘካተተ ዝርርብ ሰላም፡ ከምዝቕጽል እዩ ኣፍሊጡ።
እቲ ንሻድሽ ዙርያ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ፡ ንኣመሪካ ዝሓወሰ ምዃኑ ይዝረበሉ።
እንተኾነ፡ ዛጊድ ኣብ መንጎ መራሕቲ እተን ሃገራት ኣፈላላያት ከምዘለዉ ሮይርስ ጸብጺቡ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ዋላ ሚስተር ራይሲ ስልጣን እንተሓዘ ኢድ-ኣዙር ዝዝርብ ከምዝቕጽል እዩ ኣፍሊጡ።
'ሓራዲ ቴህራን'
ወሃቢ ቃል፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ሎይር ሃይት፡ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመርጸ፡ ‘ኣዝዩ ሕሉፍ ኣተሓሳሳብ ዘሰጉም ዓቃባዊን ደድሕሪ ንመደብ ምምዕባል ኣጽዋራት ኑክሌር ኢራን ዘሎ ሰብን’ ክብል ከሲሱዎ።
ሎይር ኣብ ትዊተር ገጹ፡ ነቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ‘ሓረዲ ቴህራን’ ክበል'ውን ጸዊዕዎ።
ንሱ፡ ምስቲ ኣብ 1988 ዝተፈጸመ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ተቓውሞ ዝተቐትልሉ ኩነታት ብቐጥታ እዩ ዘራኽቦ።
እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመርጸ ሰብ ፡ ‘ቀታሊ ኮሚቴ’ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ኣርባዕተ ዳኛታት ዝሓዘ ኣካል ዝምራሕ እዩ ነይሩ።
ኣመነስቲ ኢንተርናሽናል፡ እዚ ኮሚቴ ልዕሊ 5 ሽሕ ሰባት ብሞት ክፍረዱ ዝገበረ ምዃኑ ይገልጽ።
እቲ ወሃቢ ቃል እስራኤል ከምዝብሎ ድማ፡ ኣብቲ እዋን ዝተቐትሉ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ከምዝኾኑ እዩ፤ እዚ ብገለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን’ውን ዝድገፍ ቁጽሪ እዩ።
ካልኦትከ እንታይ ኢሎም?
ካብ ኩሉ ቀዲሙ ነቲ ፕረዚደንት ‘እንኳዕ ደስ በለካ’ መልእኽቲ ዘመሓላላፈ ፕረዚደንት ሩስያ፡ ቭላድሚር ፑቲን እዩ ።
ካልኦት ከም መራሕቲ ሶርያ፣ ኢራን፣ ቱርኪ፣ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬተስ ድማ ናይ ሓጎስ ምልእኽታት ሰዲደን።
ወሃቢ ቃል መራሒ ሓመስ ድማ፡ ንኢራን ‘ዕቤትን ብልጽግናን’ ተመንዩላ።
እንተኾነ፡ ሁይማን ራይተስ ዎች፡ “ከም ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ነበር፡ እቲ ጨቋኒ ቤት ፍርዲ ኢራን፡ ሚስተር ራይሲ በቶም ዝተፈጸሙ ቅትለታት ክምርመርን ናብ ሕጊ ክቐርብን ዘለዎ ‘ምበር፡ ናብ ስልጣን ክመጽእ ዘለዎ ሰብ ኣይኮነን” ዝብል ርእይቶ ሂቡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







