ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ: ንእስራኤል ዝቐለሰ በሊሕ መራሒ

በንጃሚን ናታንያሁ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, በንጃሚን ናታንያሁ ዝመርሖ ሰልፊ ሊኩድ፡ ኣብ መጋቢት ኣብ እተገብረ ሓፈሻዊ ምርጫ ዝበሕዘ መናብር ረኺቡ

ኣብ ፖለቲካ እስራኤል፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኔታንያሁ፡ ወይ ከኣ 'ቢቢ'፡ በዚ ሓዲሽ ወለዶ፡ 'ንጉስ እስራኤል' ከምኡውን 'ዘይጸዓድ መራሒ' ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።

ኔታንያሁ፡ ንእስራኤል፡ ንነዊሕ ዓመታት ብመርገጽ የማናይ ክንፊ ዝመርሓ፡ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወተ ብተሪር ባህሪያቱን ኣወዳድባኡን ዝፍለጥ መራሒ እዩ።

እቲ ብኣመሪካዊ ላህጃ ጽፉፍ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝዛረብ ናታንያሁ፡ ነታ ንእሽቶ ሃገሩ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ፡ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ከም እትስማዕ ዝገበረ ሰብ እዩ።

ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ህይወት፡ ሚስተር ኔታንያሁ፡ እቲ ንእስራኤል በቲ ምስ ፍልስጤማውያን እተካይዶ ቃልሲ ጥራይ ዝርኢ ኣተሓሳስባ ዝቐየረ ሰብ ምዃኑ ይዛረብ።

"[ኔታንያሁ] ንዅሉ ጸገማት ማእከላይ ምብራቕ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ኣገዳሲ ሰብ እዩ ነይሩ" ይብል ጸሓፍ ታሪኽ ናታንያሁ (ቢቢ)፡ ኣንሰል ፓፌር።

"ኣብ ርእሲ እቲ ግጭት ናይ ምፍታሕ ብቕዓቱ፡ ምስ ሃገራት ዓረብ ኣርባዕተ ዲፕሎማስያዊ ስምምዓት ፈሪሙ። ቅድሚ ኮቪድ ኣብ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት ከኣ እስራኤል ዘየቋረጸ ቁጠባዊ ዕብየት ከተመዝግብን ምስ ዓለም ዝሓሸ ርክብ ከምዝህልዋን ገይሩ።

መንእሰይ መራሒ እስራኤል

ቅድሚ ርብዒ ዘመን፡ ዝነኣሰ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዝነበረ ኔታንያሁ፡ ኣብቲ ግዜ'ቲ መራሒ ሰልፊ ዕዮ ንዝነበረ ሽምኦን ፔረዝ ብጸቢብ ድምጺ ስዒሩዎ ።

እቲ ምርጫ ድሕሪ ቅሩብ ኣዋርሕ ቅትለት እቲ ምስ ፍልስጤማውያን ኣብ ኦስሎ ዝተገብረ ታሪኻዊ ውዑል ሰላም ዝተፈራረመ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ይስሓቕ ራቢን'ዩ ተኻይዱ።

ሚስተር ኔታንያሁ፡ እቲ ውዕል ሰላም፡ ንጸጥታ እስራኤል ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኰይኑ ስለዝተራእዮ ንደገፍቱ ኣትሪሮም ክቃወምዎ ተማሕጺኑ።

መራሒ ፍልስጤም ያሰር ዓራፋት፡ ንጉስ ዮርዳኖስ ዝነበረ ሑሴን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተንን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁን ፡ ብ1 ጥቅምቲ 1996 ኣብ ዋይት ሃውስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መራሒ ፍልስጤም ያሰር ዓራፋት፡ ንጉስ ዮርዳኖስ ዝነበረ ሑሴን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተንን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁን ፡ 1 ጥቅምቲ 1996 ኣብ ዋይት ሃውስ

ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ ግና፡ ምምሕዳር ዋሺንግተን ምስ መራሕቲ ፍልስጤም ተወሳኺ ርክብን ውዕልን ከካይድ ጸቕጢ ስለዝገበረሉ፡ ፍጹም ውድቀት ናይቲ ፈላሚ ዝመርሖ ዝነበረ የማናዊ ክንፊ መንግስቲ ኣጋጢሙዎ።

ዳሕራይ ግን ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ወጻኢ፡ ኣብ ሰልፊ ሊኩድ ህቡብ ሰብ ኰይኑ። ኣብቲ ካብ 2000-2005 ዘጋጠመ ካልኣይ ፍልስጤማዊ ኢንቲፋዳ ወይ ኣንጻር እስራኤል እተላዕለ ናዕቢ ከኣ ሚኒስተር ኰይኑ ኣገልጊሉ ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ብምንጻግ፡ እስራኤላውያን ካብ ወሽመጥ ጋዛ ከም ዝወጹን ሓያሎ ሰፈራታት ምዕራባዊ ገማግም ከም ዚሓድጉን ገይሩ እዩ ።

ምትዕንቓፍ መስርሕ ሰላም

ሚስተር ኔታንያሁ ኣብ 2009 ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ፡ ነጻ ርእሰ-ምምሕዳር ፍልስጤም ንኽትህሉ ብቑዕ ደገፍ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ንእስራኤል ከም ኣይሁዳዊት ሃገር ክትቅበላን ወግዓዊ ኣፍልጦ ኽትህባን ጠለበ።

መራሕቲ ፍልስጤማውያን ነቲ ጠለብ ምስ ነጸጉዎ ከኣ ሚስተር ናታንያሁ፡ እስራኤል ኣብቲ ተቘጻጺራቶ ዝነበረት ምዕራባዊ ገማግም (ዌስት ባንክ) ህላዌኣ እናዓበየ ከደ ።

እቲ ምስ ፍልስጤማውያን ዝግበር ዝነበረ ዝርርብ፡ መብዛሕትኡ ድሕሪ ጎንጽን ተዅስን ዘጋጥም ጥራሕ ኮነ።

በንያሚን ናታንያሁ ንደገፍቲ ሰልፊ ሊኵድ መደረ እናስምዐ 11 ለካቲት 2009

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, በንያሚን ናታንያሁ፡ ሰልፊ ሊኪድ ኣብ 2009 ኣብ እተገብረ ሓፈሻዊ ምርጫ ካልኣይ ደረጃ ምስሓዘት ናብ ስልጣን ተመሊሱ

ኔታንያሁ ነቲ ዘይተፈትሐ ግጭት ከም ናይ ጸጥታ ጕዳይ ገይሩ ክርእዮ ጀሚሩ። እቶም ደገፍቱ ከኣ ናይ ሰላም መሻርኽቲ ከምዘይረኸቡ ይምጉቱ።

ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ኣብ መንጎ እስራኤልን ተቓወምትን ቀጻሊ ቀታሊ ውግእ ኰነ ። ኣብ 2014፡ ፍልስጤማውያን ተቓወምቲ ናብ ደቡባዊ እስራኤል ሮኬት ንከይውንጭፉ ንምዕጋት ኣብ እተገብረ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ብዙሓት ፍልስጤማውያን ስለዝተቐትሉ ሓያል ኣህጉራዊ ነቐፌታ ስዒቡ።

እዚ ከኣ፡ ምስቲ ምስ ኢራን ዝርርብ ክካየድ ዝወሰነ ምምሕዳር ኦባማ ውጥረት ፈጠረ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ እተገብረ ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንንጥፈታት ዩራንየም ኢራን ዝውክል ቦምብ ከም እተጻወደ ብቐይሕ መስመር ዘርኢ ስእላዊ ጽሑፍ፡ ከም እተዘርግሐ ሓቢሩ።

ኣብ 2012 ሚስተር ናታንያሁ ንሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኑክልየሳዊ መደባት ኢራን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታት ከምዘሎ ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2012 ሚስተር ናታንያሁ ንሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኑክልየሳዊ መደባት ኢራን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታት ከምዘሎ ኣጠንቂቑ

ኣብ መጀመርታ 2015 ፡ ኣመሪካ ንኑክልየሳዊ ጥሙሕ ኢራን ንምዕጋት ዝርርብ ኣብ እተካይደሉ ዝነበረት እዋን፡ ሚስተር ናታንያሁ፡ ብቐጥታ ንኮንግረስ ኣመሪካ ንምዝራብ ብድሕሪት ብምኻድ ንፕረዚደንት [ኦባማ] ኣቘጥዖ ።

ነቶም ሓገግቲ ኣካላት፡ "[መደባት ኒክሌር ኢራን] ንእስራኤል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመላእ ዓለም ሓደጋ እዩ" ክብል ነጊሩዎም።

ምሕዝነትን ሽርክነትን ምስ ትራምፕ

ነዊሕ ኸይጸንሐ ግና፡ እቲ ምስ እስራኤል ዝነበረ ሓያል ርክብ ብሃንደበት ተቐይሩ።

ሚስተር ናታንያሁ፡ ንፕረዚደንት ትራምፕ፡ እስራኤል ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ "እቲ ዝዓበየ ፈታዊ" ኣለዋ ክብል ገሊጹዎ።

ኣመሪካ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ፖሊሲ ኣመሪካን ኣህጉራዊ ስምምዕን ብምፍራስ ንየሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ብምሃብ ኤምባሲኣ ካብ ቴልኣቪቭ ናብ'ቲ ቦታ ኣግዒዛቶ።

እቲ ውሳነ ነቶም ምብራቕ የሩሳሌም ከም ርእሲ ከተማ እቲ ተስፋ ዝግበሮ ግዝኣቶም ክትከውን ዝደልዩ ፍልስጤማውያን ኣቘጢዑዎም - ምስ ዋሽንግተን ዝነበሮም ርክብ ድማ ተበላሽዩ።

በንያሚን ናታንያሁ ምስ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታም ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፤ ዋይት ሃውስ 15 መስከረም 2020

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ፡ እስራኤል ምስ ኣርባዕተ ሃገራት ዓረብ ዝምድንኣ ንምምሕያሽ ከም ኣራኻብን መንጎኛን ኮይኑ ሰሪሑ

ኣመሪካውያን ካብ ኑክሌሳዊ ስምምዕ 2015 ኢራን ምስ ሰሓቡ ሚስተር ናታንያሁ ሓጎሱ ደረት ኣይነበሮን።

እቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ትልሚ ሰላም ትራምፕ፡ ንእስራኤልን ፍልስጤማውያንን ከምቲ ትጽቢት ዝተግበረሉ ክዓርቕ ኣይከኣለን - ፈጺሙ እውን ኣይተተግበረን ።

ሚስተር ናታንያሁ፡ ነቲ ዝምድና እስራኤል፡ ምስ ሃገራት ዓረብ፡ ማለት ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ፡ ባሕሬን፡ ሱዳንን ሞሮኮን ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ዝተገብረ ታሪኻዊ ዲፕሎማስያዊ ምዕባለታት ከም ናይ ገዛእ ርእሱ ጻዕርን ስራሕን ኣፍልጦ ወሲዱሉ።

ፍርዲ ብልሽውና

ሚስተር ናታንያሁ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ዕዉት እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ቤቱ ግን ጸገማት ከጋጥሞ ጀመረ ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ካብ ነጋዶ ከም ጉቦ ብዙሕ ህያባት ተቐቢልካ፡ ዝያዳ ኣወንታዊ ሸፈነ ማዕከናት ዜና ንምርካብ ሓለፋታት ሂብካ ዝብል ክሲ ተመስሪትሉ ብፖሊስ መርመራ ይካየደሉ ኣሎ። እንተኾነ ነቲ ዝቐረበሉ ክስታት "ፖለቲካዊ ሃድን እዩ" ኢሉ ብምንጻግ ኣብ ቤት ፍርዲ ይከራኸር ኣሎ ።

ተቓወምቲ ናታንያሁ፡ ናይ እስራኤል ባንዴራ ብምንብልባል ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝቐረበሉ ክሲ ብልሽውና ቅድሚ ምጅማሩ "ሚኒስተር ገበን" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ፖስተራት ሒዞም ተቓዊሞም።

ተቓወምቲ ቤንጃሚን ነታንያሁ ብብልሽውና ተኸሲሱ ናብ ፍርዲ ብምቕራቡ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቶም (24 ግንቦት 2020)

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ተቓወምቲ ቤንጃሚን ነታንያሁ ብብልሽውና ተኸሲሱ ናብ ፍርዲ ብምቕራቡ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቶም

እስራኤል ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብፖለቲካ ትሕመስ ኣላ። ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ቤትፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፡ ክልተ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተኻይዱ።

ኣብቲ ኣንጻር ነታንያሁ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ኑሪት ጊል፡ "ናታንያሁ፡ ካብ ፍትሒ ንኸምልጥ ኩሉ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ። ካብ ፍትሒ ንኸምልጥ ጥራይ ን9 ሚልዮን ዜጋታት ዓይኖም ከዕውሮም እዩ" ኢላ ።

ንነታንያሁ ዝድግፍ ዝነበረ ሾሻና ኢዲስስ ከኣ፡ "መንግስታዊ ዕልዋ እዮም ክገብሩ ዝፍትኑ ዘለው። ናታንያሁ ሓያል መራሒ ከም ዝዀነ ኢና ንኣምን። ንሱ ፍጹም ኣይኮነን፡ ግን ከኣ ዝኾነ ጌጋ ኣይገበረን" ትብል ።

ንብዙሓት እስራኤላውያን፡ እቲ ነዊሕ ዝቐጸለ ሕጋዊ መስርሕ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ኣርባዕተ ሳዕ ምርጫ ከምዝካየድ ብምግባር ነቲ ኣብ መንጎኦም ንዝነበረ ፖለቲካዊ ክትዕ ኣጋዲዱዎ እዩ።

ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እስራኤል ዝካፈል ታል ሽናይደር "እዛ ሃገር ኣብ 1948 ካብ እትምስረት ኣትሒዛ ከምዚ ዓይነት ጽሉል ተመክሮ ኣሕሊፍና ኣይንፈልጥን ኢና" ክብል ተዛሪቡ።

"እቲ መስርሕ ኣዝዩ ኣድካምን ኣጸጋምን እዩ። ዝሰርሕ መንግስቲ እንተ ዘይብልካ ፡ ባጀትን ምሉእ ናይ ስራሕ ኣገልግሎትን ክህልወካ ኣይክእልን እዩ" ከኣ ይብል።

ሓድነት ተጻረርቲ

ነቲ ሓድሽን ተነቃፍን ሓድነት ዘለዎ መንግስቲ ዝተቐበለ፡ መተካእታ ናታንያሁ፡ ናፍታሊ በነት፡ ከምቲ እተመባጽዖ፡ ንእስራኤል ናብቲ ዝነበረቶ መስመር ክመልሳ ዝኽእል እንተ ኰይኑ ብሕጂ ክረአ እዩ።

ካብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ዝመጹኡ ሰልፍታት ነቲ ናታንያሁ ዝፈጠሮ ናይ ምፍልላይ ጽላሎት ንምውጋድ ተኣኪቦም ኣለው። ይኹን እምበር፡ ኣብ መንጉኦም ዓሚቝ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ስለ ዘለዎም፡ ኣብቲ በዳህን ተኣፈፍቲ ፖሊሲታት ክሰማምዑ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ክረአ እዩ።

ናፍታሊ ቤነት ምስ ቤንያሚን ነታንያሁ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ናፍታሊ በነት ኣብ ሓደ እዋን ከም ተቓዋሚ ሚስተር ነታንያሁ ይርአ ነይሩ

ወዲ 71 ዓመት ሚስተር ናታንያሁ፡ መራሒ እቲ ርብዒ መንበር ፓርላማ ዝቈጻጸር ሰልፊ ሊኩድ ኰይኑ ክቕጽል መደብ ከም ዘለዎ ሓቢሩ ኣሎ።

ከም ሓደ ውህሉል ፖለቲካዊ ስትራተጂ ዘለዎ ሰብ ንድኽመት እቲ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምዝምዞ ይኽእል እዩ ።

ድሮ ነቲ ሓደ እዋን ሓለቓ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ዝነበረ ሚስተር በነት፡ "ናይ ዘበን መታለሊ" ኢሉ ብምኽሳስ፡ ጸጋማዊ ክንፊ ዘለዎ መንግስቲ ንምፍጣር ብምፍታኑ ኸቈናጽቦ ፈቲኑ።

እቲ ናይ ቀደም ንጉስ ዳግም ኣኽሊል ንኪደፍእ ተስፋ ኣይቈረጸን።