ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ስልጣኑ በቲ ሓድሽ መንግስቲ ክስእን’ዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እስራኤል ምቛም ሓድሽ መንግስቲ ናይታ ሃገር ከጽድቕ’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር። በዚ ድማ ፖለቲካዊ ስልጣን ን12 ዓመታት ዝመርሐ ምምሕዳር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ከብቅዕ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበረሉ።
ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ’ዩ’ ዝተብሃለሉ ናይ ዝተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካ ጥምረት ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ሓድሽ ዝቐውም መንግስቲ እስራኤል ናይ ሓደ ወንበር ብልጫ ከምዘለዎ ተገሊጹ።
እቲ ኩነት ኣብታ ሃገር ሰለስተ ግዜ መረጻ ዝተኻየደሉን ንኣስታት ክልተ ዓመታት እንዳተንከባለለ ዝመጽአ ፖለቲካዊ ቅልውላዋትን መዕለቢ ክረክብ’ዩ ተባሂሉ ይግመት።
ኣብ የማናይ ክንፊ ብሄርተኛ ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ናፍታሊ ቤኔት፡ ብመሰረት ምስ ካልኦት ዝኣተዎ ስምምዕ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ክኸውን’ዩ።
መራሒ ውድብ ያሚና ዝኾነ ቤኔት፡ ክሳብ ወርሒ መስከረም 2023 ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ክመርሕ ዝተሰማምዐ ኮይኑ ካብኡ ንድሓር ንዘሎ ናይ ክልተ ዓመት ፖለቲካዊ ስልጣን እታ ሃገር ድማ ንመራሒ ውድብ 'የሽ ኣቲድ' ዝኾነ የር ላፒድ ከምዘረክቦ ተገሊጹ’ሎ።
ሚስተር ላፒድ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንፕረዚደንት ሩቨን ሪቭሊን ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ከም ዝሓበሮን "እቲ መንግስቲ ንዝመረጽዎ ኾነ ንዘይመረጽዎ፡ ኹሎም እስራኤላውያን ከገልግል ምዃኑ ቃል እኣቱ" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ "ንኹሎም ተቓወምቲ ከኽብርን ንኹሉ ወገናት ማሕበረሰብ እስራኤል ናብ ሓድነት ንምምጻእ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብርን እዩ" ኢሉ።
ኣብ ታሪኽ እስራኤል ንነዊሕ ግዜ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐን ንዓመታት ፖለቲካዊ ስልጣን ናይታ ሃገር ከምዝበሓተ ዝዝረበሉ ቤንጃሚን ኔታናሁ፡ መራሒ ተቓዋሞ ውድብ ፖለቲካ ሊኩድ ኮይኑ ክቕጽል ትጽቢት ይግበረሉ።
ኔታናሁ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም’ዩ ዝተብሃለሉ ናይ ውድባት ፖለቲካ ውህደት “ሓደገኛ ናይ ምጭብርባርን ተንበርካኽነትን ውህደት” ክብል ዝገለጾ ኮይኑ ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ ስልጣኑ ክኣልዮ ምዃኑ ተዛሪቡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ቤት ፍርዲ ብገንዘብ ምጥፍፋእን እምነት ምጉዳልን ዝቐረበሉ ክሲ ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ንሱ ግን ነቶም ዝቐረበሉ ክስታት ከምዘይወዓሎም’ዩ ዝገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







