ተቓወምቲ ውድባት እስራኤል ብሓባር ሓድሽ መንግስቲ ክምስርቱ ተሰማሚዖም

ናፍታሊ ቤነት

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ናፍታሊ ቤነት ክሳዕ ነሓሰ 2023 መዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ክሕዝ እዩ

ተቓወምቲ ውድባት እስራኤል ነቲ ን12 ዓመታት ዝጸንሐ መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ኔታንያሁ ዘብቅዕ ሓድሽ መንግስቲ ክምስርቱ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

መራሒ ናይቲ ማእከላይ መርገጺ ዘለዎ ሰልፊ የሽ ኣቲድ ዝኾነ ያኢር ላፒድ፡ ሸሞንተ ውድባት ልፍንቲ ምምስራቶም ገሊጹ።

መራሒ የማናዊ ክንፊ ሰልፊ ያሚና፡ ናፍታሊ ቤነት ፈለማ ንመዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርከብ ኮይኑ ብድሕሪኡ ንሚስተር ላፒድ ከረክብ ምዃኑ እቲ ስምምዕ የረድእ።

እቲ መንግስቲ ስልጣን ቅድሚ ምርካቡ ግና ፓርላማ ከጽድቖ ትጽቢት ይግበር።

ሚስተር ላፒድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንፕረዚደንት ሩቨን ሪቭሊን ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ከም ዝሓበሮን "እቲ መንግስቲ ንዝመረጽዎ ኾነ ንዘይመረጽዎ፡ ኹሎም እስራኤላውያን ከገልግል ምዃኑ ቃል እኣቱ" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ "ንኹሎም ተቓወምቲ ከኽብርን ንኹሉ ወገናት ማሕበረሰብ እስራኤል ናብ ሓድነት ንምምጻእ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብርን እዩ" ኢሉ።

ኣብቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እስራኤል ተዘርጊሑ ዘሎ ስእልታት ሚስተር ላፒድ፡ ሚስተር ቤነትን ናይ ኣዕራብ እስላማዊ ሰልፊ ራብ መራሒ መንሱር ኣባስን ነቲ ብዙሓት ክኸውን ዘይኽእል እዩ ዝበልዎ፡ ስምምዕ እናኸተምሉ የርእይ።

ሚስተር ኣባስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "እቲ ውሳነ ከቢድ እዩ ነይሩ፤ ብዙሕ ክትዓት እውን ነይሩ፤ ኣብ ስምምዕ ምብጻሕና ግና ኣገዳሲ እዩ" ድሕሪ ምባል "ኣብዚ ስምምዕ ንማሕበረሰብ ዓረብ ዘርብሕ ብዙሕ ነገራት ኣለዎ" ኢሉ።

ሚስተር ላፒድ ንፕረዚዲንት ሩቨን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣብ ጎድኒ'ቲ 27 ነሓሰ 2023 ስልጣን ዘረክቦ ሚስተር ቤነት ብምዃን ነቲ መንግስቲ ክመርሕ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ፕረዚደንት ሩቨን ፓርላማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ተኣኪቡ ናይ እምነት ድምጺ ክህብ ጸዊዑ ኣሎ።

እቲ ልፍንቲ ኣብቲ ፓርላማ እኹል ድምጺ እንተዘይረኺቡ፡ እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንሓምሻይ ግዘ ምርጫ ክተካይድ ክትግደድ እያ።

እቶም ልፍንቲ መስሪቶም ዘለው ሰልፍታት ኣብ ብዙሕ መዳያት ዝተፈላለየ መርገጺ ዘለዎም እዮም።

line