መሓመድ ደይፍ: ኣብ ዓይኒ እስኤል ዝኣተወ ሓደ ዓይኑ ሓላፊ ጉጅለ ሓማስ
![መሓመድ ደይፍ [ፋይል]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/AE0E/production/_118685544_023461424-1.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, AFP
ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ሓደ ፍሉጥ ተዋጋኣይ ፍልስጥኤም ብዝተቐድሐ ድምጹ፡ ንእስራኤል መጠንቀቕታ ሂቡ ነይሩ።
እቲ መጠንቀቕታ፡ እስራኤል ንጠለባት ናይቲ 'ወሽመጥ ጋዛ ' ዝመርሕ ጉጅለ ሓማስ ዘይተማልእ እንተኾይና ከቢድ ዋጋ ከምዘኽፍላ ዘፈራርሕ እዩ።
እቲ ድምጺ፡ መራሒ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ናይ ዝኾነ መሓመድ ደይፍ ምዃኑ ይግለጽ።
እዚ ብእስራኤል ኣዝዩ ዝድለን ስውሩን መራሒ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ሕዚ ድምጹ ከስምዕ ንፈለማ እዋን እዩ።
እንተኾነ፡ ናቱ ድምጹ ምስ ተሰምዐ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ እቲ 11 መዓልታት ዝወሰደ ጎንጺ ተወሊዑ።
ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ኣብቲ ካብ ግንቦት 10-21 ዝጸንሐ ጎንጺ ብውሕዱ 242 ሰባት ካብ ጋዛ፤ 13 ድማ ካብ እስራኤል ተቐቲሎም።
እቲ ውድብ፡ ካብ መንጎኦም እቶም 129 ሰላማዊ ሰባት ምዃኖም እንትገልጽ፡ እስራኤል ብወገና 200 ዕጡቓት ከምዝኾኑ እያ ትገልጽ።
መራሒ ሓማስ ድማ፡ 80 ጥራይ ዕጡቓት ከምዝኾኑ ተዛሪቡ።
ደይፍ፡ ኣብ'ቲ ግንባር ውግእ እንተነበረ'ኳ፡ ካብ መንጎ እቶም ዝተቐትሉ ግና ኣይኮነን።
ኒውዮርክ ታይምስ ከምዝበሎ፡ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ሒዳይ ዚልበርማን፡ "ኣብ ኩሉ ስርሒታትና መሓመድ ደይፍ ምቕንጻል ዝብል ዓላማ ነይሩ" ኢሉ።
ሓደ ሓላፊ ንቢቢሲ ከምዘረጋገጾ፡ ኣብዚ ናይ ሕዚ ውግእ፡ ብውሕዱ ክልተ ግዜ ናይ ቅትለት ፈተና ዝተሞከሮ ኾይኑ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ደይፍ ሸውዓተ ተረርቲ ፈተነታት ቅትለት እስራኤል ከፍሽል ክኢሉ ኣሎ።
እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ድሙን ኣንጭዋን ጸወታ፡ ንሰራዊት እስራኤል ዘድከመ ይመስል።
ተንታኒ ፖለቲካ ማእኸላይ ምብራቕ ማቴው ሌቪት ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ "ኣብ ሓማስ ፍሉይ ቦታ ኣለዎም ዝብልዎም ኣብ ኢዶም ዝርዝር ሒዞም ነይሮም እዮም። ካብኣቶም ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ዝርከብ ድማ መሓመድ ደይፍ ነይሩ" ኢሉ።
'ጋሻ ጋዛ ስትሪፕ'
ኣብዝሓ ብዛዕባ ደይፍ ዝፍለጥ፡ ካብ ጸብጻብ ሚድያታት እስራኤልን ፍልስጤምን እዩ።
ደይፍ ኣብ ጋዛ ዝርከብ ኻን ዩኒስ ኣብ ዝተብሃለ ወተሃደራዊ መዓስክር ብ1965 እዩ ተወሊዱ፤ እዋኑ ድማ፡ ግብጺ ነቲ ከባቢ ኣብ ቁጽጽራ ኣብ ዘውዐለትሉ ነበረ።
ናይ መጀመርታ መጸውዒ ስሙ፡ መሓመድ ዲያብ ኢብራሂም ኣል-ማስሪ ዝብል እዩ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ናይ ብቖልዕኡ ናይ ዘላን ህይወቱ ብምጥቃም፡ ንዒላማታት ሓይሊ ኣየር እስራኤል ዘይብዳህ ሰብ ምስ ምዃኑ፡ ብዓረብኛ ጋሻ ዝብል ትርጉም ዘለዎ 'ደይፍ' እናተብሃለ ክጽዋዕ ጀሚሩ።
ብዛዕባ አተዓባብይኡ ግን ኣብ'ቲ ብጎንጺ ዝሕመስ ከባቢ ወሽመጥ ጋዛ ካብ ምዕባዩ ወጻኢ: ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሓማስ ኣብ 1980 ታት እንትምስረት መንእሰይ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዘርአዮ ሓያል ተጋድሎ፡ ኣብ ወተሃደራዊ እዚ ሓማስ፡ ቀልጢፉ ንላዕሊ ተሰቒሉ።
ኣማኻሪ ኣንጻር-ሽብር ዝኾነ ኣመሪካዊ ሌቪት፡ ከምዝብሎ፡ ደይፍ ምስ ካልኦት ፍሉጣት ተዋጋእቲ ሓማስ ፍሉይ ርክብ ከምዝለዎ'ውን ይዛረብ።
ንኣብነት፡ ምስ በዓል 'ዘ ኢንጂነር' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ሰራሒ ቦምባ 'ያሕያ ኣያሽ' መቕርቡ እዩ።
ኣያሽ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲታት ብምውዳድ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ 1996 ብሓይልታት እስራኤል ተቐንጺሉ።
ደይፍ ድማ፡ ኣብ ሕነ ምፍዳይ ናይ ብጻዩ ዝተዋፈረ ተባሂሉ በቶም ድሒሮም ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ዝኽሰስ እዩ።
ካብኡ ድማ ስሙ እናገነነ መጺኡ፤ ኣብ 2002 መራሒ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ክኸውን በቒዑ።
'ቀሳማ' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ናይ ሐማስ ሮኬት ከምዝኾነ ዝንገረሉ ኣብ ምቅናዕን ነቲ ብትሕቲ መሬት ተዃዒቱ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝውዕሉ ጎዳጉዲን መትረባትን ኣብ ምስራሕን ምትላምን ከምዝውዕል እዩ ዝንገረሉ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ'ዞም ጎዳጉዲ ኾይኑ ስርሑ ብምስላጥ ካብ ዓይኒ ሰብተኸዊሉ ከምዝውዕል ድማ ይዝረብ።
'ትሸዓተ ህይወት ዘለዋ ድሙ'
ንደይፍ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ዒላማ ሓይልታት እስራኤል ምዃን ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ እዩ።
ኣብ 2000ታት፡ ካብ ኣርባዕተ ፈተነ ቅትለት ከምዘምለጠ ይዝረብ። ሓደ ሓደ እዋን ድማ ቆሲሉ እዩ ብህይወት ተሪፉ።
ኣብ ገለ እቶም እዋናት'ቶም መጥቃዕቲታት፡ ሓደ ዓይኑን ሓደ ኢዱን ከምዝሰኣነ ይዝረብ።
ሓደ ብጥሮታ ዝወጽአ እስራኤላዊ ጀነራል ከምዝበሎ፡ "ሰባት ድሕሪ እቲ ዝበጽሖ መጥቃዕቲ ክሰርሕ እዩ ኢሎም ኣይተጸበዩዎን። ይኹን'ምበር፡ ደይፍ ዓይኑ ስኢኑ 'ምበር ስርሑ ካብ ምስራሕ ዓዲ ኣይወዓለን" ኢሉ ንቢቢሲ።
ካብ እስራኤል ተደጋጋሚ ፈተነ ቕትለት ዘምለጠ ሰብ ከም ምዃኑ ድማ፡ ጸላእቱ 'ሸውዓተ ህይወት ዘለዎ ድሙ' ዝብል ሳጓ ኣጥቢቖምሉ።
ኣብ 2014 ካልእ ፈተነ ኣካይዶም፡ ገዝኡ እንተደብደቡ'ኳ፡ በዓልቲ ገዝኡን ወዱን ካብ ምቕታል ሓሊፎም ንዕኡ ኣይረኸብዎን።
እስራኤላውያን ግን ቀቲልናዮ ኢሎም ኣሚኖም ነይሮም።
ንእሽቶ ጸኒሑ ግና፡ ደይፍ ኣብ ስርሑ ከምዘሎን ወተሃደራዊ ስርሒታት ይመርሕ ከምዝነበረን ተፈሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስጢር ካብቲ ዝተፈላለየ ዒላማታት ንምምላጡ ድማ፡ ኣብዝሐ ግዜ ከም ቴሌፎንን ኮምፒተርን ዝኣመሰሉ ዘበናዊ መራኸቢታት ዘይምጥቃሙ ከምዝኾነ ሰብ ሞያ ጸጥታ ይዛረቡ።
እቶም ብሓማስ ዝኳዓቱ ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ [መትረባት]፣ ግዜ ዝሓለፎ ስለያን ካልኦትን ድማ ከም ተወሳኺ ምክንያት ይጥቀሱ።
ፍሉይን በሊሕን ሰብ
ደይፍ ካብቶም ሒደት ቀዳሞትን ጀመርቲ እቲ ገድሊ ብምኳኑ ንእስራኤል ድቃስ ዝህባ ኣይኮነን፤ ናቱ ምጥፋእ ዓብዪ ዛዕባ እዩ።
ጽኑዕን ተሪርን ተቓላሳይ ምዃኑ እዩ ዝዝረበሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እንተኾነ፡ ኩሉ ግዜ ስውር እዩ። ብዛዕባኡ፡ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን።
ዋላ ኣብ ጎደናታት ጋዛ እንተትዛውን፡ ሒደት ሰባት እዮም ክፈልዩዎ ዝኽእሉ።
ብዛዕባ ወተሃደራዊ ክእለቱ'ውን ዝፈልጡ ሒደት እዮም።
ይኹን'ምበር፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኸስተ ጎንጺ ስዒቡ፤ ዋላ'ውን እቲ ተኹሲ ምሰተቛረጸ፡ 'ደይፍ፡ ብደምናን ዓጽምናን ክንሕልወካ ኢና' እናበሉ ዝጭርሑ ሰባት ነይሮም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







