ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ልፍንታዊ መንግስቲ ምጥያስ 'ንድሕነት እስራኤል' ሓደጋ ከምዝኾነ ኣጠንቂቑ
![ቤንጃሚን ኔታንያሁ [ጸጋም]ን መራሒ ሕሉፍ ብሄርተኛ ናፍታሊ ቤነትን። 30 ግንቦት 2021](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/3343/production/_118732131_netanyahu_bennett.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቀዳማይ ሚንስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ እቲ ኣብ እስራኤል ሓድሽ ልፍንታዊ መንግስቲ ንምምስራት ተታሒዙ ዘሎ ውጥን “ሓደጋ ድሕነት” እታ ሃገር ክኸውን ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ንሱ የማናይ ክንፊ ፖለቲከኛታት ነቲ ስምምዕ ከይቕበሉ ዝሓተተ፡ መራሒ ሕሉፍ ብሄርተኛ ናፍታሊ ቤነት ምስ መሪሕነት ሰልፊ ማእኸል [ማእኸላይ መርገጺ ዘለዎ] ያሪ ላፒድ ንምዝርራብ ድልው ምዃኑ ምስ ኣፍለጠ’ዩ።
ላፒድ ክሳብ ረቡዕ ሓድሽ ልፍንቲ መንግስቲ ክምስርት ትጽቢት ይግበር።
እዚ ዕውት ክኸውን እንተኺኢሉ ድማ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ነዊሕ ዓመታት ንእስራኤል ብቐዳማይ ሚንስትርነት ዝመርሐ ፖለቲከኛ ናይ ምዃን ጉዕዝኡ ከምዝገትእ ይግለጽ።
ብብልሽውና ተጠርጢሩ ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝረኣይ ዘሎ ኔታንያሁ ኣብ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ ወሳንነት ዘለዎ ዕብለላ ከምዝሰኣነ ይዝከር።
“ጸጋማይ ክንፊ መንግስቲ ኣይተቑሙ፤ ከምዚ ዝበለ መንግስቲ ንድሕነትን መጻእን እስራኤል ሓደጋ እዩ” ክብል ተዛሪቡ ን12 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ወዲ 71 ዓመት ኔታንያሁ።
ትማሊ ሰንበት ነዚ መጠንቀቕታ ክህብ ከሎ ግን ዋላ ሓደ መብርሂ ዘይሃበ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ንሕሉፍ ብሄርተኛ ዝመርሕ ቤነት “ንህዝቢ የደናግር ኣሎ” ክብል ከሲሱ።
ወዲ 49 ዓመት ቤነት ብቴሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ውድቡ [ሰልፉ] ኣብ ምምስራት ልፍንቲ መንግስቲ ንምዝርራብ ደልው ከምዝኾነ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኔታንያሁ ካብ ሎሚ ንደሓር የማናይ ክንፊ መንግስቲ ናይ ምትካል ዕድል ከምዘይህልዎ ዝሓበረ ቤነት “ንምልእታ እታ ሃገር ብውልቃዊ መትከሉ ክገዝኣ ድልየት ኣለዎ” ክብል ገሊጹ።
“ምስ መሓዛይ ያሪ ላፒድ ብምዃን ሃገራዊ ሓድነታዊ መንግስቲ ንምምስራት ኩሉ ዘድልይ ዘበለ ክፍትጽም’የ” ክብል ድማ ተሪር መርገጺኡ ኣፍሊጡ።
እዚ ወግዓዊ ቅድሚ ምዃኑ ከኣ ብመሰረት እቲ ሓድሽ ስምምዕ፡ ቤነት ንቤንጃሚን ኔታንያሁ ተኪኡ ቀዳማይ ሚንስትር ከምዝኸውንን ድሕሪ ጊዜ ወዲ 57 ዓመት ላፒድ ከምዝትክኦን ብውጥን ከምዝተትሓዘ ማዕኸናት ዜና እስራኤል ኣቃሊሔን ነይረን። እንተኾነ እዚ ስልጣን በቢተራ ናይ ምሓዝ ስምምዕ ከምዘሎ ብኻልእ መገዲ ኣይተረጋገጸን።
ሓድሽ ልፍንቲ መንግስቲ እስራኤል ነቶም ኣብ የማናይ፣ ጸጋምን ማእኸልን ክንፍታት ዘለዉ ሓይልታት ናብ ሓደ ከምዘምጽእ’ዩ ዝግለጽ። ኣብ ፖለቲካዊ መርገጺታት ብዙሕ ዘቀራርብ ነገር’ኳ እንተዘይሃለዎም ኔታንያሁ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ ዕድመ ንምሕጻር ግን ሓቢሮም ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኔታንያሁ ልፍንቲ መንግስቲ ንኽምስርት ንዝቐረበ ሓሳብ ግብራዊ ከይገበረ ብምትራፉ፤ ላፒድ ንኸፈጽሞ ክሳብ 2 ሰነ 2021 ዕድል ተዋሂብዎ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







