ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን 6 ትሪሊዮን ዶላር ዓመታዊ ባጀት ኣቕሪቡ

ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፋልማይ ዓመታዊ ባጀት መንግስቲ ናይታ ሃገር 6 ትሪሊዮን ዶላር ክኸውን ኣቕሪቡ።

እቲ ውጥን ንሃብታማት ኣመሪካ ግብሪ ከወስኽ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

እቲ ብርኩት ከም ዝኾነ ዝዝረበሉ ዘሎ ባጀት ኣመሪካ ሓደሽቲ ማሕበራዊ መደባት ዘካተተን ንኣንጻር ቃልሲ ክሊሚያዊ ለወጢ ከም ዝውዕልን ተፈሊጡ።

እንተኾነ ብጆ ባይደን ዝቐረበ ውጥን ባጀት ብላዕለዋይ ባይቶ እታ ሃገር ክጸድቕ ኣለዎ።

ኣባል ሪፓብሊካን ዝኾነ ሴናተር ሊንድሰይ ግርሃም ነቲ በጀት “ኣዝዩ ክቡር” ክብል ተቓዊምዎ’ሎ።

ብመሰረት እቲ ውጥን ዕዳ ካብ ሓፈሻዊ ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ እታ ሃገር ኣብ 2031 117 ምኢታዊት ክበጽሕ ይኽእል እዩ።

እዚ ድማ ዚያዳ ኣብ ግዜ ካልኣይ ኵናት ዓለም በጺሕዎ ካብ ዝነበረ እዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ናይ መወዳእታ ዓመታዊ በጀቱ 4.8 ትርልዮን ዶላር እዩ ጸዲቁሉ ነይሩ።

ኣብቲ ናይ ጆ ባይደን ሓድሽ ባጀት፡ 1.5 ትርሊዮን ዶላር ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት መንግስታዊ ክፍልታትን ወጻኢ ተሓቲቱ’ሎ።

እቲ በጀት ክልተ ኣቐዲሙ ብዕሊ ናይ ዘፍለጦም መደባት’ውን ዝሓዘ ኮይኑ፡ 2.3 ትርሊዮን ዶላር ንስራሕ ፈጠራን 1.8 ትርልዮን ዶላር ከኣ ንስድራቤታዊ ወጻእታት ክኸውን’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ወኪል ዴሞክራት ዝኾነ ጆ ባይደን ብላዕለዋይ ባይቶ ንኽጸድቀሉ ዘቕረቦ ዓመታዊ ባጀት ኣመሪካ “ኣብ ውሽጢ ኣመሪካውያን ፈሰስ ዝግበርን ቁጠባ እታ ሃገር ከመሓይሽ ዝኽእልን’ዩ” ኢልዎ።

እቲ ውጥን እንታይ እዩ ሒዙ?

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ‘ዋይት ሃውስ’ እቲ ውጥን ንኣብ ታሕተዋይን ማእኸላዋይን ብርኪ ዝርከቡ ክፋል ማሕበረሰብ ዘዕቢ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ’ሎ።

በዚ መሰረት፥

  • ልዕሊ 800 ቢልዮን ዶላር ኣንጻር ክሊሚያዊ ለውጢ ንዝግበር ቃልስን ኣብ ተሓደስቲ ሓይልታት ዝውዕል
  • 200 ቢልዮን ዶላር ንደቂ ሰለስተን ኣርባዕተን ዝዕድምኦም ዕሸላት ናጻ ዕድል ትምህርቲ
  • 109 ቢልዮን ዶላር ንኩሉ ኣመሪካዊ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሕ ናጻ ማሕበረሰባዊ ኮሌጅ
  • 225 ቢልዮን ዶላር ንስድራቤታውን ሕክምናውን ሃገራዊ ክፍሊት
  • 115 ቢልዮን ዶላር ንስራሕቲ ጽርግያን ቢንቶን ከምኡ’ውን 160 ቢልዮን ዶላር ንስራሕቲ ባቡርን ህዝባዊ መጓዓዝያን
  • 100 ቢልዮን ዶላር ንነፍሲ ወከፍ ኣመሪካዊ ስድራ መመሓየሺ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከም ዝውዕል ተገሊጹ ኣሎ።