ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን ብትራምፕ ጸዲቖም ዝነበሩ ገለ ሕግታት ኣልይዎም

ዶናልድ ትራመፕ ሓወልቲ ዘውደቁ ክቅጽዑ ዝብል ሕጊ ኣጽዱቑ ነይሩ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዘበነ ስልጣን ዶናልድ ትራምፕ ሕጊ ኮይኖም ጸዲቖም ዝነበሩ ገለ ኣዋጃት ሰሪዝዎም፡ ካብኣቶም ሓደ ሓወልቲ ኣብ ልዕሊ ዘዕንዉ ሰባት ዝቐጽዕ ኣዋጅ ይርከቦም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ማሕበራዊ ፍትሒ ዝጠለቡ ተቓወምቲ ሓወልትታት ከፍርሱ ምስጀመሩ ኣብ ልዕሊ ነቶም ሓወልቲ ዘዕንዉ ሰባት ዝቐጽዕ ኣዋጅ ኣጽዲቑ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ግን እዚ ኣዋጅ ብምምሕዳር ጆ ባይደን ከምዝእለ ኮይኑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን 'ጀጋኑ ኣመሪካውያን' ብቕርጻ ቅርጺ ዝተመላኽዐ ሓወልቲ ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ክስርሓሎም ዝብል ውጥን ዶናልድ ትራምፕ ዝሰረዘ ኮይኑ ኣብ ናይ ጥዕና ወጻእታቶም ክሽፍኑ ዘይኽእሉ ደስተኛታት ናብ ኣመሪካ ንኸይኣትዉ ዝኽልክል ኣዋጅ'ውን ብተመሳሳሊ ሰሪዝዎ'ሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ 2020 መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ሓወልትታት ዘፍርሱን ዘዕንዉን ሰባት ሕጋዊ ስጉምቲ ንኽወስድ ትእዛዝ ድሕሪ ምሃቡ እቲ ዛዕባ ዋላ ኣብቲ ንዕኡ ዝድግፍ ሰልፊ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ እዩ።

ትራምፕ ነቲ ኣዋጅ ከጽድቕ ዝኸኣለ፡ ጆርጅ ፍሎይድ ብፖሊስ ኣመሪካ ብምቕታሉ ስዒቡ ዝተቖጥዑ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ደገፍቲ ባርነትን ጊልያነትን ኮይኖም ግን ድማ ወሓልቲ ደው ዝበለሎም ስሙያት ሰባት ከዕንውዎ ስለዝጀመሩ'ዩ ነይሩ።

ካልእ ብምምሕዳር ባይደን ዝተኣለየ ኣዋጅ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ፍሉይ ቦታ ንዘለዎም ሰባት ኣብ መናፈሻታት ብቅርጻ ቅርጺ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ደው ክብለሎም ዝብል ውጥን ሓሳብ ትራምፕ ኮይኑ ገሊኦም ብናይ ትራምፕ ድልየት ዝተመረጹ ውሩያት ኣመሪካውያን እዮም ነይሮም።

እቲ ፕሮጀክት ብኮንግረስ ዘይምወልን መስርሒ ቦታ'ውን ኣይተመረጸሉን ነይሩ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን "ናተይ ምሕደራ እንኮላይ ንስደተኛታት ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ጽሩይን ተበጻሓይን ንምግባር ክተግህ'ዩ" ድሕሪ ምባል ኣብ ግዜ ምሕደራ ዶናልድ ትራምፕ ጸዲቑ ዝነበረ ናይ ጥዕና ወጻእታቶም ክሽፍኑ ዘይኽእሉ ዜጋታት ደቂ ካልእ ሃገር ናብ ኣመሪካ ንኸይኣትዉ ዝኽልክል ኣዋጅ ደምሲስዎ'ሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ 'ምሚያ' ንኽግበር ዝእዝዝ ሕግን ኣብ ኩላቶም ናይ ኣመሪካ ትካላት ረድኤት "ጸጋታትን ልግስን ህዝቢ ኣመሪካ" ዘንጸባርቑ ኣርማ ክህልዎም ዘግብር ኣዋጅ'ውን ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ትማሊ ዓርቢ ተሳዒሮም ኣለዉ።