ወተሃደራት ኣመሪካን ኔቶን ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ ጀሚሮም

ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ሰራዊት ኣመሪካ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ሰራዊት ኣመሪካ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ክሳብ 11 መስከረም ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሎም ክወጽኡ ብዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት፡ እታ ሃገር ወተሃደራታ ብወግዒ ካብ ኣፍጋኒስታን ከተውጽእ ጀሚራ።

ወተሃደራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን (ኔቶ) ወተሃደራት ኣመሪካን ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣንጻር ጣሊባን ኵናተ ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ እዮም ክሳብ 11 መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ ጠቕሊሎም ክወጽኡ ወሲኖም ዘለዉ።

ሰበ-ስልጣን ኣፍጋኒስታን ግን ጣሊባን ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊት ኔቶን ኣመሪካን ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ከይወስድ ስግኣት ኣለዎም።

ሰራዊት ጣሊባን፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዓለምለኻውያን ሰራዊት ዕላማ ከይገብሩ ዝኣተውዎ ውዕል፡ ከምዘፍረስዎን ብእኡ ከምዘይቕየዱን ኣጠንቂቖም እዮም።

ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሞንጎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበረ ዶናልድ ትራምፕን ጣሊባንን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ዓለምለኻውያን ወተሃደራት 1 ግንቦት 2021 ጠቕሊሎም ክወጽኡ፡ ክሳብ ዝወጽኡ ከኣ ጣሊባን ኣብ ልዕሊኦም ዝኾነ መጥቓዕቲ ከይፍጽሙ እዮም ክታሞም ኣንቢሮም።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ እቲ ውዕል ኣብቲ ዝተብሃሎ መዓልቲ ክፍጸም ከምዘይክእል ኣቐዲሙ ሓቢሩ ነይሩ እዩ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ'ውን ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ምስቲ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ኣብ 11 መስከረም 2001 ኣልቃዒዳ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ንኽሳነ ብምባል፡ ሰራዊት ኣመሪካ 11 መስከረም 2021 ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቅሊሉ ከምዝወጽእ ኣፍሊጡ።

ክሳብ 1 ግንቦት ኣብ ዝነበረ ግዜ ሰራዊት ጣሊባን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከይፍጽሙ ክከላኸል ምጽንሑ ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ንሮይተርስ ሓቢሮም።

ውሃቢ ቃል ጣሊባን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ብመሰረት ውዕሉ ኣብ መዓልቱ ክወጽእ ዘይምኽኣሉ "ንዓና [ጣሊባን] ኣንጻር እቶም መሬትና ሒዞም ዘለዉ ሰራዊት ባዕዲ ተመጣጣኒ መልሰ መጥቓዕቲ ንኽንፍኑ ዕድል ዝፈጥር እዩ" ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ፡ ሰራዊት ጣሊባን መጥቃዕቲ ቅድሚ ምጅማሩ ካብ መራሕቱ ሓበሬታ ከምዝጽበ'ውን ኣተንቢሁ።

ገለ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ፡ ኣመሪካ ብምሰረት እቲ ዝኣተወቶ ውዕል ሰራዊታ ዘይምውጽኣ ጣሊባን መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክፍኑ ከምዘኽእል ይገልጹ።

ሰራዊት ኣመሪካ ንምንታይ'ዩ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ?

11 መስከረም 2001 ኣብ ኣመሪካ ብዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 3000 ሰለማውያን ሰባት ሞይቶም።

ላዕለዋይ መራሒ እስላማዊ ጉጅለ ዓልቓዒዳ ዝኾነ ዖሳማ ቢን ላደን ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከምዝወስደሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ፍጋኒስታን ዝርከብ ጣሊባን፡ ንቢን ላደን ንኣመሪካ ከረክቦ ዝቐረበሉ ጻውዒት ነጺግዎ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እታ ሰራዊት ጣሊባን ዝርከቡላ ኣፍጋኒስታን ደብዳብ ነፈርቲ ጀሚራ።

ካልኦት ሃገራት ኣብ ጎኒ ኣመሪካ ብምዃን ነቲ ኵናት ምስ ተጸንበረኦ ጣሊባን ቀልጢፉ ካብ ስልጣን ተኣልዩ።

እንተኾነ ጣሊባን ካብ ስልጣን ደኣ ተኣልዮም'ምብር ጠቅሊሎም ኣይጠፍኡን።

ኣመሪካን መላፍንታን፡ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ነቲ ብጣሊባን ዝወርዶ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ተጻዊሩ ከም መንግስቲ ደው ንኽብል ኣብ ጎኑ ተሰሊፈን ክሕግዝኦ ጸኒሐን።

ብዓርቢ ኣብ ዞባ ሎጋር ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ቦንባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣስታት 30 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ዝበዝሑ ተማሃሮ ዝርከብዎም ልዕሊ 110 ሰባት ቆሲሎም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብዓርቢ ኣብ ዞባ ሎጋር ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ቦንባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣስታት 30 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ዝበዝሑ ተማሃሮ ዝርከብዎም ልዕሊ 110 ሰባት ቆሲሎም።

እቲ ግጭት ግን ገና ይቕጽል'ዩ ዘሎ

ኣብ ሞንጎ ጣሊባንን መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ተበጺሑ ዝነበረ ውዕል ፈሪሱ ንሓድሕዶም ኣብ ዝጠቓቕዕሉ ዘለዉ እያ ኣመሪካ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ከተውጽእ ጀሚራ ዘላ።

ኣብ ዞባ ጋዝኒ ብለይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቁጽሮም ዘይተገለጸ ሰባት ንኽሞቱ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ብዓርቢ'ውን ኣብ ዞባ ሎጋር ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ቦንባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣስታት 30 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ዝበዝሑ ተማሃሮ ዝርከብዎም ልዕሊ 110 ሰባት ቆሲሎም።

ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ግሃኒ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ዝኾኑ ዓለወኛታት ክፍጸም ንዝኽእል መጥቃዕቲ ድሉው ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን፡ ጣሊባን ቃልሲ ንኽቅጽል ምኽንያት ዝኸልእ'ዩ ኢሉ።

"ንመን ኢኹም ክትቐትሉ? እንታይ ኢኹም ከተዕንዉ? ኣንጻር ሰራዊት ወጻኢ መጥቃዕቲ ንኽትፍጽሙ ምኽንያት ዝኾነኩም ዝነበረ ነገር ሕጂ ኣኽቲሙ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ካቡል ዝመደበራ ናይ ውልቂ መደበር ራድዩ እትሰርሕ መና ኖወሮዚ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል "ናብቲ ጸላም ዝኾነ እዋን ጣሊባን ከይንምለስ ኩሉ ስግኣት ኣለዎ" ኢላ።

ንሳ ብምስዓብ "ጣሊባን ከምቐደሞም እዮም ዘለዉ ኣይተቐየሩን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ብውሑዱ ንሓደ ክልተ ዓመት ክጸንሑ ነይርዎም" ኢላ።