ኢልሃም ዑመር ንኣመሪካን ንእስራኤል ምስ ግበረሽበራውያን ጉጅለታት ብማዕረ ኢኺ ትርእይዮም ተባሂላ

ኢልሃም ዑመር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢልሃም ዑመር

ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ዝኾነት ኢልሃም ዑመር ንኣመሪካ፤ እስራኤል፤ ሓማስን ጣሊባንን ብሓደ ሚዛን ዓይርክዮም ተባሂላ ካብ ኣባላት ሰልፋ እንከይተረፈ ተሪር መግናሕቲ ኣጋጢምዋ።

ብደርዘን ዝቁጸሩ ይሁዳውያን ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ብውስጠዘኣዊ ኣጋባብ 'ሓሳብኪዶ ከተነጽሪ' ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦሙላ።

ካብ ክፍለ ግዝኣት ሚኒሶታ ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ክትኸውን ዝተመረጸት ኢልሃም ዑመር ንእስራኤል ብምንቃፋ ካብ ኣባላት ሰልፋ [ዲሞክራሰትስ] ከምዚ ዓይነት ተቓውሞን መግናሕትን ከጋጥማ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።

ኣብ 2019 ንእስራኤል ዓቐኑ ዝሓለፈ ዘይተኣደነ ገንዘባዊ ሓገዛት ይግበረላ እዩ ብምባላ ይቕረታ ክትሓትት ተገዲዳ ነይራ እያ።

ኢልሃም ዑመር ብሰኑይ ብትዊተር "ብኣመሪካ፤ እስራኤል፤ ሓማስ፤ ኣፍጋኒስታንን ጣሊባንን ክትሓስቦ ዘጸግም ገበና እዩ ተፈጺሙ፡ ብዛዕባ ፍትሒ እቶም ግፉዓት ክንሓስብ እንከለና ኸኣ እቲ ተሓታትንነት ብማዕረ ክኸውን ኣለዎ" እያ ኢላ።

ምስቲ ጽሑፋ'ውን ንጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሕቶ እናኣቐረበትሉ ዘርኢ ተንቀሳቃሲ ምስሊ ኣሰንያትሉ ነይራ።

እቲ ምስ ኢልሃም ዑመር ዝተፈጠረ ታዕታዕ፡ እቲ ኣብ ማእከከላይ ምብራቕ ዝነበረ ምልውዋጥ ቶኵሲ ደው ካብ ዝብል ሰሙናት ኣብ ዘቁጸረሉን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ኣይሁዳውያን ዓሌታዊ ኣድልዎታት የጋጥሞም ኣሎ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎን እዋን እዩ ዘጋጥም ዘሎ።

ኢልሃም ዑመር ንእስላማውያን ጉጅለታት ሓማስን ጣሊባንን ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ብሓደ ይተሓተቱ ስለዝበለት እዩ ካብ ኣባላት ሰልፋ ተሪር ተቃውሞ ኣጋጢምዋ ዘሎ።

እተን ንኢልሃም ዑመር ዘለወን ደገፍ ዝገለጻ ጉጅለ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ሰልፊ ዲሞክራትስ ብኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ጀሪ ናድለር ዝምርሑ ጉጅለ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ "ንኣመሪካን ንእስራኤልን ምስ ሓማስን ጣሊባንን ብማዕረ ምስራዕ ጽዩፍን መስርዑ ዘይሓለወን እዩ" ኢሎም።

ብምስዓብ "ኣብ ሞንጎ ብግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስን ዝምርሑ መንግስታትትን ኣብ ግብረሽበራዊ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ ጉጅለታት ዘሎ ፍልልይ ግሁድ እንከሎ ኮነ ኢልካ ኣድልዎ ዘለዎ ሓሳብ ምሃብ እዩ፡ ንኹሎም ብማዕረ ምጥማት ነቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ሸፋፊንካ ንምሕላፍ እዩ" ኢሎም።

ሶማላዊት ዝመቦቆላን ኣብ ኣመሪካ ስደተኛ ዝነበረት ኣባል ኮንግረስ ኮይነን ካብ ዝተመረጻ ደቂ ኣንስትዩ ኣስላም ናይ መጀመርታ ዝኮነት ኢልሃም ብሓሙስ ንግሆ መልሲ ኣብ ዝሃበትሉ "መሕፈራት" ድሕሪ ምባል "ውሽጠ ውሽጢ ኣብ ልዕሊ እስላም ጽልኢ ንኽፍጠር ትጉስጉሱ" ኢላቶም።

ኢልሃም ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፈቶ'ውን "ኣባላት ኮንግረስ ኮይኖም ደገፍ ምስ ዝደልዩ ይጽውዑኒ ሕጂ ኸኣ ተገልቢጦም መብርሂ ደሊና ኢሎም ኣንጻረይ ደው ዝብሉ መሕፈራት ኢኹም" ኢላ።

ጉጅለ ጸጋማይ ክንፊ ናይ ዲሞክራትስ እናተባሃላ ዝግለጻ ኣሌክሳንድራ ኦካዝዩ ትርከበን 'ጉጅለ' ግን ንኢልሃም ንምሕጋዝ'የን ተጓይየን።

እተን ጉጅለ፡ ናብ ኢልሃም ዑመር ዘነጻጸረ መጥቃዕትታት ብተደጋጋሚ ከጋጥም ከምዝጸንሐ ብምግላጽ ሕጂ'ውን ካብኡ ብዘይፍለ "ንምክፋእን ንኢልሃም ዘይመልክዓ ንምሃብን ዝዓለመ እዩ" ኢለን።

ኢልሃም ዑመር ብወገና "ንግብረሽበራውያን ጉጀለታት ምስ ዲሞክራስያውያን ሃገራት ኣየወዳደርኩን ኮነ ኢልካ ዝተዳለወ ዝንቡዕ ፍርዲ እዩ" ኢላ።

ብድምጺ ኣብ ዝዘርገሐቶ መልእኽቲ "ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝዛረበሉ፡ ብመልእኽትታት ናይ ሞት መጠንቀቕታታት እየ ዘዕለቕልቕ" ኢላ።