ኣመሪካ፡ ስርዓተ-ምርጫ እታ ሃገር ብዓይኒ ኤርትራውያን ምሁራት

ትራምፕን ባይደንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ 2020 ክካየድ ልዕሊ ሰሙን ጥራይ'ዩ ተሪፍዎ ዘሎ።

ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ቀንዲ ተወዳደርቲ እቲ ምርጫ ሪፓብሊካዊ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን፡ ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረ ጆ ባይደንን ኣብ ርሱንን ጽዑቕን ጎስጓስ ይርከቡ።

ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስን፡ ሕጽይቲ ምክትል ፕረዚደንት ክትከውን ብጆ ባይደን ዝተሓርየትን ካማላ ሃሪስን ብወገኖም ነቲ ዓወት ንምጉንጻፍ ላዕልን ታሕትን ይብሉ።

ብዛዕባ ፍሉይነት ናይዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ፡ ኣብ መንጎ ተወዳደርቲ ዘሎ ናይ ፖሊሲን ውልቃዊ ባህሪ ፍልልያትን፡ ከምኡ'ውን ቅጥዕታት ምርጫን፡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መኒኦም ኮን ክዕወት'ዩ ንዝብል ምስ ክልተ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ቃለ መሕትት ኣካይድና ነይርና። ኣቶ በያን ነጋሽን ኣቶ ዮሴፍን ገብረሂወትን ኣብ ክፍለሃገር ካሊፎርንያ ዝነብሩ እዮም።

"ናይ ወለዶ ምርጫ"

እዚ ዝካየድ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ቀንዲ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ኣብ እዋን ቀታሊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ'ዩ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ሚልዮናት ኣድመጽቲ፡ ብደብዳበ ድምጾም ክህቡ ዘገደደ'ዩ።

ዋላ'ኳ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንሓደጋ እቲ ለበዳ ዕሽሽ ብምባል፡ ኣሽሓት ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ዝተኣከብሉ ጎስጓሳት የካይድ እንተሎ፡ ብሓፈሻ ግን ከምቲ ልሙድ፡ ኣኼባታትን ጉባኤታትን ብመርበብ ኢንተርነት'ዩ ዝፍጸም ዘሎ።

ንባዕሉ'ውን እቲ ለበዳ፡ ከም ሓደ ካብ ወሰንቲ ናይ ፖሊሲ ጉዳያት ኮይኑ ይርከብ። ዛጊት ልዕሊ 224 000 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

ኣቶ በያን ነጋሽ ከምዝብሎ፡ እቲ ካልእ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ሓያሎ ኣባላት ሪፓብሊካዊ ሰልፊ፡ ንደሞክራስያዊ ጆ ባይደን ይድግፉ ምህላዎም'ዩ።

"መዋእሎም ሪፓብሊካንስ ዝነበሩ፡ ብመገዲ [ኣብራሃም] ሊንከን ፕሮጀክት ዝብል ዝተጠርነፉ ፍሉጣት ናይ ሪፓብሊካን መራሕቲ ዝነበሩ፡ ብጽሑፋትን ኣድቨርታይዝመንትን፡ [ትራምፕ] ብቕዓት ከም ዘይብሉን ንኸይ ምረጽን ብምጉስጓስ ምስ ባይደን ይጽግዑ ኣለዉ" ኢሉ።

በያን ነጋሽ
መግለጺ ስእሊ, ኣቶ በያን ነጋሽ

ምሁር ፍልስፍናን ጸሓፊን ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት ብወገኑ፡ ኣብተን ዝሓለፋ 4 ዓመታት ንፕረዚደንት [ትራምፕ] ዓበይቲ ብድሆታት ከምዘይገጠሞን፡ እዛ ኣጋጢማ ዘላ ለበዳ ግን "ኣቃሊዓቶ'ያ" ይብል።

"ን[ትራምፕ] ጥራሕ ዘይኮነት ግን፡ ነቲ ናይ ኣመሪካ ስርዓት'ውን ብሓፈሽኡ ኣቃሊዓቶ'ያ" ዝበለ ኣቶ ዮሴፍ፡ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኣመሪካ ዘሎ ዘይምዕሩይነት ዘቃልዐ ሕማም'ዩ ብምባል ይምጉት። እቲ ለበዳ ንድኻታት ጸለምቲ ዝያዳ ከምዝሃሰየ ድማ ይጠቅስ።

እዚ ምርጫ'ዚ "ናይ ወለዶ ምርጫ'ዩ" (generational election) ተባሂሉ ይግለጽ ምህላዉ'ውን፡ ንሓድነትን ጥምረትን እቲ ሕብረተሰብ ዝተንከፈ ምዃኑ'ውን ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።

ዝተሓላለኸ ስርዓተ-ምርጫ ኣመሪካ

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ፡ ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ፍልይ ዝገብሮ፡ ፕረዚደንታዊ ምዃኑ ጥራይ ኣይኮነን።

ኣብቲ ናይ 2016 ትራምፕ ዝተዓወተሉ ምርጫ፡ ኣቐዲሙ ዝወጽእ ዝነበረ ዳህሳሳት ሂላሪ ክሊንተን ዝለዓለ ደገፍ ከም ዘለዋ'ዩ ዝግለጽ ነይሩ።

እቲ ዘይንቡር ጓስጓስ ምርጫን ጠባይን ዝነበሮ ዶናልድ ትራምፕ ምዕዋቱ ብወግዒ ምስ ተነግረ ግን፡ ብዙሓት ተገሪሞምን ደንጽዩዎምን'ዩ።

ናይ ሽዑ ውጽኢት ድምጺ ምስ ተቖጽረ፡ ሂላሪ ክሊንተን ንትራምፕ ብ3 ሚልዮን ድምጺ ከምዝበለጸቶ ይፍለጥ። ክንድኡ ዝኣክል ዝያዳ ድምጺ እንተ ረኺባ ድኣ ስለምንታይን ብኸመይ ተሳዒራ? ምላሽ ዘድልዮ ሕቶ እዩ።

ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ድምጺ ነብሲ ወከፍ ሰብ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ግን ብቑጽሪ ኩሎም ኣድመጽቲ ጥራይ ኣይኮነን ዝውሰን። ብሃገር ደረጃ 538 ሰባት ወይ ድምጽታት ጥራይ'ዮም ንውጽኢት ናይቲ ምርጫ ዝውስንዎ።

ኣብ ስርዓተ-ምርጫ ኣመሪካ "ኢለክቶራል ኮለጅ" ዝብሃል ኣሎ። እዚ ናይ ምርጫ "ኮለጅ" (መረጽቲ) ን538 ናይ ምምራጽ ሓላፍነት ዝተዋህቦም ሰባት ዝምልከት'ዩ።

በዚ መሰረት፡ ሓደ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ክኸውን እንተኾይኑ፡ ካብቶም ኤለክቶራል ኮሌጅ፡ እንተ ወሓደ ናይ 270 ድምጺ የድልዮ። ሚልዮናት እናድመጹ ከመይ ገይሩ ከምዚ ክከውን ይኽእል ዝብል ሕቶ ዘደናግር እዩ።

ኣብታ ሃገር 50 ክፍለ ሃገራት (ስቴትስ) ኣለዋ፡ ብመሰረት ብዝሒ ህዝበን ድማ፡ ነቶም 538 ድምጽታት ይማቐልኦም።

ንኣብነት፡ እታ ዝበዝሐ ቁጽሪ ህዝቢ ዘለዋ ካሊፎርንያ 55 "መረጽቲ" ወይ "ኤለክቶርስ" ክህልዋ እንከሎ፡ ውሑድ ቁጽሪ ህዝቢ ዘለወን ዋዮሚንግ፡ ቬርሞንትን ግን ነፍሲ ወከፈን ሰሰለስተ ድምጺ ጥራይ'ዩ ዘለወን።

ስለዚ፡ እቲ ህዝባዊ ድምጺ ኣብቲ ኣገዳሲ ቦታታት እንተዘይኮይኑ፡ ትርጉም ዝስእነሉ ኩነታት ኣሎ ማለት'ዩ። ስለዚ፡ ህዝቢ ብግብሪ፡ ነዞም 538 መረጽቲ'ዩ ዘድምጽ ማለት እዩ። እቶም መረጽቲ ከኣ ብጨናፍር ሰልፍታት ኣብ ክፍለ ሃገራት ይምረጹ።

እዞም መረጽቲ፡ እቲ ዝውክልዎ ክፍለ ሃገር ንመን ይደግፍ ብዘየገድስ ደስ ንዝበሎም ሕጹይ ድምጾም ክህቡ ይኽእሉ'ዮም። ኣብ ግብሪ ግን፡ ምስ ዝውክልዎ ህዝቢ ከድምጹ'ዮም ዝራኣዩ- ዋላ'ኳ ሓደ ሓደ ውልቃዊ ውሳነ ዝወስዱ እንተለዉ።

ዮሴፍ ገብረህይወት
መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ዮሴፍ ገብረህይወት

ክልቲኦም ተወዳደርቲ ማዕረ ድምጺ ምስ ዝረኽቡ ድማ፡ ታሕተዋይ ባይቶ ኣመሪካ ድምጺ ብምሃብ ፕረዚደንት ክመርጽ ቅዋም'ታ ሃገር ስልጣን ይህብ።

ይኹን እምበር፡ ብዙሕ መናብር ናይ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ባይቶታት'ውን ወሳኒ ምዃኑ'ዩ ኣቶ ዮሴፍ ዝዛረብ።

ስለምንታይ'ዩ ከምዚ ዓይነት ስርዓተ ምርጫ ተመሪጹ?

ኣመሪካ ከም ሃገር ክትምስረት እንከላ፡ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ሕጽረት መሳለጥያታት ህዝቢ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ብቐጥታ ክመርጽ ተኽእሎ ስለዘይነበረ ብወከልቲ ክፍጸም ተወሲኑ።

ኣባላት ኮንግረስ (ባይቶ) ባዕሎም ክመርጹ ሸውሃት ስለዘይነበረ ድማ፡ ንፕረዚደንት ጥራይ ዝመርጹ "ኤለክቶርስ" (መረጽቲ) ከምዝህልዉ ተገይሩ።

ኣቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት ከምዝበሎ "ግዚኡ ዝሓለፎ ስርዓት" ምዃኑ ይዛረብ። ብፍላይ እዚ ስርዓት'ዚ፡ ኣብ ግዜ ባርነት ጸለምቲ ዝተወሰነ ብምዃኑ፡ ነቶም ኣብ ቁጽሪ ዝኣትዉ ኣፍሪቃውያን ባሮት ዝነበሩወን ደቡባውያን ክፍለ ሃገራት ዘርብሕ ከምዝነበረ'ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ርእሲ እዚ'ውን፡ ዓብላሊ ድምጺ ዝረኸበ ወገን ዝፍጽሞ "ጀሪማንደሪንግ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ንናይ ምርጫ ከባቢታት (ወረዳታት) በብግዚኡ ዝጥርር ፖለቲካዊ ጉርሒ ዝተሓወሶ ኣገባብ ነቲ ስርዓተ-ምርጫ ይጠናንጎ'ዩ።

ወሰንቲ ክፍለሃገራት ኣየኖት'የን?

ሴናተር ካማል ሃሪስ፡ ንፍዕቲ ዓቀቢት ሕጊ ተባሂላ ትንኣድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሴናተር ካማል ሃሪስ፡ ንፍዕቲ ዓቀቢት ሕጊ ተባሂላ ትንኣድ

መብዛሕትኡ እዋን፡ ተወዳደርቲ ዘካይድዎ ጎስጓሳት ኣብ ውሱናት ክፍለ ሃገራት ዘተኮረ ጥራይ'ዩ። እዚ ኸኣ ድርብ ምኽንያታት ኣለዎ። እቲ ሓደ፡ እቲ ንሪፓብሊካንን ደሞክራትስን ዝድግፍ ግዝኣታት ዝተመቓቐለ ስለዝኾነ፡ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ ብብዝሒ ቁጽሪ ኣድመጽቲ ክውሰን ግድን እዩ። ኣብ ገሊኡ እውን ላንጋ-ላንጋ ኣድመጽቲ እውን ስለዘለው እዩ።

ገለ ክፍለ ሃገራት፡ እቲ ዝበዝሐ ድምጺ ንሪፓብሊካን ወይ ደሞክራትስ ዝድግፍ ምዃኑ ስለዝፍለጥ፡ ውጽኢቱ ኣቐዲሙ ዝተረጋገጸ'ዩ ዝኸውን። ንኣብነት፡ ኣድመጽቲ ካሊፎርንያ ዳርጋ ኩሉ ሳዕ ንሰልፊ ደሞክራሲ ክድግፉ እንከለው ከም በዓል ቴክሳስ ድማ ንሪፓብሊካን ይድግፉ። እዚአን ኩሉ ግዜ ዳርጋ ትሑዛት'የን።

እቲ ኣብተን ክፍለ ሃገራት ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ድማ፡ ንብምሉኡ ቁጽሪ "መረጽቲ" እዩ ዝወስዶ- ምምቓል ዝብሃል የለን - 'ወይ ግብ ወይ ክብ' እያ።

ገለ ክፍለ ሃገራት ግን፡ በብግዚኡ ናብዝን ናብትን ሰለዝብላ "ተወዛወዝቲ" ('ስዊንግ ስቴትስ') ተባሂለን ይጽውዓ።

ስለዚ እተን ቀንዲ ወሰንቲ ኣብዚ ምርጫ'ዚ ፍሎሪዳ፡ ኦሃዮ፡ ፔንሰልቫንያ፡ ኖርዝ ካሮላይና፡ ዊስኮንሲን፡ ሚሽጋን፡ ኔቫዳ፡ ኣሪዞና፡ ሚኒሶታን ጆርጅያን ምዃነን'ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ትጽቢት ዘይተገብረሉ ውጽኢት ኣብ ካልኦት ክፍለ ሃገራት'ውን ኣብ ግምት ዝኣቱ'ዩ።

ብሓደ ወገን እቲ ኩነታት ንብዙሕነት ህዝብን፡ ዝተፈላለዩ ረብሓታት ዝተፈላለዩ ዓሌታዊ ጉጅለታት ናይተን ክፍለ ሃገራት ዘንጸባርቕ'ዩ።

ተሳታፍነት ጸለምቲን 'ላቲኖስን'

ኣድልዎን ዓሌትነትን "ናይ ውሽጢ ሕማም" ምኻኑ ዝገልጽ ኣቶ በያን ነጋሽ፡ ዝዓበየ ብድሆ ኣመሪካ ምዃኑ ይዛረብ።

እቲ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ክፍለሃገር ሚኒሶታ ዝፈጸምዎ ቅትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዘንቀሎ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘቃለሐ ናዕብን ቁጠዐን፡ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ከድምጹ ሸውሃት ዘይነበሮም፡ ድርኺት ፈጢሩ ከምዘሎ ኣቶ በያንን ኣቶ ዮሴፍን ዝሰማምዕሉ ምዕባለ'ዩ።

ኣቶ ዮሴፍ ከምዝብሎ፡ ድምጺ 'ውሑዳን' ('ማይኖሪቲስ') ንምዕፋን ዝተፈላለዩ ናይ ቀደም ሕግታትን ቅጥዕታትን ከምዘለዉ ይጠቅስ። ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ብሰንኪ ለበዳን፡ ቁጠዐ ጸለምትን ኣመሪካ "ኣብ ቀራና መንገዲ" ኣላ ይብል።

ነዞም ናይ ቀደም "ግዚኦም ዝሓለፎም" ሕግታት ንምቕያር ከኣ ክልተ ሲሶ ድምጺ ናይ ባይቶን ሰነትን ከምዘድልን፡ ክንድኡ ዓብላሊ መናብር ዘለዎ ሰልፊ ስለዘይምረጽን፡ ፌርማ ፕረዚደንት'ውን ወሳኒ ምዃኑ እዞም ተንተንቲ ይገልጹ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ኣብ መድረኽ ክትዕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

"ናይ 'ብላክ ላይቭስ ማተር' ምንቅስቓስ፡ ነቲ ሽግር ጎሊሑ ከም ዝርአ ጌራቶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ህዝቢ ክውደብን፡ ኣብ በቦትኡ ከድምጽ ከምዘለዎ" ዝገበረ ተርእዮ ምዃኑ ኣቶ ዮሴፍ ይጠቅስ። ሰባት ኣቐዲሞም ከድምጹ ጀሚሮም ምህላዉ'ውን ናቱ መርኣያ እዩ በሃላይ'ዩ።

ኣብ ረብሓ ጸለምቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘለዎም ሕግታት ኣብ ምድንጋግ'ውን እቲ ንነዊሕ ዓመት ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ዘገልገለ ጆ ባይደን ኢድ ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ኣቶ ዮሴፍ፡ ትራምፕ ግን "ዝኸፍአ'ዩ" ይብል።

ኣቶ በያን ግን፡ ጆ ባይደን ንረብሓ ጸለምቲ፡ ላቲኖስን ስደተኛታትን ዝቖመ'ዩ በሃላይ'ዩ።

ክልቲኦም ተወዳደርቲ ነዞም ወሰንቲ ማሕበራዊ ጉጅለታት ንምኽሳብ ብመብጽዓታት ዝተሰነየ ጽዑቕ ጎስጓስ የካይዱ ኣለዉ። ባይደን ትራምፕ ዓሌታዊ'ዩ ብምባል ክኸሶ እንከሎ፡ ትራምፕ ብወገኑ ኣብቲ ጉዳይ ካብኡ ዝሓይሽ ከምዘየለ ይከላኸል።

ክልቲኦም ተንተንቲ፡ ነዞም ፍሉያት ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ እቲ ኣብ ዳህሳስ ምርጫ ዝመርሕ ዘሎ ጆ ባይደን ክዕወት'ዩ ዝብል ትጽቢት ከምዘለዎም ገሊጾም።

ተሳታፍነት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን

"መብዛሕትና ነዛ ኣመሪካ ብፍኒስትራ ኢና ንሪኣ፡ ኣብቲ መዓልታዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣቲና ብግብሪ ኣይንሳተፍን ኢና። ምኽንያቱ ሓደ እግርና ኣብዚ፡ እቲ ሓደ እግርና ኸኣ ኣብ ሃገርና" ስለዝኾነ ይብል ኣቶ በያን።

ኣብዞም ካልኣይ ወለዶ ግን ተስፋ ዝህብ ምዕባለታት ከም ዘሎ ይዛረብ። ከም በዓል ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኣባል ኮንግረስ ጆ ንጉሰ፡ ሶማላዊት ኢልሃም ዑመር፡ ከምኡ'ውን ኢትዮጵያዊ-ኣመሪካዊ ኣብ ኮንግረስ ምእታዎም ከም ኣብነት ዝጥቀሱ'ዮም።

ማይክ ፐንስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንእሰይ፡ ዓንዶም ገብረጌርጊስ ካብ ከተማ ኒውዮርክ'ውን ንኮንግረስ ዝወዳደር ዘሎ ካልእ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ እዩ።

ኣብ ናይ ከተማን ከባብያዊ ምምሕዳራትን ኣብ ምርጫ ዝሳተፉ ዘለዉን፡ ድሮ'ውን ከተማታት ዘመሓድሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ፡ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ከም ዘይልወጥ ዝገለጸ ኣቶ ዮሴፍ፡ ባይደን እንተ ተዓዊቱ፡ ነቲ ብሰንኪ ግድብ ሕዳሰ ዝሻሕከረ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ክምሓየሽ ይኽእል ይኸውን ዝብል ግምት ኣለዎ።

ኣቶ በያን ብወገኑ፡ "ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብዓይኒ እስራኤል" ዝጥመት'ዩ ይብል። ትማሊ፡ ሱዳን ካብ መዝገብ ሽበራ ክትወጽእ ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርት ከምዝተገደደት እውን ይግለጽ።