ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ናፍታሊ በነት፡ ንእስራኤላውያን ሓደ ንምግባር ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ ናፍታሊ በነት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልተ ዓመት ኣርባዕተ መረጻታት ዝተኻየዶ ፖለቲካዊ ሰንፈላል ተኸፋፊሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ሓደ ንምግባር ከምዝጽዕር ቃል ኣትዩ፡፡
እቲ መንግስቲ ‘‘ምእንቲ ኹሉ ህዝቢ ክሰርሕ እዩ’’ ዝበለ በነት፡ ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ቢሮክራሲ ምቕናስን ዝግበሩ ምምሕያሻት ቀዳምነት ከምዝወሃቦም ገሊጹ፡፡
እቲ የማናይ ውድብ፡ ነቲ ትማሊ ሰንበት ብኣባላት ቤት ምኽሪ ዝጸደቐ ፈላማይ እዋን ልፍንቲ ክመርሖ እዩ፡፡
ንውድብ ያሚና ዝመርሕ በነት፡ ነቲ ን12 ዓመታት ንእስራኤል ዝመርሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ነታንያሁ ተኪእዎ ኣሎ፡፡
ብመሰረት እቲ እተን ውድባት ዝኣተወኦ ውዕል ምክፋል ስልጣን ድማ፡ ክሳብ መስከረም 2023 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ከገልግል እዩ፡፡
ቀጺሉ ድማ ማእከላይ መርገጺ ናይ ዘለዎ ውድብ መራሒ የሽ ኣቲድ ንዝኾነ የር ላድ፡ ንቀጸልቲ ክልተ ዓመታት ከረክቦ እዩ፡፡
ካብ መራሕቲ እስራኤል፡ ዝነውሐ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለ ቤንያሚን ነታንያሁ፡ መራሒ የማናዊ- ክንፊ ሰልፊ ሊኲድ ብምዃን መራሒ ተቓዋሚ ክኸውን እዩ፡፡
ኣብቲ ትማሊ ኣብ ቤት ምኽሪ እስራኤል ዝተኻየደ ክትዕ፡ ነታንያሁ ናብ ስልጣን ‘‘ክንምለስ ኢና’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ሓድሽ ልፍንቲ ደጊፉ ድምጺ ምስሃበ ድማ ናብቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ናፍታሊ በነት ብምኻድ ሰላም ኢልዎ፡፡
ወዲ 49 ዓመት በነት፡ ‘‘እዚ መዓልቲ ሓዘን ኣይኮነን፤ ኣብ ዲሞክራሲ ለውጢ መንግስቲ ንቡር እዩ፡፡ እዚ ድማ ንሱ እዩ፡፡ ዝኾነ ሰብ ከይፈርሕ እንኽእሎ ኩሉ ክንገብር ኢና፡፡ ነቶም ሎሚ ምሸት ዘብዕሉ ድማ፡ ኣብ ናይ ካልኦት ሓዘን ኣይትለሀዩ ክብሎም ይደሊ፡፡ ጸላእቲ ኣይኮናን ሓደ ህዝቢ እምበር’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ተወከልቲ ፍልስጤማውያን ንሓድሽ መንግስቲ እስራኤል ገጽ ኣይሃብዎን፡፡
‘‘እዚ ውሽጣዊ ጉዳይ እስራኤል እዩ’’ ዝበለ ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ፍልስጤም መሓሙድ ዓባስ፡ ‘‘ቅዋምና ኩሉሻብ ግልጺ እዩ፤ ንሕና እንጠልቦ በቲ ናይ 1967 ዶብ ዋና ከተማኣ እየሩሳሌም ዝገበረት ናይ ፍልስጤማውያን ሃገር እዩ’’ ኢሉ፡፡
ኣፈኛ ናይቲ ንጋዛ ዝቆጻጸር ጉጅለ ሓማስ ድማ፡ ጉዳይ እስራኤል ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ እዩ ብምባል፡ መሰልና ደጊምና ንምርካብ ብሓይሊ ክንከላኸል ኣለና ኢሉ፡፡
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ንምድልዳል ከምዝሰርሕ ብምግላጽ፡ ንቤነት ናይ እንቋዕ ደስ በለካ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ፡፡
እዚ ኩነታት ንምንታይ ተፈጢሩ?
ቤንያሚን ነታንያሁ ንሓሙሽተ እብረ እዩ ኣገልጊሉ፤ ፈለማ ካብ 1996 ክሳብ 1999 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ቀጺሉ ድማ ካብ 2009 ክሳብ 2021፡፡
ኣብ 2019 ኣብ ዝጸወዖ መረጻ፡ ልፍንታዊ መንግስቲ ንምምስራት እኹል ድጋፍ ኣይረኸበን፤ ቀጺሉ ድማ ክልተ ተዓዋታይ ዘይተረኸበሎም መረጻታት ተኻይዶም፡፡
ድሕሪ እቲ ሳልሳይ መረጻ፡ ምስ መራሒ ተቓዋሚ ዝነበረ በኒ ጋንዝ ሓበራዊ መንግስቲ መስሪቱ ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ውዕል ብምፍራሱ፡ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ናብ መረጻ ተመሊሳ፡፡
ኣብቲ መረጻ ውድብ ሊኲድ እኳ ዝለዓለ እንተነበረ፡ ነታንያሁ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስርት ብዘይምኽኣሉ እቲ ዕድል ንመራሒ ናይቲ ካልኣይ ዝወጸ ውድብ ኣይተ ላፒድ ተዋሂቡ፡፡
ኔታንያሁ ኣብ ስልጣን ከይቅጽል ዝነበረ ተቓውሞ ካብ ማእከሎትን ጸጋማውያንን ጥራሕ ዘይኮነስ ተመሳሳሊ ስነ ሓሳብ ካብ ዘለዎም ከም ያሚና ካብ ዝበሉ የማናውያን ውድባት እውን መጺኡ፡፡
ንነታንያሁ ካብ ስልጣን ምእላይ ዝዓለመ ልፍንቲ ድማ ነቲ ኣብ መረጻ ሓምሻይ ደረጃ ዝሓዘ ያሚና ሓዊሱ፡ ካብቲ ዝተቐመጠሉ ገደብ ግዘ ፍርቂ ሰዓት ቀዲሙ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ኣብ ስምምዕ በጺሑ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ሓድሽ መንግስቲ ከመይ ዝበለ እዩ?
እቲ በነት ዝመርሖ ሓድሽ መንግስቲ፡ ካብቲ ኣብ እስራኤል ን 73 ዓመታት ዝጸንሐ መንግስቲ ዝተፈለየ እዩ፡፡
እቲ ልፍንቲ ብስነ ሓሳብ ዝተፈላለዩን ፈላማይ ነጻ ዓረባዊ ውድብ ዝኾነ ራም ዘጠቓለለን፡ ከምኡ ድማ ዝለዓለ በዝሒ 9 ሚኒስተራት ደቂ ኣንስትዮ ከጥቓልል ትጽቢት ዝግበረሉን እዩ ፡፡
ዓረባዊ ራምን፡ ዘይዓረባዊ የማናውያን ውድባትን ኣብቲ ልፍንቲ ምህላዎም፡ ኣብ ከም እስራኤል ኣብ ፍልስጤማውያን ዘለዋ ፖሊሲታት ዝበሉ ጉዳያት ኣፈላላይ ክፈጥር ከምዝኽእል ይግመት፡፡
ብተወሳኺ ኣብቲ ከም ፍቕራዊ ርክብን ሓዳርን ሕደ ጾታውያን ዝድግፉ ውድባት ዘለዎ ልፍንቲ፡ ምስቲ እስላማዊ ውድብ ራም ኣብ ማሕበራዊ ፖሊሲታት ኣፈላላይ ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ ይግመት፡፡





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







