እስራኤል ነቲ ካብ ቃዛ ብባላንቺናታት ዝተፈነወላ ተባራዒ ሕነ ንምፍዳይ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዳ

ቃዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እስራኤል ኣብ ዓበይቲ ባላንቺናታት ዝተጻወደ ተባራዒ ነገራት ናብ ዶባተይ ተፈንዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ ዕላማታት ናይ ሓማስ ናይ ኣየር ደብዳብ ኣካይዳ።

ረቡዕ ወጋሕታ ኣብ ከተማ ቃዛ ብርቱዕ ናይ ባርዕ ድምጺ ተሰሚዑ።

ብሰሉስ፡ ብዙሓት ተባራዒ ዝጸዓና ባላንቺናታት ካብ ቃዛ ናብ ወገን እስራኤል ከምዝተፈነዋን ከምውጽኢቱ ብዙሕ ቶኵሲ ከምዝነበረን ቤት ጽሕፈት ኣጥፋእቲ ሓዊ እስራኤል ሓቢሩ።

እስራኤልን ሓማስን 21 ግንቦት ተጻብኦታት ደው ንምባል ካብ ዝሰማምዑ እዚ ናይ ሎምን ናይ ትማልን ደምጺ ቶኵሲ ንምጀመርታ ግዜ እዩ ዝስማዕ ዘሎ።

ክልቲኦም ወገናት ቅድሚ ቶኵሲ ደው ከብሉ 21 ግንቦት ምስምምዖም ን11 መዓልታት ብርቱዕ ምልውዋጥ ቶኵሲ ከምዘካየዱ ይዝከር።

ብዛዕባ እቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ እንታይ ዝተፈለጠ ነገር ኣሎ?

ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ክሃን ዮንስን ኣብ ቃዛን ብሓማስ ኣብ ዝመሓደር መዓስከር ዕውት መጥቃዕቲ ከምዘካየዳ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ መግለጺ፡ ኣብቲ ብነፋሪት ደብዲበዮ ዝበሎ መዓስከር “ግብረሽበራዊ ንጥፈታት ንምክያድ ዝዳለዉሉ’ዩ” ኢሉ።

እቲ ናይ እስራኤል ነፈርቲ ዝፈጸመኦ ደብዳብ ኣብ ሰብ ይኹን ኣብ ንዋት ዘውረዶ ዕንወት ኣይተገለጸን።

ውሃቢ ቃል ሓማስ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ፍሊስጤማውያን ከም ቀደሞም ብትብዓት ንመሰሎምን ኣብ የሩሳሌም ዝግብኦም ቦታ ንምክልኻልን ድልዋት ኣለዉ” ኢሉ።

ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ እስራኤል፡ እቲ ካብ ወገን ቃዛ ኣብ ባላንቺናታት ተጻዒኑ ዝተሰደደ ተተኳሲ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እስራኤል ዓሊቡ ዕስራ ምፍንጃር ከምዘስመዐ ገሊጹ.

እዚ ቶኵስ ሓዲሽ ልፍንታዊ መንግስቲ እስራኤል ምስ መጽአ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

እቲ ን12 ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ንእስራእል ዝመረሐ ቤንጃሚን ናታንያሁ በቲ ብናፍታሊ ቤኔት ዝምራሕ ሓዲሽ ልፍታዊ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምቕያሩ ዝዝከር እዩ።

እቲ ናይ ሕጂ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ን10 ደቃይቕ ከምዝቀጸለ ጋዜጤኛ ቢቢሲ ሩሺድ ዓቡኣሉፍ ካብ ከተማ ቃዛ ሓቢሩ።

እስራኤላውያን ነቲ ኣብ 1967 ኣብ ማእከላይ ምንራቕ ዝተጎናጸፍዎ ዓወታት ንምጽንባል ዓመት ዓመተ ጽንብል የካይዱ እዮም።

ብሰሉስ ሰራዊት እስራኤል፡ ንጸጥታ ናይቲ ነቲ ጽንብል ዝኸውን ጎደናታት ንምርግጋጽ ኣብ ዝወፈርሉ፡ ፍልስጤማውያን ሰለማዊ ሰልፊ ስለዘካየዱ፡ ሰራዊት እስራኤል 30 ካብቶም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ፍሊስጤማውያን ከምዝሃረመን 17 ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወን’ዩ ገሊጹ።

እቲ ጽንብል ዝኽሪ 1967 ናይ እስራኤላውያን ሰሉስ እዩ ክካየድ ተወጡኑ፡ ፖሊስ እስራኤል ብሰንኪ ስግኣት ናይ ጸጥታ ክካየድ ከምዘይክእል እኳ እንተሓበረ ሓድሽ ልፍንታዊ መንግስቲ እስራእል ግን ኣብ መዓልቱ ክካየድ ፍቃድ ሂቡ።

እቶም ዝምርሹ ዝነበሩ እስራኤላውያን ንኣዕራብ ዘቖጥዕ ጭርሖታት የስምዑ ምንባሮም ንፍሊስጤማውያን ከምዘቖጠዖም ኸኣ ብዙሓት ይገልጹ።