ብ260 ሽሕ ዩሮ ናብ ዕዳጋ ዝወረደት ስጳኛዊት ቁሸት

ኣብ ዶብ ፖርቹጋል እትርከብ ቁሸት ሳልቶ ደ ካስትሮ ን30 ዓመታት ብዘይ ነበርቲ እያ ዘላ

ምንጪ ስእሊ, BALLES2601/WIKIMEDIA COMMONS

ኣብ ሰሜናዊ ስጳኛ እትርከብ ቁሸት ሳልቶ ደ ካስትሮ ብ 260 ሽሕ ዩሮ ንመሸጣ ቀሪባ ኣላ።

ኣብ ዶብ ፖርቱጋል ዞባ ዛሞራ ዝተደኮነት ሳልቶ ደ ካስትሮ፡ ካብ ከተማ ማድሪድ ናይ ሰለስተ ሰዓታት መኪና ጉዕዞ እያ።

እታ ቁሸት፡ ኣብ ብዙሓት ንኣሽቱ ከተማታት ስጳኛ ክጸንሓካ እትጽበዮ ዝዓይነቱ ብርክት ዝበለ ህንጻታት ኣለዋ።

ገለ ካብኡ፡ 44 መንበሪ ኣባይቲ፡ ሆቴል፡ ቤተ ክርስትያን፡ ቤት ትምህርቲ፡ መሐንበስን ይርከብዎም።

እንተኾነ ነበርቲ የብላን። ሳልቶ ደ ካስትሮ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዝነብራ ኣይነበራን።

ዋናኣ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት እዩ ዓዲግዋ። መስሕብ በጻሕቲ ሃገር ክገብራ ከኣ ውጥን ኔርዎ። እቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝተኸስተ ቅልውላው ግና እቲ ውጥን ከይስስን ዓንቂፉ እዩ።

ወኪል እቲ ዋና ዝኾነት ሮኒ ሮድሪጉዝ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ “እቲ ወናኒ፡ ሆቴል ናይ ምኽፋት ሕልሚ ኔርዎ፡ ግና ከጽንሖ ተገዲዱ፡ . . . ሕጂ’ውን ሕልሙ ኣብ ቦትኡ እዩ” ኢላ።

እታ ቁሸት ኣብ ዕዳጋ ዝወረደትሉ መርበብ ሓበሬታ ኣይዲያሊስታ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ 80 ዕድመ ዝርከብ ወናኒ እታ ቁሸት “ተቐማጢ ከተማ ስለዝኾንኩን ክከናኸና [ነታ ቁሸት] ስለዘይከኣልኩን እየ ዝሸጦ ዘለኹ” ክብል ኣመልኪቱ።

እቲ መሸጣ ዓቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ከምዘሎን፡ እቲ ሓበሬታ ካብ ዝተዘርግሓሉ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ክሳዕ ሕጂ ኣስታት 50 ሽሕ ሰባት ከምዝረኣይዎን ይግለጽ።

ካብ ሩስያ፡ ፈረንሳ፡ ቤልጅዩምን ብሪጣንያን ከባቢ 300 ሰባት ተገዳስነት ከምዘርኣዩን ከምዝረኸብዎን እታ ወኪል ሓቢራ።

ሳልቶ ደ ካስትሮ ኣብ ፈለማ 1950ታት፡ ብትካል መመንጨዊ ኤለክትሪክ ኢበርዴሮ ክትምስረት እንከላ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝህነጽ ዝነበረ ዲጋ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታቱ መንበሪ ክትኸውን እዩ ሃኒጽዋ።

ምህናጽ እቲ ዲጋ ምስ ተዛዘመ ግና ኣብ መወዳእታ 1980ታት እቶም ሰራሕተኛታት ብምግዓዞም፡ እታ ቁሸት ብዘይ ሰብ ተሪፋ።

ሳልቶ ደ ካስትሮ ቅድሚ ሕጂ ብ6.5 ሚልዮን ዶላር ንመሸጣ ቀሪባ እኳ እንተነበረት ዓዳጊ ኣይተረኽበን፡ ኣብዚ እዋን ከኣ ብዙሕ ካብ ህንጻታቱ ብምዕናው እታ ዋጋ ክጎድል ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ኣብ ከም ማድሪድ ወይ ባርሴሎና ዝኣመሰሉ ከተማታት ስጳኛ፡ 260 ሽሕ ዩሮ ዋጋ ናይ ሓደ መደቀሲ ዘለዎ ገዛ እዩ።

ነታ ቁሸት ምሉእ ብምሉእ ናብ ስራሕ ንምምላስን ኣርባሒት ንምግባርን ክሳዕ 2 ሚልዮን ዩሮ ወጻኢ ክሓትት ከምዝኽእል መርበብ ኣይድያሊስታ ይሕብር።