‘ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ካብ ገነት ናብ ዓውደ ኲናት’ ዝተለወጠት ከተማ

ምንጪ ስእሊ, Hawaii Wing Civil Air Patrol/EPA
ኣብታ ብባርዕ ሓዊ ዝተሃሞኸት ጥንታዊት ከተማ ላሃይና፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 93 ክበጽሕ እንከሎ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ ደሴት ማዊ ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ።
ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ጆሽ ግሪን ነቲ ባርዕ “መዓት” ክብል እዩ ገሊጽዎ። እቲ ባርዕ ኣብ ታሪኽ ሃዋይ ዝዓበየ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።
ኣብ ጥቓ ላሃይና ናይ እትርከብ ከተማ ነባሪ ዝኾነ ኢመርሰን ቲመንስ፡ እታ ከተማ “ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ ብምልኣት እያ ዓንያ” ይብል።
ንሱ ወሲኹ እታ ታሪኻዊት ከተማ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዕምርቲ “ትሮፒካዊት ገነት ናብ ዓውደ ኲናት” ከምዝተቐየረት ይዛረብ።
“ከምዚ ገለ መጺኡ ኡፍ ዝበላ እያ ትመስል። ኩሉ ነገር ይነድድ ኣሎ፡ ኩሉ ናብ ሓምዅሽቲ ተቐዪሩ፡ ሕልሚ እዩ ዝመስል” ኢሉ።
ገምጋም ናይቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዘጥረይዎ ንብረትን ኣባይትን ዘብረሰ ባርዕ ዘስዓቦ ዕንወት ጌና ምሉእ ብምሉእ ከምዘይተፈለጠ ቲሚንስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ዛጊት 93 ሰባት ከምዝሞቱ ክረጋገጽ እንከሎ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።
ቁጽሪ ግዳያት ክውስኽ ከምዝኽእል እዩ ዝንገር።
ኣማኢት ሰባት ካብቲ ሃልሃልታ ድሕሪ ምህዳሞም ኣብ መላእ ማውይ ዝርከቡ መዕቆቢታት ኣጽሊሎም ይርከቡ።
ሚስተር ግሪን፡ "ዘይከኣል መዓልቲ'ዩ" ኢሉ።
"ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ጥራይ ኢና ክንጽበን ክንድግፎምን እንኽእል። ሕጂ ትኹረትና ኣብ ዝከኣለና እዋን ንሰባት ዳግማይ ምጥርናፍን መንበሪ ገዛ ረኺብና ክንክን ጥዕና ምግባርን እዩ። ሕሪኡ ድማ ናብ ዳግመ ህንጸት ገፅና ክንመልስ ኢና"።
ዝስዕቡ ስእልታት፡ ከተማ ላሃይና ቅድምን ድሕሪን እቲ ባርዕ ዘርእዩ እዮም።



ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ነቲ ባርዕ ንምቁጽጻር ጻዕሮም ቀጺሎም ኣለው።
ኣብታ ደሴት ዝጸንሑ ኣስታት 15,000 ቱሪስት ከምዝወጹ ሰብ መዚ ገሊጾም።
እቲ ባርዕ ብሰሉስ ክጅምር እንከሎ ብህቦብላ ከምዝተበኣኣሰ ይግለጽ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብታ ግዝኣት ከቢድ ስግኣት ሓደጋ ኣዊጁ ኣሎ።
እዚ ኣብ ሃዋይ ተራእዩ ዘሎ ብርቱዕ ባርዕ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዙርያ ዓለም ንዝተርኣዩ ባርዕ ስዒቡ እዩ ኣጋጢሙ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ግሪኽ ዝተርኣየ ባርዕ ጫካ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝበርትዐ ክኸውን እንከሎ ደሴታት ሮድስን ኮርፉን ኣዝየን እየን ተሃስየን።
ኣብ ካናዳ ዝተርኣየ ብርቱዕ ባርዕ ጫካ ልዕሊ 100 ትርብዒት ኪሜ እዩ ኣብሪሱ፤ ኣብ ቺለን ኣውስትራልያን’ውን ተመሳሳሊ ክስተት ተራእዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







