ብርቱዕ ባርዕ ጫካ ታሪኻዊት ከተማ ኣዕንዩ

ዝዓነወት ታሪኻዊት ከተማ ላሃይና

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ዝዓነወት ታሪኻዊት ከተማ ላሃይና

ኣብ ደሴት ማዊ፡ ሃዋይ እትርከብ ታሪኻዊት ከተማ ላሃይና ብሰንኪ ህቦብላ ንፋስ ዘስዓቦ ብርቱዕ ባርዕ ጫካ ከም ዝዓነወት ተፈሊጡ።

ብሰንኪ እቲ ኣብታ ቀንዲ መዕረፊ በጻሕቲ እታ ደሴት ዝዀነት መዘናግዒት ከተማ ላሃይና ዘጋጠመ ባርዕ፡ ብውሕዱ 36 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ነታ ግዝኣት ዝውክል ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ብራያን ሻትዝ፡ ላሃይና "ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተቓጺላ" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ገሊጹ።

ማእከላት ጥዕና እታ ደሴት፡ ብሓዊን ብትኪን ብዝተጎድኡ ሕሙማት ከም ዘዕለቕለቓ ይግለጽ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣሽሓት ሰባት ካብ ገዛኦም ክወጹ ከም ዝተገደዱን ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ እውን ከም ዝተኣወጀ ተፈሊጡ ኣሎ።

ክሳዕ ሕጂ ብዙሓት ሰባት ሃለዋቶም ስለዘይተፈልጠ ድማ ዓቢ ስርሒት ምድላይን ምድሓንን ይካየድ ኣሎ።

ብሰሉስ ምስ መጻምድቱን ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ወዱን ናብ መዕቆቢ ክሃድም ዝኸኣለ ካሙኤላ ካዋኣኮኣ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ዳርጋ ኣብኡ ተሪፍና ነይርና" ኢሉ።

"ኣብኡ ኮፍ ኢለ ከተማይ ናብ ሓሙኽሽቲ ክትቅየር እንከላ እናረኣኹ ዋላ ሓንቲ ክገብር ዘይምኽኣለይ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ" ይብል፤ "ተስፋ ዘቝርጽ እዩ።"

ኣብ ማውይ ሓሙሽተ መዕቈቢታት ከም ዝተዳለዉ ሰበስልጣን ገሊጾም ኣለዉ።

ብተወሳኺ እታ ደሴት፡ ህቡብቲ መዕረፊት በጻሕቲ ብምዃና በጻሕቲ ካብኣ ርሒቘም ክጸንሑ ተማሕጺኖም።

ምክትል ኣመሓዳሪት ሃዋይ ሲልቭያ ሉክ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "እዚ ውሑስ ቦታ ኣይኰነን" ኢላ።

ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ገና ምስ ንጡፍ ባርዕ ሓዊ ክቃለሱ እንከለዉ፡ ሄሊኮፕተራት እውን ካብ ላዕሊ ናብቲ ባርዕ ማይ ብምፍስሳስ ይሕግዛ ኣለዋ።

ምምሕዳር ማዊ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ጻዕርታት ምጥፋእ ባርዕ ሓዊ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ሎሚ ኣብ መንጐ እቲ ንጡፍ ባርዕ ላሃይና 36 ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ኣሎ" ኢሉ።

ብሰንኪ እቲ ባርዕ ብውሕዱ 36 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ብሰንኪ እቲ ባርዕ ብውሕዱ 36 ሰባት ሞይቶም

ከልቡ ከድሕን ሓደጋ ምቅጻል ዘጋጠሞ ማሰን ጃርቪ ዝተበሃለ ነባሪ እታ ከተማ፡ "በቃ ካብ ዝረኣኽዎም እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ’ዩ ኣጋጢሙና። ኵላ ላሃይና ተቓጺላ። መወዳእታ ዓለም’ዩ ዝመስል" ክብል ነባሪ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ፓይለት ሄሊኮፕተር ሪቻርድ ኦልስተን ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ዘስካሕክሕ'ዩ። ኣብዚ ን52 ዓመታት ሰሪሐ'የ፡ ከምዚ ዝበለ ነገር ድማ ርእየ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

ለውጢ ክሊማ፡ ዋዒ ደረቕን ኵነታት ኣየር ክውስኽ ይገብር’ዩ፤ እዚ ድማ ጠንቂ ባርዕ ጫካ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ሙቐት ዓለምና ድሮ ዘመነ ኢንዱስትሪ ካብ ዝጅምር ኣስታት 1.2 ሰልሽየስ ወሲኹ ኣሎ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መንግስታት ኣብ ልቀት ጋዝ ብርቱዕ ምንካይ እንተዘይገይረን ሙቐት እናወሰኸ ክኸይድ እዩ።