ንገማግም ባሕሪ ናብ ሓሙኽሽቲ ዝቕይር ዘሎ ‘መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቅዝፈት' እዩ

ብባርዕ ሓዊ ናብ ሓሙኽሽቲ ዝተቐየረ ገምገም ባሕሪ

እታ መንእሰይ ኣብ ሑጻ ገማግም ባሕሪ ተቓጺሉ ዝወደቐ ጽላል ኣትኲራ ትጥምት ነበረት።

"ንበጻሕቲ ዓዲ፡ ናይ ብሓቂ ዘስካሕክሕን ሕማቕን ተመኵሮ'ዩ፡ ንዓና ግን ኣብዚ ስለ እንነብር ዝገደደ'ዩ። ኵሉ ነገር ተቓጺሉ'ዩ።"

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ገማግም ባሕሪ፡ ሮድስ ምስ ወለዳ ኣብ ሊንዶስ እትነብር ጓል 19 ዓመት ኤዲሳ፡ ነቲ ንደሴታት ግሪኽ ዘዕነወ ባርዕ ጫካ ርእያ እያ።

ኣብዚ ኣብ ዘለዋ ብዙሓት ሆቴላት ዝሰርሑ ስድራቤት፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ምስ ኣሽሓት ንበዓላት ዝመጹ ኣጋይሽ ካብ ገዛኦም ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለዉ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሊስትራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ካብቲ ዝነድድ ዋዒ እናተዓቝቡ ከለዉ ኢና ረኺብናዮም። ኤዲሳ እናተዛረበት ከላ፡ ንኣሽቱ ብጫ ኣዕዋፍ ኣብ ጓጓኣ ጫውጫው ይብላ ነይረን፤ እቶም ስድራቤት ነተን ኣዕዋፍ ተሰኪሞም ናብ ውሑስ ቦታ ወሲዶምወን።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ጥራይ፡ በጻሕቲ ኣብቲ ሰማያዊ ማይ ይሕምብሱን ይዘናግዑን ነይሮም።

ሕጂ ተሪፉ ዘሎ ትክን ዝነድድ ሓሙኽሽቲ ናይቲ ካፈ ዝመስልን እቲ ዝነደደ ቅርጽን ጥራይ እዩ።

ኤዲሳ ገዛኦም ከይተጎድአ ከምዝደሓነ ተነጊርዎ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ጐረቤቶም ባርዕ ይነድድ ኣሎ፡ መብዛሕትኡ ከባቢ ድማ ኣዝዩ ተሃስዩ። ኣብዚ ንመጻኢኣ ትፈርሕ።

"ንኽጽገን ብዙሕ ዓመታት ክወስደሉ'ዩ፡ ድሕሪ እዚ ዅሉ ድማ በጻሕቲ ዓዲ ክምለሱ ዝደልዩ ኣይመስለንን" ትብል።

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ገማግም ባሕሪ ሮድስ ምስ ወለዳ ኣብ ሊንዶስ እትነብር ጓል 19 ዓመት ኤዲሳ፡ ነታ ደሴታት ግሪኽ ዘዕነወ ባርዕ ጫካ ርእያ እያ።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ገማግም ባሕሪ ሮድስ ምስ ወለዳ ኣብ ሊንዶስ እትነብር ጓል 19 ዓመት ኤዲሳ፡ ነታ ደሴታት ግሪኽ ዘዕነወ ባርዕ ጫካ ርእያ እያ።
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ጸሊም ጃኬት ድርብ ዘበለ ሰብኣይ፡ ዘንጸባርቕ መነጽር ጸሓይ ገይሩ፡ ስብርባር ናይቲ ኣብ ማይ ስፖርት ዝካረ ትካሉ ክዕዘብ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፡ ብርቱዕ ንፋስ ጨና ትኪ ካብ ርሑቕ የምጽኣሉ ነይሩ።

ታኪስ ሚትሮፑሎስ ገዲፍዎ እዩ ዝመስል፤ ግን ከኣ ንእሽቶ ተስፋ ገይሩ ኣሎ።

"እቲ ቢዝነስ ስኢንናዮ ኢና። ግን ብህይወት ኣለና፤ ዳግማይ ክንጽግኖ ድማ ተስፋ ንገብር። ጥዕና እንተሃሊዩ፡ ኵሉ መሊስና ክንሰርሖ ንኽእል ኢና።"

ብዙሕ ከይጸንሐ ግን ተሌፎን ተደዊልዎ። እቲ ሓዊ መሊሱ ይዛባዕ ኣሎ። ኣብዚ ዅሉ ሰብ ኣብ ሓያል ‘ተጠንቀቕ’ እዩ ዘሎ፤ እቲ ንፋስ ናብኣቶም ገጹ ከየዘምብል ስግኣት ኣለዎም።

እዚ ሓደጋ፡ ኣብ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዘስካሕክሕ ጽልዋ የሕድር ከምዘሎ ኣብ ሮድስ ሽዱሽተ ጨንፈር ዘለዎ ኤች ሆቴላት ኣካያዲ ዕዳጋ፡ ኪርያኮስ ሳሪካስ ገሊጹ።

ነቲ ሰፊሕ ዝሑል መቐበሊ ኣጋይሽ ናይ ሓደ ሆቴል ክንሰግር ከለና፡ ርጋጽናይስማዕ ነይሩ። ኵሎም ኣጋይሽ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ካብቲ ቦታ ግዒዞም እዮም።

ብዙሓት ሰራሕተኛታት እቲ ከባቢ እውን ክሃድሙ ከምዝተገደዱ ወሲኹ ገሊጹ። ሰበስልጣን፡ ነበርቲ ካልኦት ሓያሎ ዓድታት’ውን ከምዝወጽኡ ኣፍሊጦም።

"ከም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቅዝፈት እዩ" ይብል።

እቲ ሆቴል ንባዕሉ ዛጊድ ጉድኣት ኣይወረዶን ዘሎ ።

እንተዀነ፡ እቲ ባርዕ ገና ይነድድ ስለ ዝነበረ፡ መጠን ዕንወት ምሉእ ብምሉእ ንምግምጋም ግዜኡ ገና እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ናብ ሓሙኽሽቲ ዘተቐየረ መልክዓ-ምድሪ ግን ኣዝዩ ኣሰንቢድዎ ኣሎ።

"ካብዚ ቅልውላው ወጺእና ንዅሉ እቲ ከባቢ ናብ ንቡር ንምምላስ መደብ ክህልወና ኣለዎ። እቲ ሆቴል ሆቴል'ዩ - ዳግማይ ክትሃንጾ ትኽእል ኢኻ፡ ዳግማይ ክትቀብኦ ትኽእል ኢኻ - እቲ ተፈጥሮ ግን ኣገዳሲ ነገር'ዩ፡ ምኽንያቱ እዚ ኵሉ ውጽኢት ናይቲ ዘጋጥመና ዘሎ ከባብያዊ ቅልውላው'ዩ።"

ብመኪና ናብ ሰሜን ገጽና ክንምለስ ከለና፡ ሓያሎ ትኪ ነቲ ብሸነኽ ምዕራብ ዝነበረ ኣግራብ ዝበዝሖ ጎቦታት ሸፊንዎ ነይሩ።

መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ኣብ ወሰን ጽርግያ ተኣኪበን ነበራ።

ሓደ ክልተ ካብ ቁሸት ዝደሓኑ ሰባት፡ ኣርሒቑ ዘርኢ መነጽር ገይሮም፡ መጥፋእቲ ሓዊ፡ እቲ ሃልሃልታ ኣባይቶምን መነባብሮኦምን ከየዕኑ ክቃለሱ ከለዉ ክዕዘቡ ተኣኪቦም ይርእዩ ነበሩ።