ሓምሻይ ዓመት ዝኽሪ ባርዕ ሓዊ ግሪንፈል ታወር ለንደን

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብ14 ሰነ 2017 ኤርትራዊት ሳምያ ምስ በዓል ቤታን ደቃን ኣብቲ 27 ደርቢ ዘለዎ ግሪንፈል ዝተባህለ ህንጻ ብዝጋጠመ ባርዕ ሓዊ ተጎዲኣ።
ኣብዚ ሕጂ ንሓምሻይ ዓመቱ ዝኽበር ዘሎ 72 ሰባት ዝቐዘፈ ባርዕ ሓዊ፡ ወለዳን አሕዋታን ፈለጥታን መቕርባን በቲ ዘስካሕክሕ ቅዝፈት ኣዝዮም ጕህዮም።
ብርኽቲ ሃብቶምን ቡሪኽ ሃብቶምን ዝተባህሉ ኢትዮጵያውያን እውን ካብቶም ኣብቲ ህንጻ ህይወቶም ዝሰኣኑ 72 ሰባት እዮም።
ከምኩሎም ኣብታ ህንጻ ሃንደበት ብዘጋጠመ ሓደጋ ዝጠፍኡ፡ ስድራ ቤታ “ ኣለው!” እናበሉዎም፤ ከም ቀደሞም ደቂሶም ምስ ተንስኡ ክርእዩዎም፡ ክረኽቡዎም፡ ሓቢሮም ቡን ክሰትዩን ምሳሕ ክበልዑን እናተጸበዩ፡ ንጸልማት ብዝቐደደ ሃልሃልታ ባርዕ ሞቶም ተረዲኦም።
ምስዞም ኤርትራውያን ስድራ፡ ደቂ ዝተፈላለያ ሃገራት ብድምር 72 ትንፋስ ጠፊኦም። እቲ ጉዳይ ኣብ ምምሕዳር እቲ ከባብን ኣብ መንግስቲ ዓዲ ኢንግሊዝን ብዙሕ እዩ ኣዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋን ብቕልጡፍ ዝተባርዐ ህንጻን ዝተሰርሓሉ ንጥረ ነገራትን ኣብ ምርመራ ጸኒሑ ኣሎ።
እቲ ጉዳይ ከምኡ ኢሉ እንከሎ ግን ዓመታዊ ስድራን መቕርብን ዝምልከቶም ሰበስልጣን መንግስትን ንጉሳውያን ቤተሰብን ነቶም ግዳያት ብኽብሪ ይዝክሩዎም።
ኣብዚ ትማሊ 14 ሰነ 2022 ዝተኻየደ መበል 5ይ ዓመት ዝኽሪ እቲ ኣብ ሰሜን ከንዚንግተን: ምዕራብ ለንደን: ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ዊልያም ፊሊፕን በዓልቲ ቤቱ ኬትን ኣብ እግሪ እቲ ዝነደደ ፐላሶ “ግረንፈል” ተረኺቦም ጸሎት ኣብጺሖም። ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ነበር ተሬዛ መይን ከንቲባ ከተማ ለንደን ሳዲቕ ካሃንን ካልኦት ሓለፍቲ መንግስትን ሰልፍታትን እውን ተረኺቦም ነይሮም።
ኣብቲ ናይ ጸሎት ዝኽሪ እቶም ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፉን ቤተሰብ እቶም ብባርዕ ሓዊ ዝተጎድኡዎምን እቶም ልዑላንን ብሓባር ዘኪሮምዎም።
ቅድሚ ሽዑ እውን ዊልያምን ኬትን ኮነ ካልኦት ኣባላት ንጉሳዊ ስድራን ሰበስልጣን መንግስትን እቲ ንህዝቢ ለንደንን ብሪጣንያን ዘሰምበደ ሓደጋ ባርዕ ምስ ኣጋጠመ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ሓዘኖም ብምግላጽ ንስድራ መወትቲ ጽንዓት ተመንዮምሎም። ሽዑ ነበርቲ እታ ህንጻ ኣብ ድቃሶም እንከለው ብዙሓት ካብ ዝደቀሱዎ ከይተንስኡ ብባርዕን ዒግታ ትክን ተዓቢሶም ህይወቶም ሓሊፉ።
ኣብቲ ናይ ሓምሻይ ዓመት ዝኽሪ ከኣ፡ ንነብሲ ወከፍ እቶም 72 ትንፋስ ዝውክል ዝኽሪ 72 ደቓይቕ ተገይሩ። ኣብቲ ናይ ዝኽሪ ደቓይቕ ከቢድ ጸጥታ ሰፈነ። ብድሕሩኡ ሰባት ብጸሎትን ሕልናዊ ዝኽርን ንሓድሕዶም ተጸናኒዖም። እቲ ከምኡ ዓይነት ዝኽሪ ነቲ ማሕበረሰብ "ዓብዪ" ነገር ከም ዝኾነ ከኣ እቶም ነበርቲ ይገልጹ።
ምስ ደቃ ንቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ዝነበሩ ሓሙሽተ ዝሞቱ ቆልዑ እትፈልጥ ሙና ሁሰይን፡ እቲ በዓል ከም ማሕበረሰብ ብሓባር ክንሓስብን ክንሓዝንን ክንጸናንዕን ስለዝድግፈና በቲ ዝተገብረ ዝኽሪ ሕጉስቲ እየ ትብል።
ሽምዓን ዕምበባን ንስም
ኣብ እግሪ “ግሪንፈል ታወር” እታ ብሓዊ ዝነደደት ፐላሶ ንስም እታ ህንጻ ዝውክል ቀጠልያ ዝሕብሩ ናይ ልቢ ምልክት ዘለዎ ምልክት ተነቢሩ። ንክልተ ኪሎ ሜተር ዝኣክል ስቕታ ዝመልኦ ሰላማዊ ጉዕዞ እውን ተገይሩ። ብዙሓት ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ እቲ ከባቢ ከኣ "ግረንፈል" ዝብል ምልክት ሓምላይ ልቢ ሒዞም ኣብ ጐደናታት ተሰሊፎም ንግዳያት ዘኪሮም።
ኣብቲ ናይ ዝኽሪ ጉዕዞ፡ ቲም ዳኒዝስሙ ተዋሳኣይ፦ "ኣብዚ እዋን ነቶም ብዘይተጸበዩዎ ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑ 72 ንጹሃት ሰባት፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣዴታትን፡ ኣዴታትን ኣቦታትን፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ፡ ኣሓትን አሕዋትን ኣኮታትን ኣሞታትን፡ ደቂ ሓብትን ደቂ ሓውን ኩሉ ፈታዊ የኽብሮም ይዝክሮም ኣሎ። ኩላትና ከቶ ኣይንርስዖምን ኢና። ንዘለኣለም እውን ኣብ ልብና ኣለው” ኢሉ።
ሓላፊ ትካል እስላማዊ ባህላዊ ማእከል ኣብ ሰሜን ከንዚንግተን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሺም ሓደ ካብቶም ኣብ ምኒስተር ኣቢ ኣብ ዝተገብረ ዝኽሪ ኣስማት ጉድኣት ዘንበቡ ሰባት ነይሩ።
ዓብዱራሕማን “ ጉዳይ ግረንፈል ጉዳይ ሓዘን ጥራሕ ዘይኮነ ግዳይ ፍትሕን ሰብኣውነትን ስለዘለዎ፡ ብሞት እቶም ግዳያት መን እዩ ዝሕተት ዝብል ነገር ገና ስለዘይተወደአ፡ ሰበስልጣናትን ናይ ህዝቢ ተወከልትን ሲቪክ ማሕበራትን መዛዘሚ ንክግበሮ ዝነጥፍሉን እዩ” ክብል ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተፈጸመ ነገር ብሓዘን ይዝክሮ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰሉስ ቅድሚ ቀትሪ ልክዕ ሰዓት 11: 00 ኣብ ዌስት ሚኒስተር ኣቢ ነቶም ብሓዊ ዝተጎድኡ 72 ሰባት ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት ተገይሩሎም። ኣስማት ናይቶም ዝሞቱ ግዳያት ተነቢቡ። ነብሲ ወከፍ ስም ክጽዋዕ እንከሎ ከኣ ተሳተፍቲ ዝኽሪ "ንዘለኣለም ኣብ ልብና" እናበሉ ይምልሱ ነበሩ።
ኣብቲ ናይ ዝኽሪ ስነ ስርዓት መደረ ከቕርብ ዝተዓደመ ስሙይ ጋዜጠኛ ጆን ስኖው፦ "ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝሃብተመ ክፋል እታ ከተማ ዝርከብ ግረንፈል፡ [ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ] ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዝነበረ ዘይማዕርነት ዘርኢ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ "ሕጂ ነቲ ብሰንኪ ሓደጋ ግረንፈል እተላዕለ ጕዳይ "ክንገጥሞ ኣሎና" ኢሉ ።
ጉዳይ ባርዕ ግሪንፈል ታወር መን እዩ ዝሕተተሉ ዝብል ዛዕባ ክሳብ ሕጂ ኣብ መስርሕ ስለዘለዎን ስለዘይተዓጽወን ንብዙሓት ስድራ ቤት ኮነ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣዘራረቢ ኮይኑ ብምህላው እዩ ዓመት ዓመት ብድምቀት ዝዝከርን ዝኽበርን ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







