ትኪ ናይቲ ኣብ ካናዳ ዝተልዓለ ባርዕ ጫካ ኣውሮጳ በፂሑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ካናዳ 483 ባርዕ በረኻ ኣጋጢሙ ኣሎ። ካብዚኦም ልዕሊ 250 ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኖም ከምዘለዉ ይንገር።
እቲ ተልዒሉ ዘሎ ባርዕ ሓዊ ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 8.1 ሚልዮን ሄክታር ስፍሓት መሬት ዘቃጸለ ኰይኑ፡ ካናዳ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እቲ ዝኸፍአ ባርዕ ጫካ እዩ ገጢሙዋ ዘሎ።
እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ዝነበረ ብ21 ዕጽፊ ይዛይድ ተባሂሉ።
እቲ ባርዕ በረኻ፡ ልዕሊ ዝዀነ እዋን መጠን ልቀት ካርቦን እውን ከምዘስዓበን፡ ካብኡ ዝወጽአ ትኪ ክሳብ ኤውሮጳ ከምዝበጽሐን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ 1989፡ ኣብ ካናዳ 11 ሽሕ ባርዕ ሓዊ ከምዝተመዝገበ ሰነዳት መንግስቲ ይሕብሩ።
ኣብ ዓመተ 2023፡ ኣብታ ሃገር ዝተልዓለ ብዝሒ ባርዕ ዳርጋ 3 ሽሕ እንትኸውን፡ ኣብ ሓደ ዓመት ዝበዝሐ እንተዘይኰነ’ኳ፡ ብዓቐን ኣዝዩ ሰፊሕን ዝኸፍአን ምኳኑ እዩ ዝንገር።
ሰበስልጣን መንግስቲ ፌደራል ካናዳ፡ እቲ ባርዕ "ካብቲ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝተልዓለ" ዝያዳ ከቢድ ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ።
ጥዕናዊ ሳዕቤናት
ኣብ ከተማታት ቶሮንቶን ኦታዋን፡ ኩነታት ኣየር ብፍላይ ንኽልተ መዓልታት- ረቡዕን ሓሙስን-ኣብ ጥዕና ሰባት ‘ሐደገኛ’ ሳዕቤን ከይህልዎ ተሰጊኡ ኣሎ።
ኣብ ገለ ከባብታት ግዝኣት ኩቤክ፡ ክሳብ ትማሊ ረቡዕ 115 ባርዕ ሓዊ ዝተልዓለ ዀይኑ፡ ኣብ ምጥፋእ ሓውን ማይ ኣብ ምንጻግን ዝተዋፈራ ሄሊኮፕተራት፡ ብሰንኪ እቲ ሓያል ትኪ ክንቀሳቐሳ ከምዘይከኣላ ተገሊፁ።
ካብ ግዝኣታት ኣሜሪካ፡ እቲ ባርዕ ሓዊ ካብ ዶባት ካናዳ ኣዝዩ ርሒቑ ዝተራእየ ኮይኑ፡ ብፍላይ ካብ ካንሳስ ክሳብ ኬንታኪ ዝበጽሕ ከባቢታት ዝርከቡ ዓሰርተታት ሚልዮናት ሰባት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ትሕቲ መጠንቀቕታ 'ብከላ ኣየር' ኣትዮም ኣለዉ።
ኣብ ኣሜሪካ፡ ብከላ ኣየር ኣብ ገለ ክፋል ግዝኣት ኢሊኖይ ‘ጥዕና ዘይብሉ’ ተባሂሉ ክምደብ እንከሎ፡ እቲ ትኪ ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ቺካጎ ናይ ሓጋይ መደባት ኣብ ውሽጢ ገዛ ከካይዳ ኣገዲድወን።
ከተማ ቺካጎ ምስ ዲትሮይትን ሚኒያፖሊስን፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ዝኸፍአ ደረጃ ‘ጽሬት ኣየር’ ዘለዎን ከባብታት ትስራዕ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዓቐን ካርቦን ልቀት
ኣገልግሎት ምክትታል ህዋ ኮፐርኒከስ ሕብረት ኤውሮጳ (CAMS)፡ እቲ ትኪ ብልዕሊ ርሑቕ ምብራቕ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ሓሊፉ ናብ ኣየርላንድ፣ ፈረንሳን ስጳኛን ከምዝተጓዕዘ ገሊጹ።
እቲ ትካል ወሲኹ ከምዝበሎ፡ እቲ ባርዕ ጫካ 160 ሚልዮን ቶን ካርቦን ከምዝለቐቐን እዚ ድማ ካብ 2014 ጀሚሩ ካብ ዝኾነ ዓመት ዝበዝሐ ከምዝኰነን እዩ።
ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ነዚ ካብ ግንቦት ክሳብ መስከረም ወቕቲ ከም ዝጸንሕ ዝተነግረሉ ባርዕ ሓዊ፡ "ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ" ምዃኑ ገሊጾም።
እዚ ኩነታት፡ እዚ ኣብ ምሉእ ሓጋይ ክቕጽል ምዃኑን ካብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ግዝኣት ብሪቲሽ ኮሎምብያ ክሳብ ኣብ ምብራቕ ኣትላንቲክ ካናዳ፡ ካልእ ልዑል ሓደጋ ባርዕ ጫካ ከስዕብ ምዃኑ ይግመት።
ዕንወትን ተዛማዲ ሳዕቤናትን
"ለውጢ ክሊማ ኣብ ካናዳ ተደጋጋምን ነዊሕን ወቕቲ ባርዕ ይፈጥር ኣሎ" ይብል ዋና ዳይረክተር ማእከል ሰሜናዊ ኣግራብ: ኣብ ክፍሊ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ካናዳ ማይክል ኖርተን።
እቲ ባርዕ ጫካ ክሳብ ሎሚ ኣብ መላእ ሃገር ካናዳ፡ ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ክመዛበሉ ምኽንያት ኰይኑ።
ገለ ባርዕ ሓዊ ኣባይትን ንብረትን ኣዕንዩ ኣሎ። ኣብ ጥቓ ሃሊፋክስ ዝተብሃለት ዓባይ ከተማ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ ኣብ ግንቦት ልዕሊ 200 ህንጻታት ኣዕንዩ ነይሩ።
ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ካናዳ ድማ፡ እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ መጀመርታ ግንቦት ዝጀመረ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ይንገረሉ። ግዝኣት ብሪቲሽ ኮሎምብያ ልዕሊ 550 ሽሕ ሄክታር ዝሽፍን ባርዕ ሓዊ ንምቁጽጻር ትቃለስ ኣላ።
ንምቑጽጻር ዝግበሩ ዘለዉ ጻዕርታት
ካናዳ ነቲ ባርዕ ጫካ ንምምካት ሰራዊታ ኣብ መላእ ሃገር ኣዋፊራ ኣላ።
ኣሜሪካ፣ ኣውስትራልያ፣ ኒውዚላንድን ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ፈረንሳ፣ ሜክሲኮ፣ ስጳኛን ቺለን ሓዊሱ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ኣስታት 1500 ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ፡ ኣብ ባይታ ተዋፊሮም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፡ ካናዳ ምስ ኣሜሪካ ሓደ ስምምዕ ዝፈረመት ኰይና፡ ክልቲአን ሃገራት ባርዕ ሓዊ ንምቁጽጻር ንሓድሕደን ክተሓጋገዛ ዘኽእል እዩ ተባሂሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጃስቲን ትሩዶ፡ ኣብታ ሃገር ተላዒሉ ዘሎ ሓያል ባርዕ ሓዊ፡ "ከቢድን ልቢ ዝሰብርን" ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ መላእ ካናዳ፡ ብርክት ዝበሉ እገዳታት ምንዳድ ሓዊ ዝተነብሩ ዀይኖም፡ ኣብቲ ልዑል ሓደጋ ባርዕ ጫካ ዘለዎም ከባቢታት ዝርከቡ ነበርቲ ተወሳኺ ጥንቃቐ ክገብሩ ሰብ መዚ መንግስቲ ኣጠንቂቖም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







