ኣሰካፊ ዘሎ ዋዒ ሰባት ብኸመይ ይጻወርዎ ኣለዉ?

ጃስቲን ሮውላት - ኣሰናዳኢ ክሊማ ቢቢሲ ካብ ሙርስያ ስጳኛ
መግለጺ ስእሊ, ጃስቲን ሮውላት - ኣሰናዳኢ ክሊማ ቢቢሲ ካብ ሙርስያ ስጳኛ

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዓለም ሚልዮናት ሰባት ብርቱዕ ዋዒ የጋጥሞም ኣሎ።

ከምዚ ዓይነት እዋናት ኣብ ክሊ ተፈጥሮኣዊ ኵነታት ኣየር ዝኽሰት ንቡር እዩ።

ብደረጃ ዓለም ግን፡ ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም፡ ተደጋጋሚ፡ ጽዑቕን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕን እናዀነ ይኸይድ ኣሎ።

ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ኣብ ገለ ካብተን ሙቐት ካብቲ ልሙድ ልዑል ዝዀነለን ከባቢታት ይርከቡ።

ጃስቲን ሮውላት - ኣሰናዳኢ ክሊማ ቢቢሲ ካብ ሙርስያ ስጳኛ

ኣብዚ ደቡባዊ ስጳኛ ነዊሕን ኣዝዩ ውዑይን መዓልቲ ኰይኑ ኣሎ።

ሓቂ ንምዝራብ፡ ናብ ክፍሊ ሆቴልና ተመሊስና፤ ስራሕና ክንውድእ ምእንታን መዝሐሊ ኣየር ተጠቒምና።

ኣዝዩ ዝገርም እዩ፤ ኣብዚ ምስ ገለ ሰባት ናይ ምዝርራብ ዕድል ረኺብና ነይርና።

ብዙሓት ካብኣቶም፡ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ንክሊማ እቲ ዞባ ብዝገርም መንገዲ ዳግማይ ይቐርጾ ከምዘሎ ከምዝኣምኑ ይዛረቡ።

ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ እቲ ዞባ ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ይቕየር ኣሎ ይብሉ።

ሓደ ሰብ ነቲ ይፍጸም ኣሎ ኢሉ ዝኣምነሉ መግለጺ ምስ ሰኣነሉ፡ “ምድረበዳ ሰሃራ ቀስ ብቐስ ናብ ኣውሮጳ ይኣቱ ኣሎ” ኢሉ።

እቲ ለውጢ ድማ ብዛዕባ መጻኢ ዓለም መሰረታዊ ሕቶታት የልዕል ኣሎ።

ኣብ መጻኢ ሕርሻ ክሳብ ክንደይ ተግባራዊ ክኸውን እዩ? በጻሕቲ ዓዲ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሓጋይ ናብዚ ክመጹ ድዮም ዝኣመሰሉ ሕቶታት- የልዕል።

ምኽንያቱ እዚ ማለት፡ ደቡባዊ ስጳኛ - ከም ካልእ ክፋል ዓለም - ዝያዳ ውዑይ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ጋዜጠኛ ሶፍያ ቤቲዛ - ካብ ፓለርሞ ሲሲሊ

ኣብ ሲሲሊ ዝርከብ ዞባ ፓለርሞ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ኣውሮጳ ዝለዓለ ሙቐት ዝተመዝገበሉ ቦታ'ዩ - እዚ ሕጂ ዘሎ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ንዕኡ ክሓልፎ ይኽእል'ዩ።

ሰኑይ ኣዝዩ ውዑይ ስለ ዝነበረ ሓያል ጸቕጢ ኣየር ተሰሚዑኒ።

ፓለርሞ ኣብ ትሕቲ ‘ተሪር/ቀይሕ መጠንቀቕታ’ ኣትያ ኣላ።

እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ዋዒ ነቶም ዝያዳ ተቓላዕቲ ክፋላት ማሕበረሰብ፡ ከም ንኣሽቱ ህጻናትን ኣረጋውያንን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዅሉ ሰብ ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእል እዩ።

ናብዚ ምብጻሕ ባዕሉ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።

ምኽንያቱ ትማሊ ምሸት ባርዕ ሓዊ ስለዝተላዕለ፡ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ደሴት- ካታንያ፡ ክዕጾ ምኽንያት ኰይኑ።

እቲ ባርዕ፡ ምስቲ ማዕበል ሙቐት ዝተኣሳሰር ድዩ ኣይኮነን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ግን፡ ሲሲሊ ከቢድ ባርዕ ጫካ ርእያ እያ፣ እዚ ድማ ንሓያሎ ከባቢታት እታ ደሴት ኣዕንዩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ጥራይ 55 ሽሕ ሄክታር መሬት ጠፊኡ እዩ።

ጋዜጠኛ ሳማንታ ግራንቪል - ካብ ላስ ቬጋስ፡ ኔቫዳ

እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ጽዑቕ ዝነበረ ጐደናታት ላስ ቬጋስ ትማሊ ሰንበት ካብቲ ልሙድ ኣዝዩ ባዶ ዀይኑ ውዒሉ።

ሓለውቲ ጸጥታ፡ ሰባት ዘሊሎም ከይኣትዉ ንዓበይቲ ካዚኖታትን ሆቴላትን ይሕልዉ ነይሮም።

እቲ ፍሉጥ ጐደና ላስ ቬጋስ ጽምው ዝበለ ገሃነም መሲሉ ውዒሉ። ገለ ሰባት ኣብ ደገ ይረኣዩ ነይሮም፤ መብዛሕትኦም ግን ናብቲ ዝቕጽል ካዚኖ ጽርግያ ክሰግሩ ጥራይ እዮም ዝረአዩ።

ኣብቲ ጐደና፡ ኣብ ዝርከብ ድኳን ታኮ፡ እቶም ጠረጴዛታት ኵሎም ብረሃጽ ዝተጠመቑን ሰባት መሊኦም ነበሩ።

ሰራሕተኛታት እውን ኣብቲ ዳሳት ኣጽሊሎም ነንሕድሕዶም ኣይዛረቡን እምበር፡ ርእሶም የድንኑ ነይሮም።

ኣብ ውሽጢ ካዚኖታት ግን ስራሕ ከም ንቡር ይቕጽል ነይሩ።

እቲ መዝሐሊ ኣየር ኣዝዩ ልዑል ስለዝነበረ፡ ገለ ዝቘረሩ ሰባት ድማ ጐልፎ ተኸዲኖም ነይሮም።

እቲ ዋዒ ንዝተወሰነ እዋን ክቕጽል ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ሰብመዚ ድማ፡ ተቓላዕቲ ሰባት - ህጻናት፡ ነፍሰጾራትን ኣረጋውያንን ሓዊሱ፡ ምስ ሙቐት ዝተኣሳሰር ከቢድ ሓደጋ ከምዘጋጥሞም የጠንቅቝ ኣለዉ።

ተንቀሳቐስቲ ክሊኒካት ብዋዒ ዝሳቐዩ ገዛ ዘይብሎም ሰባት ይሕክማ ከምዘለዋ ይሕብራ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ካሊፎርንያን ኔቫዳን ዝርከቡ ህዝባዊ ኣዳራሻት፡ ሰባት ካብ ዋዒ ክዕቆቡሉ ናብ ዝኽእሉ "ማእከላት መጽለሊ" ተቐይሮም ኣለዉ።