ኣመሪካ፡ ንልዕሊ 100 ሚልዮን ነበርቲ ዝጸለወ ሓያል ዋዒ ብኸቢድ ይቕጽል

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ደቡብ ምዕራባዊ ኣመሪካ ዘጋጠመን ኣብ ልዕሊ 110 ሚልዮን ህዝቢ ጽልዋ ዘሕደረን ሓያል ዋዒ፡ ኣመና ሓዪሉ ብምቕጻሉ ነበርቲ ጥንቃቕ ክገብሩ ይንገሩ ኣለዉ፡፡
38 ከተማታት ኣሜሪካ ኣብ ታሪኸን ርእየናኦ ዘይፈልጣ መጠን ሙቐት ክምዝገብ ይኽእል እዩ፡፡
ብሰንበት ኣብ ላስ ቬጋስ ዝተመዝገበ ዋዒ፡ ካብቲ ኣብታ ከተማ ቅድሚ ሕጂ ዝተመዝገበ 47.7 ዲግሪ ሰንትግሬድ ዝልዕል ወይ ተመሳሳሊ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ፡፡
ብተመሳሳሊ፡ ደቡባዊ ኣውሮጳ እናወሰኸ ይኸይድ ብዘሎ ሙቐት ዝተጠቕዐ ኰይኑ፡ ካናዳ እውን ኣብ ታሪኻ ዝኸፍአ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢምዋ ኣሎ፡፡
ተመራመርቲ ምስ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ዝተኣሳሰር ክሊማዊ ለውጢ፡ ከቢድ ኵነታት ኣየር ዘስዕቡ ኣጋጣሚታት ክፈጥር ምዃኑ ንነዊሕ እዋን ከጠንቅቑ ጸኒሖም እዮም፡፡
ኣብ ዙርያ ሎስ ኣንጀለስ፡ ሓያል ዋዕን ውሑድ ጠልን ኣብ ዘለዎ ኵነታት ኣየር፡ ኣማኢት ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ዝቃለሱ ዘለዉ ኰይኖም፡ ኣብ ደዝ ቫሊ ካሊፎርንያ ድማ ብሰንበት 53.9 ዲግሪ ሰንትግሬድ ሙቐት ተመዝጊቡ፡፡
እቲ ከባቢ ኣብ ዓለም እቲ ጥሉል ዝለዓለ መጠን ሙቐት፡ 56.7 ዲግሪ ሰንትግሬድ፡ ዝተመዝበሉ እዩ፡፡
ብሰብ ዘዕለቕልቝ ጎደናታት ላስ ቬጋስ ጽምዋ ዓሲልዎም ይረኣዩ፤ ኣባላት ጸጥታ ድማ፡ ሰባት ናብቶም ኣብ ዓበይቲ ካዚኖታን ሆቴላትን ዘለዉ ሰብሰርሖ ነጸግቲ ማይ (ፋውንቴናት) ዘሊሎም ከይኣትዉ ይሕልዉ ኣለዉ፡፡
ኣብ ቴክሳስ አትርከብ ኤል ፓሶ እውን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ፡ ብዘይ ዕረፍቲ 38 ዲግሪ ሰንትግሬድን ልዕሊኡን ተመዝግብ ኣላ፡፡
ኣብ ፎኒክስ ኣሪዞና ን 17 መዓልታት 43 ዲግሪ ሰንትግሬድ ተመዝጊቡ፡፡
እቲ ሙቐት ክሳብ ዘይተፈለጠ እዋን ከምዝቕጽል ክግለጽ እንከሎ፡ ብዝለዓለ ተቓላዕቲ ዝዀኑ ህጻናት፡ ነፍሰ ጾራትን ዓበይትን ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ሰብ መዚ የጠንቅቑ፡፡
ተንቀሳቐስቲ ክሊኒካት ብሰንኪ ሙቐት ሳልሳይ ደረጃ ምቅጻል ንዘጋጠሞም ግዳም ሓደራት ይሕክማ ኣለዋ፡፡ ኣብ ካሊፎርንያን ነቫዳን፡ ህዝባዊ ህንጻታት፡ ሰባት ናብ ዝዕቈቡሎም መዝሓሊታት ተቐዪሮም ኣለዉ፡፡
ብኻልእ ወገን፡ ናብቲ ሓያል ዋዒ ዘመዝግብ ዘሎ ከባቢ ካሊፎርንያ፡ በጻሕቲ ነቲ ሓያል ሙቐት ንምዕዛብን ገዛእ ርእሶም ንምፍታንን ይመጹ ከምዘለዉ ተሓቢሩ፡፡
ኰይኑ ግን ውጽኢት ክሊማዊ ለውጢ ከምዝዀነ እዮም ዝኣምኑ፡፡
ቶም ኮሚታ ዝተባህለ በጻሒ ንሮይተርስ፡ ‘‘ሰባት ነዚ ክጽምብሉ ይመጹ ኣለዉ፤ ደስ ኢሉዎም ኣሎ፡፡ ናብ ጽቡቕ ዘሰጋግር ግን ኣይኮነን፡፡ ኣነ ዘሐጉስ መዓልቲ ሞት ኢለ እየ ዝጽወዖ ዘለኹ’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡
ኣየር ብሓያል ጸቕጢ ናብ መሬት ተደፊኡ ኣብ ዝወርደሉ ዘጋጥም ሓያል ዓፋኒ ሙቐት ኮይኑ፡ እቲ ጸቕጢ ነቲ ከባቢ ከዝሕሉ ዝኽእሉ፣ ደበና ዝናብን ኵነታት ኣየርን ከይፍጠሩ ይገብር፡፡
እቲ ኣብ ደቡብ ምዕራባዊ ኣመሪካ ዝርአ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ኣየር፡ ካብቶም ኣብቲ ዞባ ዘጋጠሙ ከበድቲ ኵነታት ከምዝዀነ፡ ሃገራዊ ኣልግሎት ክሊማ ኣመሪካ ይገልጽ፡፡
እቲ ትካል ዝርግሐ እቲ ሙቐት፡ ኣብ መፋርቕ እዚ ሰሙን ናብ ካልኦት ከባቢታት ደቡባዊ ኣሜሪካ ከም ዝጋፋሕ እውን ሓቢሩ፡፡
ገለ ከባቢታት ኣሜሪካ ብኣንጻሩ፡ ማዕበላዊ ንፋስን ውሑጅን የተኣናግዳ ኣለዋ፡፡
ሰውራ ኢንዳስትሪ ካብ ዝውላዕ ንደሓር፡ ሙቐት መሬት ብ 1.1 ዲግሬ ሰንትግሬድ ክውስኽ እንከሎ፡ መንግስታት ልቀት ጋዝ ኣዝዩ ከምዝጐድል እንተዘይገይሮም ሙቐት መሬት እናወሰኸ ክኸይድ እዩ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







