ባይደን፡ ቻይና መጥቃዕቲ እንተፈፂማ ሃገሩ ንታይዋን ከምእትከላኸለላ ደጊሙ ኣረጋጊፁ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ብቻይና "ዘይተሓሰበ መጥቃዕቲ" እንተተፈጺሙ፡ ሃገሩ ንታይዋን ክትከላኸለላ ምዃና ደጊሙ ገሊጹ።
ባይደን ምስ ማዕኸን ዜና ‘ሲቢኤስ’ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ሓይልታት ኣሜሪካ ንታይዋን ክከላኸሉ እዮም ማለት ድዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ "እወ" ዝብል መልሲ ሂቡ።
እቲ ብሰንበት ዝተፈነወ ቃለ መሕትት፡ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ብወገኑ ፖሊሲ ኣሜሪካ ከም ዘይተቐየረ ደጊሙ ከረጋግፅ ዝደፋፍአ ነይሩ።
ፖሊሲ ዋሽንግተን ወትሩ "ስትራተጂካዊ ዘይንፁርነት” ዘለዎ ኮይኑ፡ ንታይዋን ንምክልኻል መረጋገፂ ኣይህብን’ዩ።
እንተዀነ ነቲ ኣማራጺ'ውን ኣይነጽጐን።
ታይዋን ኣብ ገማግም ምብራቓዊ ቻይና እትርከብ ባዕላ እትመሓደር ደሴት ኰይና ቻይና ግን ኣካል ግዝኣተይ እያ ትብል።
ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ብዲፕሎማስያዊ መገዲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ምጓዓዝ ትርከብ።
በቲ ሓደ ወገን ነቲ ምስ ቤጂንግ ዘለዋ ርክብ እምነ ኩርናዕ ዝዀነ ፖሊሲ ሓንቲ ቻይና እያ ትኽተል።
ብመሰረት እዚ ፖሊሲ ታይዋን ኣካል ቻይና ስለ ዝዀነት ኣሜሪካ ነታ ደሴት ከም ፍልይቲ ሃገር ኣፍልጦ ኣይትህባን፤ ዲፕሎማስያዊ ርክብ እውን የብላን።
ግን ድማ ምስ ታይዋን ዘለዋ ጥቡቕ ርክባታ ዓቂባ ኣጽዋር ትሸጠላ ኣላ። እዚ ድማ እታ ደሴት ንነብሳ ክትከላኸል ብምሕሳብ’ዩ።
ባይደን ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ምስ ተሌቪዥን ሲቢኤስ ዘካየዶ 60 ደቓይቕ ዝፀንሐ ቃለ መሕትት ነዚ ደጊሙ ኣረጋጊፁ’ሎ።
"ሓንቲ ቻይና ዝብል ፖሊሲ ኣሎ፡ ግን ድማ ታይዋን እውን ኣብ ናጽነታ ናይ ገዛእ ርእሳ ውሳነ ክትውስን ኣለዋ። ክንፀሉ ኣይነተባብዕን ኢና - እዚ ናታቶም ውሳነ እዩ" ኢሉ።
ባይደን ኣብ ወርሒ ግንቦት’ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ምሃቡ ይዝከር።
ኣብቲ እዋን ታይዋን መጥቃዕቲ እንተተፈጺምዋ ንምክልኻል ወተሃደራዊ ጣልቃ ከምዝኣቱ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ሽዑ ካብ ዋይት ሃውስ ዝተወሃበ ቅልጡፍ መግለፂ ግን፡ ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ፖሊሲ ኣሜሪካ ዝተለወጠ ነገር የለን ምባሉ ይዝከር።
ሎሚ’ውን ዋይት ሃውስ ምስ ሓሳብ ባይደን ዝጋጮ ዝመስል መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።
"እቲ ፕረዚደንት ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ቶክዮ ዝተዛረቦ ሓዊስካ ቅድሚ ሎሚ’ውን ከምዚ ኢሉ ነይሩ። ኣብ ጉዳይ ታይዋን ዘለና ፖሊሲ ከም ዘይተቐየረ ሽዑ ብንጹር ገሊጹ’ዩ። እዚ ዘይተቐየረ ሓቂ እዩ” ይብል መግለፂ ዋይት ሃውስ።
ፕረዚደንት ባይደን ግን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ብምእንፋት ካብቲ ወግዓዊ መርገጺ ብዝተፈለየ ክኸይድ እንከሎ እቲ ናይ ትማሊ ሳልሳይ ግዜ እዩ።
ኣብ ጥቅምቲ 2021 ድሕሪኡ ድማ ኣብ ግንቦት ናይዚ ዓመት ተመሳሳሊ ሓሳብ ሂቡ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ኣመሪካ 1.1 ቢልዮን ዶላር (955 ሚልዮን ፓውንድ) ዝዋግኡ ኣጽዋርን ናይ መከላኸሊ ሚሳይላትን ንታይዋን ክትሸይጥ ምስተሰማምዐት፡ ንቻይና ኣቖጢዕዋሎ።
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብታ ደሴት ዘካየደቶ ኣካታዒ ዝዀነ ዑደት ስዒቡ፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ቻይናን ዝነበረ ወጥሪ እናሓየለ ምኻዱ ይዝከር።
ከም ግብረ-መልሲ ናይቲ መገሻ ድማ ቻይና ኣብ ከባቢ ታይዋን ንሓሙሽተ መዓልታት ዝቐፀለ ወተሃደራዊ ዕፅዋ ፈፂማ ነይራ።
ኣሜሪካ ንቻይና ኣብ ልዕሊ እታ ደሴት ሚሳይላት ብምትኳስ ክትኸሳ ከላ፡ ቤጂንግ ግን ነዚ መረጋገፂ ኣይሃበትሉን።
ታይዋን ብወገና ቻይና ዝተተኰሰቶም ሚሳይላት ልዕል ኢሎም ናብ ከባቢ ኣየር ከም ዝተሓምበቡን ዝዀነ ስግኣት ከም ዘይፈጠሩን ገሊጻ ነይራ።
ኣብቲ ብሰንበት ዝተፈነወ ኣቐዲሙ ዝተቐድሐ ቃለ መሕትት ፕረዚደንት ባይደን፡ ሩስያ ኣብቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ኲናት ኬሚካላዊ ወይ ታክቲካዊ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይትጥቀም ኣጠንቂቑ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







