ኣመሪካ ክልተ መራኽብ ውግእ ብመጻብቦ ማይ ታይዋን ተሕልፍ ከምዘላ ተገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, US 7TH FLEET
ክልተ መራኽብ ኲናት ኣመሪካ ብመጻብቦ ማይ ታይዋን ይሓልፋ ከምዘለዋ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ታይዋን ድሕሪ ዘካየደቶ ዑደት ኣብ መንጎ ታይዋንን ቻይናን ወጥሪ ካብ ዝጓሃሃር ንደሓር ከምዚ ዓይነት ስርሒት ክካየድ እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።
ቻይና ኣብቲ ከባቢ መጠነ-ሰፊሕ ወተሃደራዊ ልምምድ ብምክያድ ግብረ መልሲ ምሃባ ይዝከር።
ናይ ኣመሪካን ገለ ካልኦት ምዕራባውያንን ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ብስሩዕ በቲ መጻብቦ ክሓልፉ ፀኒሖም’ዮም።
እተን ክልተ ‘ዩኤስኤስ ኣንቲኤታም’ን ‘ዩኤስኤስ ቻንስለርስቪል’ን ብዝብል ዝፍለጣ ናይ ሚሳይል ዝዓይነተን መራኽብ ውግእ፡ ብዓለምለኻዊ ማያት ኣቢልካ ናይ ምጉዓዝ ናጽነት ንኸርእያ በቲ መፃብቦ ይሓልፋ ከምዘለዋ ኣሜሪካ ኣፍሊጣ’ላ።
መንግስቲ ቻይና ግን ነዚ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ከም ትንኮያን ዝርእዮ ኮይኑ ደሴት ታይዋን ድማ ዘይትንፀል ኣካል መሬት ቻይና ምዃና ይገልጽ።
ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብመጻብቦ ታይዋን ዝግበር ምስግጋር "ኣመሪካ ንናጻን ክፉትን ኢንዶ-ፓሲፊክ ዘለዋ ተወፋይነት" ዘርእይ ምዃኑ ሓቢሩ።
"እዘን መራኽብ ብኮሪደር እቲ ካብ ግዝኣት ባህሪ ዝኾነት ትኹን ገማግማዊት ሃገር ወፃኢ ብዝርከብ መጻብቦ ኣቢለን እየን ዝሓልፋ ነይረን" ክብል እቲ መግለጺ ወሲኹ ገሊጹ።
ታይዋን ባዕላ ትመሓደር'ኳ እንተኾነት ቻይና ግን ዝተገንፀለት ግን ድማ ኣብ መወዳእታ ምስኣ ምጥርናፋ ዘይተርፋ ግዝኣታ ከምዝኾነት እያ ትቖፅራ።
ታይዋን ነቲ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቤጂንግን ዝተጓሃሃረ ወጥሪን ምልውዋጥ ተሪር ቃላትን ተወሳኺ ምኽንያት ኮይና ትርከብ።
ኣሜሪካ ነቲ እምነ ኩርናዕ ናይቲ ንሓደ መንግስቲ ቻይና ጥራይ ኣፍልጦ ዝህብ "ሓንቲ ቻይና" ብዝብል ዝፍለጥ ፖሊሲ ትኽተል ኮይና- ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኣ ድማ ምስ ታይዋን ዘይኮነስ ምስ ቤጂንግ ከምዝኾነ ይፍለጥ።
ግን ድማ ምስታ ደሴት "ድልዱል ዘይወግዓዊ" ዝምድና ኣብ ምጥንኻር ትርከብ። እዚ ከኣ ታይዋን ንነብሳ ትከላኸለሉ ኣጽዋር ክሳብ ምሻጥ የጠቓልል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







