ኣሜሪካ፡ 'ንታይዋን ዝቐንዐ' ንዝተባህለ ወተሃደራዊ ልምምድ ቻይና፡ 'ዘይሓላፍነታዊ' ክትብል ነቒፋ

ነፋሪት ውግእ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ታይዋን ኣብ ልዕሊኣ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝዓለመ ወተሃደራዊ ልምምድ ብቻይና ይካየድ ከምዘሎ ምግላጻ ስዒቡ፡ ኣሜሪካ "ተዅታዅን ዘይሓላፍነታውን" ስጕምቲ ክትብል ንበይጂን ነቒፋ።

ታይዋን፡ ነቲ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ቻይና እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ትማሊ ሰንበት ነፈርትን መራኽብን ብምውፋር ምላሽ ከምዝሃበት ኣፍሊጣ’ላ።

እቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ታይዋንን ዘሎ ወጥሪ፡ ብኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ታይዋን ዝገበሮ ጕዕዞ ስዒቡ’ዩ ዝተጓሃሃረ።

ቻይና ነቲ ዑደት ኣብ ልዕሊ እቲ ታይዋን ግዝኣታ ከምዝዀነት ብምግላጽ እተልዕሎ ሕቶ ዘጋጠመ ብድሆ ገይራ እያ ትርእዮ።

መራኽብን ነፈርትን ቻይና ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኣብ መጻብቦ ታይዋን [መስመር ማይ] ተልእኾታተን ከምዝፈጸማን፡ ገሊአን ድማ ነቲ ማእከላይ መስመር [ንኽልቲአን ወገናት ዝፈሊ ነጻ ዞባ] ከምዝሰገራን ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን ኣፍሊጡ’ሎ።

ሰራዊት ታይዋን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ደሴት ክፍጸም ዝተወጥነ መጥቃዕቲ ዝመሳሰል ክብል ዝገለጾ ልምምድ ቀጥታዊ ተዅሲ፡ ብሰንበት ንግሆ ብዙሓት ነፈርትን መራኽብን ብምልኣኽ "ግቡእ" ምላሽ ከምዝሃበ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ታይዋን ሱ ሰንግ-ቻንግ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቻይና ነቲ ዞባዊ ምርግጋእ ንምዝራግ "ብትምክሕቲ" ትሰርሕ ኣላ ክብል ከሲሱ፡ ብወገን ቻይና ልጓም ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ቻይና ግን ብዛዕባ’ዚ ብወገን ታይዋን ዝዝረበሉ ዘሎ ልምምድ ርእይቶ ኣይሃበትን። እቲ ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ መዓልታት ኣብ ከባቢ ታይዋን ክተካይዶ ዝጸንሐት ወተሃደራዊ ልምምድ ኣየርን ባሕርን ግን ሰንበት ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።

ኣሜሪካ ንቻይና ወጥሪ ተጋድድ ኣላ ክትብል’ያ ትኸሳ።

ቻይና ብወገና ዑደት ፔሎሲ ነቲ ኣብ መጻብቦ ታይዋን ዝህሉ ሰላምን ምርግጋእን "ናብ ከቢድ ሓደጋ ዘእቱ" ምዃኑ ትገልፅ።

ቻይና ንታይዋን ኣብ ትሕቲኣ ክትከውን ዘለዋ፣ ካብኣ ዝተፈለየት ግዝኣት ከምዝዀነት እያ ትርእያ። ታይዋን ብወገና ንርእሳ ምስታ ዓበይ ቻይና ዘይትራኸብን ንባዕላ እትመሓደርን ደሴት ከምዝዀነት ትቘጽራ።

መራሕቲ ዓለም ነዚ ኣፍልጦ ከም ዝህቡ ዘመልክት ዝዀነ ይዅን ምልክት እንተሃልዩ ድማ ንቻይና ኣመና ዘቘጥዕ እዩ።

ፔሎሲ ንዝገበረቶ ዑደት ስዒቡ ኣብ ልዕሊኣን ስድራቤታን እገዳታት ከምዝተገበረ ቻይና ብዓርቢ ኣፍሊጣ።

ብተወሳኺ ኣብ ከም ለውጢ ክሊማ፡ ወተሃደራዊ ጕዳያትን ምምካት ኣህጉራዊ ገበናት ንዝግበር ሓባራዊ ጻዕሪ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ወሰንቲ መዳያት ምስ ኣሜሪካ ዝግበር ምትሕብባር ደው ከምዘበለቶ ብወግዒ ኣፍሊጣ እያ።

ጸሓፊ ክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ ቻይና ምስ ዋሽንግተን ወሰንቲ መራኸቢ መስመራት ብምዕፃው "ዘይሓላፍነታዊ ስጕምትታት" ትወስድ ምህላዋ ከሲሱ።