ቻይና ንወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ እትዳለወሉ፡ ታይዋን ሰራዊታ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ኣዚዛ

ፔሎሲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ታይዋን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ዝዀነት ናንሲ ፔሎሲ፡ ምፍርራሕ ቻይና ዕሽሽ ብምባል ናብ ታይዋን ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ሳይ ኢንግ-ዌን ተራኺባ።

ነዚ ስዒቡ ቻይና፡ ኣብ ጥቓ እታ ደሴት ንሰለስተ መዓልታት ወተሃደራዊ ልምምድ ክትገብር እያ። ታይዋን ብወገና ሰራዊታ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ኣዚዛ።

ቅድም ኢሉ፡ ቻይና ምብጻሕ እታ ኣፈ ጉባኤ ከቢድ ሳዕቤን ከኸትል'ዩ ብምባል ከተጠንቅቕ ጸኒሓ ነይራ።

ፔሎሲ፡ ትማሊ ናብ ከተማ ታይፔ ዝኣተወት ክትከውን እንከላ፡ በይጂንግ፡ ንታይዋን ካብ ኤስያ ናብ ዝፈሊ ማያዊ ክፋል ነፈርቲ ውግእ ከም ዝለኣኸት ተገሊጹ ነይሩ።

ታይዋን፡ ርእሰ ምምሕዳር ምዃና እያ ትኣምን፣ ቻይና ግን ኣብ ዝዀነ እዋን ክትመልሳ እትኽል ግዝኣታ ከም ዝዀነት ትምጕት።

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ታይዋን ኣብ መንጐ ኣመሪካን ቻይናን ዘሎ ወጥሪ ዝንጸባረቐላ ኰይና እያ።

ፔሎሲ፡ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ናብ ታይዋን ምብጻሕ ዝገበረት ላዕለወይቲ ፖለቲከኛ ኣመሪካ እያ።

“ቅድሚ 43 ዓመታት፡ ኣመሪካ ኣብ ጐድኒ ታይዋን ደው ከም እትብል ቃል ኣትያ ነይራ . . . ሎሚ ድማ ጕጅለ ልኡኽና ናብ ታይዋን ብምምጻእ ብዘየወላውል መልክዑ ንታይዋን ዘለና መርገጽ ከም ዘይቅየር ግልጺ ኰይኑ ኣሎ” ኢላ።

ታይዋን “ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ናጻ ህዝብታት ሓንቲ’ያ” ድማ ኢላ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፔሎሲ ምስ ፕረዚደንት ታይዋን ኣብ ዝተራኸበትሉ፡ ኣመሪካ ምስ ታይዋን ዘለዋ ምሕዝነት ከም እተሐይልን ከም ዘይትገድፋን ሓቢራ።

ኣመሪካ ንታይዋን ዘርኣየቶ ድጋፍ ብምምስጋን፡ መንግስቲ ታይዋን ንክብሪ ሲቪላውያን ዝወሃብ ሽልማት፡ “Order of Propitious Clouds” ከምኡ’ውን ዝለዓለ ሽልማት ዝዀነ “Special Grand Cordon” ንፔሎሲ ኣበርኪቱ።

ፕረዚደንት ሳይ ኢንግ-ዌን፡ ፔሎሲ ንታይዋን ዘለዋ “ዘይጸዓድ ድጋፍ” ብምንኣድ፡ “ፔሎሲ ምስ ታይዋን ነዊሕ ዝጸንሐ ርክብ ኣለዋ . . . ክብርቲ ኣፈ ጉባኤ ንዓኺ ዘለኒ ምስጋና ክገልጽ እደሊ” ኢላ።

ኣስዒባ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር፡ ጉዳይ ድሕነት ታይዋን ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ እዩ ክትብል ተዛሪባ።

“ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲያዊት ታይዋን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣብ ድሕነት መላእ ዞባ ኢንዶ-ፓስፊክ ሓያል ጽልዋ ክህልዎ’ዩ። ታይዋን ንድሕሪት ኣይትምለስን፤ ብሄራዊ ልኡላውነትና ሓሊና ከነኽብር ኢና” ኢላ።

ፔሎሲ፡ ብ1989፡ ንዝኽሪ እቶም ብ1987 ኣብ በይጂንተቓውሞ የስምዑ ዝነበሩ ተመሃሮ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ዝተሰርሐ ኣደባባይ ታናንመን ምብጻሕ ገይራ ከም ዝነበረት’ውን ኣልዒላ።

“ኣብኡ ብፍላይ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ንዛረብ ነይርና፤ እቲ ዑደት ንጉዳያት ድሕነት ዕላማ ዝገበረ ነይሩ . . . ንዝሓለፉ ዓመታት’ውን ናይ ድሕነት፡ ቍጠባን ምምሕዳርን’ዩ ነይሩ” ክትብል ተዛሪባ።

ብምብጻሕ እታ ኣፈ ጉባኤ ዝተቘጥዐት ቻይና፡ ንኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ቻይና ኒኮላስ ቡርንስ ስሒባ'ውን ኣዘራሪባ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ከም ዝበሎ፡ ዑደት እታ ኣፈ ጉባኤ “ኣጠራጣሪ” ከም ዝነበረ ብምግላጽ ሓያል ሳዕቤን ክህሉ’ዩ ክብል ኣጠንቂቝ።

ምኽትል እቲ ሚኒስትሪ ሺዬ ፈንግ “ብተፈጥሮኡ እቲ ስጕምቲ ይቕረ ዘይብሃል’ዩ፤ ውጽኢቱ’ውን ብጣዕሚ ከቢድ’ዩ” ክብል ኣጠንቂቝ ይብል ጸብጻብ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሽንሁዋ።

ኣመሪካ “ንናይ ባዕላ ጉድለት ዋጋ ክትከፍለሉ’ዩ” ዝበለ ፈንግ፡ “ዋሽንግተን ምብጻሕ ፔሎሲ ኣብ ታይዋን ዘስዓቦ ኣሉታዊ ጽልዋ ንምፍታሕ ጌጋኣ ብቕልጡፍ ክትኣልን ግብራዊ ስጕምቲ ክትወስድን ይግባእ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ብተወሳኺ፡ ቻይና ካብታ ደሴት ኣታዊ ትገብሮም ዝነበረት ፍረታትን ክልተ ዓይነታት ዓሳን ከምኡ’ውን ብሽኮትን ከልኪላ።

ታይዋን ምስ ቻይና ጥቡቕ ቁተባዊ ምሕዝነት ዘለዋ ኰይና፡ ዳርጋ 30 ሚእታዊት ፍርያታ ናብ ቻይና ትሰድድ። 

ፔሎሲ ዝለዓለ ሽልማት ታይዋን ተበርኪቱላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቅድሚ ሕጂ ናብ ታይዋን ዝበጽሐ ኸ?

ፔሎሲ፡ ኣብ ታይዋን ምብጻሕ ዝገበረት ፈላመይቲ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ኣይኰነትን፤ ኣብዚ ዓመት ናብታ ደሴት ካብ ዝተጓዕዙ ሓገግቲ ኣመሪካ’ውን ንሳ ጥራይ ኣይኰነትን።

ብ1997 ኣፈ ጉባኤ ሪፓብሊካን ኒውት ጊንግሪች፡ ኣብ በይጂን ምስ መራሒ ቻይና ድሕሪ ምርኻብ ናብታ ደሴት ምብጻሕ ገይሩ ነይሩ።

ሽዑ፡ ቻይና ንሆንግ ኮንግ ክትቈጻጸር ምድላዋት ትገብረሉ ዝነበረት እዋን ኰይኑ፡ ንምብጻሕ እቲ ኣፈ ጉባኤ ዘርኣየቶ ተቓውሞ’ኳ እንተነበረ፡ ክንድ’ቲ ኣብ ልዕሊ ፔሎሲ ዝተንጸባረቐ ግን ኣይነበረን።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ'ዚ ዓመት፡ ሽዱሽተ ላዕለዎት ሓገግቲ ኣመሪካ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ገይሮም ነይሮም።

ኣመሪካ ምስ ታይዋን ስሩዕ ርክብ የብላን፤ ይዅን’ምበር፡ ግዝኣት እታ ደሴት ንኣመሪካ ኣገዳሲ ሽርከነት ንግዲ ገይራ ስለ እትወስዶ፡ ንመንግስቲ እታ ደሴት ሓገዝ ኣጽዋር ትገብር።

ቻይና፡ ታይዋን ካብ ግዝኣታ ዝተነጸለት ምምሕዳር ገይራ ስለ እትርእያ፡ ኣገዳሲ እንተዀይኑ ብሓይሊ’ውን ክትጥቕልላ ከም እትኽእል ትገልጽ።

መራሕቲ ታይዋን ግን፡ እታ ደሴት ልዕሊ ግዝኣት ከም ዝዀነት ብምግላጽ፡ ርእሳ ዝኽኣለት ምምሕዳር’ያ ይብሉ።

ታይዋን፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ቅዋም፡ ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ዝተመርጹ መራሕቲ፡ ኣስታት 300 ሽሕ ሰራዊት ኣለዋ።