ብኣሜሪካ ዝተቐትለ መራሒ ኣልቓዒዳ ኣይመን ኣ'ዘዋሂሪ መን እዩ?

ዘዋሂሪ ከም የማናይ ኢድ ቢንላደን ይቝጸር ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዝተቐትለ ኣይመን ኣ'ዘዋሂሪ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቀንዲ ስነ-ሓሳባዊ ኣልቓዒዳ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ።

ንሱ ናይ ግብጺ እስላማዊ ጅሃድ ዕጡቕ ጕጅለ ንምምስራት ተራ ዝነበሮ ሓኪም መጥባሕቲ ዓይኒ ኰይኑ፡ ኣብ ግንቦት 2011 ኦሳማ ቢን ላደን ብሓይልታት ኣሜሪካ ድሕሪ ምቕታሉ፡ መሪሕነት ኣልቓዒዳ ሒዙ።

ቅድሚኡ፡ ዘዋሂሪ ከም የማናይ ኢድ ቢንላደን ይቝጸር ነይሩ። ገለ ክኢላታት ድማ እቲ ብ 11 መስከረም 2001 ኣብ ኣሜሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቀንዲ ሃንዳሲኡ ምዃኑ ይኣምኑ።

ዘዋሂሪ ኣብ 2001 መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር 22 "ኣውራ ተደለይቲ ግብረሽበራውያን" ድሕሪ ቢን ላደን ኣብ ካልኣይ ተርታ ተሰሪዑ ነይሩ። ዘዋሂሪ ንኽትሓዝ ንዝሓገዘ ሰብ ድማ ናይ 25 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ተመዲቡ ነይሩ።

ዘዋሂሪን ቢን ላደንን እስላማዊ ግንባር ዓለም መስሪቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ኣብ ካቡል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድማ ተቐቲሉ። ኣሜሪካ ንኣ'ዘዋሂሪ ዒላማ ክትገብር ንፈለማ እዋን ኣይነበረን።

ኣብ ጥሪ 2006 እውን ፓኪስታን ምስ ኣፍጋኒስታን ኣብ ትዳወበሉ ከባቢ፡ ብሚሳይል ኣሜሪካ ዒላማ ኰይኑ ነይሩ።

በቲ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ኣባላት ኣልቓዒዳ ክቕተሉ እንከለው፡ ዘዋሂሪ ግን ብህይወት ተሪፉ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ብቪድዮ ተራእዩ። ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ድማ ንሱ ይዅን "ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሓይልታት" ነታ ዕምሩ ብሓንቲ ካልኢት'ውን ከቕርቡዋ ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ተዛሪቡ።

ክቡር ስድራቤት

ኣብ ካይሮ ርእሰ ከተማ ግብጺ ብ19 ሰነ 1951 ዝተወልደ ዘዋሂሪ፡ ኣባል ክቡር ስድራቤት ሓካይምን ምሁራትን እዩ።

ኣቦሓጐኡ ራብያ ኣ'ዘዋሂሪ፡ ዓቢይ ኢማም ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ማእከል ትምህርቲ ሱኒ እስላም ዝዀነ ኣል-ኣዝሃር ዩኒቨርሲቲ ክኸውን እንከሎ፡ ሓደ ካብ ኣኮታቱ ድማ ቀዳማይ ዋና ጸሓፊ ሊግ ዓረብ እዩ ነይሩ።

ዘዋሂሪ ገና ኣብ ቤት ትምህርቲ እንከሎ ኣብ ፖለቲካዊ እስልምና ተጸሚዱ፣ ኣባል ናይቲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝዀነ 'ኣኽዋን ኣልሙስሊሚን' ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መበል 15 ዓመት ዕድመኡ ተኣሲሩ።

ፖለቲካዊ ንጥፈታቱ ግን ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ካይሮ፡ ሕክምና ካብ ምጽናዕ ኣይዓገቶን። ኣብ 1974 ተመሪቝ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ብመጥባሕቲ ማስተርስ ዲግሪ ረኺቡ።

ኣብ 1995 ዝሞተ ኣቦኡ መሓመድ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ቤት ትምህርቲ ፕሮፌሰር ፋርማኮሎጂ እዩ ነይሩ።

ኣኽረርቲ መንእሰያት

ዘዋሂሪ ኣብ መጀመርታ ነቲ ስድራቤታዊ ልምዲ ቀጺሉሉ። ኣብ ሓደ ከባቢ ካይሮ ክሊኒክ ከፊቱ'ኳ እንተነበረ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ምስቶም መንግስቲ ግብጺ ንኽእለ ዘለዓዕሉ ዝነበሩ ኣኽረርቲ እስላማውያን ጕጅለታት ክሳተፍ ጀሚሩ።

ኣብ 1973 ጕጅለ እስላማዊ ጅሃድ ግብጺ ምስ ተመስረተ ድማ ናብቲ ጕጅለ ተጸንቢሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓሓሊፉ ዘዋሂሪ ካብ ተሳትፎ ርሒቑ እዩ ጸኒሑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ 1981 ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ምርኢት ሓያሎ ኣባላት ናይቲ ጕጅለ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ንፕረዚደንት ኣንዋር ሳዳት ድሕሪ ምቕታሎም፡ ምስ ካልኦት ኣማኢት ኣባላት ናይቲ ጕጅለ ተጠርጣሪ ኰይኑ ተታሒዙ። ሳዳት ምስ እስራኤል ስምምዕ ሰላም ብምፍራም፡ ከምኡ’ውን ኣቐዲሙ ኣብ ዝገበሮ ናይ ጸጥታ ስጕምቲ፡ ኣማኢት ነቐፍቱ ብምእሳር ንእስላማውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣቘጢዕዎም ነይሩ።

ኣብቲ ጃምላዊ ፍርዲ፡ ዘዋሂሪ ከም መራሒ እቶም ተኸሰስቲ ኰይኑ ቐሪቡ። "ንሕና ኣብ ሃይማኖትና እምነት ዘለና ኣስላም ኢና። እስላማዊ መንግስትን እስላማዊ ሕብረተሰብን ክንምስርት ኢና ንጽዕር ዘለና" ኢሉ ነቲ ቤት ፍርዲ ክዛረብ ከሎ ብቪድዮ ተቐሪጹ እዩ።

ዘዋሂሪ ኣብ ቅትለት ሳዳት ኢድ ኣለዎ ካብ ዝብል ክሲ ናጻ እንተዀነ እውን፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣጽዋር ብምሓዝ ግን ሰለስተ ዓመት ተፈሪዱ።

ኣብ ግብጺ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ብሰበስልጣን ብቐጻሊ ይሳቐን ይቕጥቀጥን ከምዝነበረ እዚ ድማ ናብ ዓመጽን ኣኽራሪን ከም ዝቐየሮ እሱራት ብጾቱ ይገልጹ።

ኣብ 1985 ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከይዱ።

ኣብኡ ነዊሕ ከይጸንሐ መጀመርታ ናብ ፔሻዋር፡ ፓኪስታን ጸኒሑ ድማ ናብ ኣፍጋኒስታን ኣቕኒዑ። ኣብ እዋን መግዛእቲ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ኣፍጋኒስታን ዶክተር ኰይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ግዜ ናይ ግብጺ እስላማዊ ጅሃድ ዝብል ውድብ መስሪቱ።

ኣብ 1993 እስላማዊ ጅሃድ ግብጺ ዳግማይ ምንቅስቓስ ክጅምር እንከሎ ዘዋሂሪ መሪሕነት እቲ ውድብ ተቐቢሉ። ንቐዳማይ ሚኒስተር ዓጥፍ ሲድቂ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ሚኒስተራት መንግስቲ ግብጺ ኣብ ዝተፈጸሙ ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት ወሳኒ ሰብ ነይሩ።

እቲ ጕጅለ ኣብ መፋርቕ 1990ታት ንመንግስቲ ንምዕላውን እስላማዊት ሃገር ንምምስራትን ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ ጠንቂ ሞት ልዕሊ 1200 ግብጻውያን ኰይኑ እዩ።

ኣብ 1997 ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ መራሒ ጕጅለ ቫንጋርድስ ኦፍ ኮንከስት ኢሉ ሰይምዎ። ቫንጋርድስ ኦፍ ኮንከስት ኣብ 1997 ኣብ ሉክሶር ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ህልቂት ከም ዝፈጸመ ዝሕሰብ ክፍሊ ጕጅለ እስላማዊ ጅሃድ እዩ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ብዙሕ መጥቃዕትታት ናይቲ ጕጅለ ብዘለዎ ተራ፡ ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ግብጺ ኣብ ዘይተረኽበሉ ሞት ተፈሪድዎ።

ምዕራባውያን ዒላማታት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣዘዋሂሪ ኣብ 1990ታት መዕቈቢን ምንጪ ምወላን ንምርካብ ኣብ መላእ ዓለም ከም ዝተዘዋወረ ይግመት።

ሶቭየት ካብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምውጽኣ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፡ ኣብ ቡልጋርያ፡ ዴንማርክን ስዊዘርላንድን ይነብር ከምዝነበረን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ናይ ሓሶት ፓስፖርት ተጠቒሙ ናብ ሃገራት ባልካን፡ ኦስትርያ፡ የመን፡ ዒራቕ፡ ኢራንን ፊሊፒንስን ከም ዝተጓዓዘን ይእመን።

ኣብ ታሕሳስ 1996፡ ብዘይ ሕጋዊ ቪዛ ኣብ ቸቺንያ ምስ ተታሕዘ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሩስያ ከም ዝጸንሐ'ውን ይንገር።

ዘዋሂሪ ከም ዝጸሓፎ ዝንገር ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ሰበስልጣን ሩስያ፡ ኣብ ኮምፒዩተሩ ዝተረኽበ ጽሑፋት ዓረብ ከተርጕሙ ስለዘይከኣሉ፡ መንነቱ ብምስጢር ክሕዞ ክኢሉ እዩ።

ኣብ 1997 ዘዋሂሪ ናብታ ኦሳማ ቢንላደን ዝነብረላ ዝነበረ ከተማ ጃላላባድ ኣፍጋኒስታን ከም ዝገዓዘ ይግመት።

ድሕሪ ሓደ ዓመት እስላማዊ ጅሃድ ግብጺ፡ ናይ ቢን ላደን ኣልቓዒዳ ዝርከብዎም ካልኦት ሓሙሽተ ኣኽረርቲ እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለታት ብሓባር ተጸንቢሮም ነቲ ኣንጻር ኣይሁድን መስቀላውያንን ጅሃድ ዝገብር እስላማዊ ግንባር ዓለም መስሪቶም።

እቲ ግንባር ዘውጽኦ ናይ መጀመርታ ኣዋጅ፡ 'ፈትዋ' የጠቓልል። እዚ ንሰላማውያን ዜጋታት ኣሜሪካ ንኽቕተሉ ዝፈቅድ ሃይማኖታዊ ኣዋጅ እዩ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ክልተ ብሓንሳብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ዝርከቡ ኤምባሲታት ኣሜሪካ ኣዕንዮም፤ 223 ሰባት ድማ ሞይቶም።

ዘዋሂሪ ብሳተላይት ቴሌፎን ዝገበሮም ዝርርባት፡ እዞም መጥቃዕቲታት ብቢን ላደንን ኣልቓዒዳን ከምዝተፈጸሙ ከም መርትዖ ካብ ዝቐረቡ መረዳእታታት እዮም።

እዞም መጥቃዕቲታት ምስ ተፈጸሙ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከብ መዓስከራት ታዕሊም ናይቲ ጕጅለ ደብዲባ። ንጽባሒቱ ዘዋሂሪ ንሓደ ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ ደዊሉ "ኣሜሪካ፡ ደብዳባ፡ ቦምባታታን ምፍርራሓታታን ናይ ምጥቃዕ ተግባራታን ከምዘየፍርሓና ንገራ። እቲ ኲናት ገና ምጅማሩ እዩ፡" ኢልዎ።

ድሕሪ ሞት ቢንላደን ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፡ ተኸታተልቲ ምክትላቱ ብደብዳብ ነፈርቲ ኣሜሪካ ስለ ዝተቐትሉ ዘዋሂሪ ብዓለም ደረጃ ናይ ምውህሃድ ዓቕሙ ተዳኺሙ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓሓሊፉ ጥራይ መልእኽቲ ምውጻእ እንተዘይኰይኑ ዘዋሂሪ ካብ ተሳትፎ ርሒቝ እዩ ጸኒሑ።

ኣሜሪካ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኣፍጋኒስታን ብህውከት ምውጻኣ፡ ሞት ዘዋሂሪ ከም ዓወት ክትእውጅ’ያ። እንተዀነ ከም ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ጕጅለታትን ምንቅስቓሳትን ጽልዋ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ዘዋሂሪ ብተዛማዲ ውሑድ ስልጣን እዩ ነይርዎ።

ሓድሽ መራሒ ኣልቓዒዳ ከም ዝመጽእ ኣየጠራጥርን፣ እንተዀን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝወሓደ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይግመገም።