መራሒ ኣልቓዒዳ ኣይመን ኣ'ዘዋሂሪ፡ ብመጥቃዕቲ ድሮን ኣሜሪካ ተቐቲሉ

ዘዋሂሪ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ድሮን ንመራሒ ኣልቓዒዳ ኣይማን ኣ'ዘዋሂሪ ከም ዝቐተለቶ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣረጋጊጹ።

እቲ መራሒ፡ ሲኣይኤ ብሰንበት ኣብ ካቡል ብዘካየዶ ስርሒት ኣንጻር ግብረ ሽበራ ከም ዝተቐትለ ተሓቢሩ።

ኣ'ዘዋሂሪ፡ “ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካውያን ዜጋታት መጥቃዕትን ቅትለትን ፈጺሙ። ሕጂ ግን ፍትሒ ተረጋጊጹ፣ እዚ ኣሸባሪ ኸኣ ድሕሪ ሕጂ የለን” ክብል ባይደን ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ነቲ ኣብ 2011 ብኣሜሪካ ዝተቐትለ መራሒ ኣልቓዒዳ ዝነበረ ኦሳማ ቢንላደን ዝተክአ ኰይኑ፡ ክልቲኦም ነቲ ብ9/11 ዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝሃንደሱ ምዃኖም ይንገር። ብኣሜሪካ ካብ ዝድለዩ ቀንዲ ኣሸበርቲ እቲ ቐንዲ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።

እታ ድሮን፡ ኣብ ልዕሊ ኣ'ዘዋሂሪ ክልተ ሚሳይላት ክትድርቢ እንከላ፡ ንሱ ኣብ ቫራንዳ (ባልኮኒ) ከም ዝነበረ ሰብ መዚ ገሊጾም።

ካልኦት ኣባላት ስድራኡ’ውን ኣብቲ ከባቢ'ኳ እንተነበሩ፡ ዝዀነ መጕዳእቲ ከምዘይወረዶምን ብምሕባር፡ ዘዋሂሪ ጥራይ ከም ዝተቐትለ ኣረጋጊጾም።

እቲ ንወዲ 71 ዓመት መራሒ ኣልቓዒዳ ንምቕታል ዝወጽአ መደብ፡ ኣዋርሕ ከም ዝገበረን ስጕምቲ ክውሰድ ፍቓድ ከም ዝሃበን ባይደን ገሊጹ።

እዚ፡ ሓዘን ስድራ ግዳያት መጥቃዕቲ 2011 ከብቅዕ ከም ዝገብር ዝተዛረበ ፕረዚደንት ባይደን፡ “ዝወሰደ ግዜ'ውን እንተወሰደ፡ ዝሕብኣሉ ብዘየገድስ ንህዝብና ስግኣት ክሳዕ ዝዀነ፡ ኣሜሪካ ጐልጒላ ከተውጽኦ’ያ” ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብተወሳኺ ባይደን፡ ኣ'ዘዋሂሪ ነቲ ብጥቅምቲ 2000 ኣብ ዓደን ኣብ ልዕሊ መርከብ ጸረ ሚሳይል ኣሜሪካ ዝዀነት ‘ዩኤስኤስ ኮል’ ዝተፈጸመን ጠንቂ ሞት 17 ኣሜሪካውያን ባሕረኛታት፣ ከምኡ'ውን ኣብ 1998 ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝተፈጸመ 223 ሰባት ዝቐተለ ርእሰቕትለታዊ መጥቃዕቲት፡ ካልኦት ሓያለ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲታትን ከም ዝሃንደሰ ኣመልኪቱ።

ወሃቢ ቃል ጣሊባን፡ ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ብቕሉዕ ዓለምለኻዊ መትከላት ዝጥሓሰ እዩ ኢሉ።

“ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተግባራት፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተራእዩ ዝፈሸሉ ተመኵሮታት ኣሜሪካ’ዮም፤ እዚኦም ኣንጻር ረብሓታት ኣሜሪካ፡ ኣፍጋኒስታንን እቲ ዞባን’ውን’ዮም” ኢሉ።

ሰብ መዚ ኣሜሪካ ግን፡ እቲ ስርሒታት ንሕጋዊ መሰረት ሒዙ ዝተፈጸመ’ዩ ይብሉ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ኣዋፊራቶም ዝጸንሐት ወተሃደራታ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘውጽአት ይዝከር። እዚ ድማ፡ ኣሜሪካ ን20 ዓመታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበራ ወተሃደራዊ ህላወ ዘብቅዐ እዩ።

ብ2020፡ ኣሜሪካ ኣብ ዝፈረመቶ ውዕሊ ሰላም፡ ጣሊባን ኣልቓዒዳ ይዅን ካልኦት ጕጅለታት ሽበራ ኣብቲ ንሱ ዝቈጻጸሮ ከባቢታት ከይንቀሳቐሱ ንኽገብር ተሰማሚዑ ነይሩ።

ይዅን’ምበር፡ ኣልቓዒዳን ጣሊባንን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ልፍንቲ ዘለዎም ኰይኖም፡ ጣሊባን ዘዋሂሪ ኣብ ካቡል ምንባሩ ይፈልጥ’ዩ ክብሉ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ይገልጹ።

ኣ'ዘዋሂሪ፡ ስነሓሳባዊ መራሒ ኣልቓዒዳ ምዃኑ ዝንገረሉ ግብጻዊ ኰይኑ፡ ኣብ ሃገሩ ዶክተር ዓይኒ ከም ዝነበረን፡ ኣብ 80ታት ብተሳትፎ ኣብ እስላማዊ ጐነጻት ተኸሲሱ ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ። ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምፍትሑ ድማ ካብታ ሃገር ወጺኡ ኣብ ዓለምለኻዊ ጂሃዳዊ ምንቅስቓሳት ክሳተፍ ጀሚሩ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዓስኪሩ ምስ ኦሳማ ቢንላደን ሓቢሩ ክሰርሕን ኣልቓዒዳ ክምስረትን መሪሕ ተራ ተጻዊቱ።

እዚ ግብጻዊ ክኢላ መጥባሕቲ ዓይኒ ዝዀነ ኣ'ዘዋሂሪ፡ ቢን ላደን ብግንቦት 2011 ብሓይልታት ኣሜሪካ ምስ ተቐትለ፡ መሪሕነት ኣልቓዒዳ ተረኪቡ።

ገለ ተንተንቲ፡ እቲ ቀንዲ “ቀላሲ” መጥቃዕቲ 11 መስከረም 2011 ንሱ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።