ዩክሬናዊ ሃብታምን በዓልቲ ቤቱን ብሚሳይል ሩስያ ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, NIBULON
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ከተማ ማይኮሊቭ ብዝፈጸመቶ “ጽዑቕ” ደብዳብ፡ ሓደ ካብ ዩክሬናዊ ሃብታም ነጋዳይን በዓልቲ ቤቱን ተቐቲሎም።
ወዲ 74 ዓመት ኦሌክሲ ቫዳቱርስኪን በዓልቲ ቤቱ ሪሳን፡ መንበሪ ገዛኦም ብሚሳይል ምስ ተሃርመ ከም ዝሞቱ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም።
እቲ በዓል ጸጋ፡ ወናኒ ኣብ ሰደድ ምህርቲ ስርናይ ዝነጥፍ ኩባኒያ ኒቡሎን እዩ። “ጅግና ዩክረይን” ዝብል ሽልማት’ውን ተበርኪቱሉ ነይሩ።
መጽሄት ፎርብስ፡ ብ2020 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሃብቲ ኦሌክሲ 450 ሚሊዮን ዶላር ዝግመት እዩ ክብል ጽሒፉ ነይሩ።
ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሞት እቲ በዓል ሃብቲ ዓቢይ ክሳራ ክብል ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።
ከንቲባ እታ ኣብ ደቡባዊ ዩክረይን እትርከብ ከተማ ማይኮሊቭ ኦሌክሳንደር ሴንኬቪች፡ እቲ ደብዳብ፡ ሩስያ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ከተማ ካብ ዝፈጸመቶ ደብዳባት እቲ ዝኸበደ እዩ ኢሉ።
በዚ ምኽንያት፡ ሆቴል፡ ማእከል ስፖርት፡ ክልተ ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ኣገልግሎትን ከምኡ’ውን መንበሪ ኣባይቲን ከም ዝዓነው ተሓቢሩ።
እታ ከተማ፡ ቀንዲ መስመር እቲ ዝዓበየ ወደብ ዩክረይን ወደብ ኦዴሳ ኰይና፡ ሩስያ ብ24 ለካቲት 2022 ወራር ካብ እትጅምር ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክበጽሓ ጸኒሑ።
ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ቪታሊ ኪም፡ ኦሌክሲ ቫዳቱርስኪ “ኣብ ልምዓት ኢንዱስትሪ ሕርሻን ህንጸት መርከብን” ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ ተዛሪቡ።
ኣማኻሪ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኰነ ኢላ ንሰብ ሃብቲ ዒላማ ትገብር ኣላ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ።
ክልቲአን ሃገራት፡ ቀንዲ ልኣኽቲ ስርናይን ካልኦት ምህርትን ኰይነን፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተፈጥረ ምትእጉጓል ሰደድ፡ ኣብ ዓለም ዋጋ መግቢ ንሂሩ’ዩ።
እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው መግቢ ንምፍታሕ ድማ፡ ወደባት ንምኽፋት ፍቓደኛታት ክዀና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቱርኪ ስምምዕ ፈሪመን። እንተዀነ፡ ሩስያ እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተፈረመሉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ወደብ ኦዴሳ መጥቃዕቲ ፈጺማ።
ዩክረይን፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዝተቘጻጸሮ ከባቢታት እኽሊ ብምዝማት ብክረሚያ ኣቢሉ ይሸጦ ኣሎ ብምባል ትኸስስ፤ ሩስያ ግን ነሲ ክሲ ትነጽጐ።
ሩስያ፡ ብ2014 ንክረሚያ ከም ዝጐበጠታ ይፍለጥ።
ብቐዳም፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዩክረይን ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ዞባ ምብራቕ ዶነስክ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ኵሎም ንኽወጽኡ ጸዊዑ ነይሩ።
ሓይልታት ሩስያ፡ ንዝበዝሕ ከባቢታት እቲ ዞባ ዝተቘጻጸሩ ኰይኖም፡ ኣብቲ ዞባ ከበድቲ ውግኣት ክካየዱ ጸኒሖም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







