ዕልዋ መንግስታት ማሊን ቡርኪናፋሶን መብጽዓታቱ ተግቢሩ ዶ?

ብዙሓት ማሊያውያን ነቲ ዕልዋ ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዝጸንሐ ስእነት ቅሳነትን ድሕነትን ዘስዓቦ ቝጥዐ፡ ወተሃደራት ዕልዋ መንግስታት ንኽፍጸሙ ጠንቂ ኰይኑ እዩ። ኣብ ማሊ ኣብ ነሓሰ 2020፡ ኣብ ቡርኪናፋሶ ድማ ኣብ ጥሪ 2022 ዕልዋ ተፈጺሙ።

መራሒ እቲ ኣብ ማሊ ዝተኻየደ ዕልዋ ኣብ 2020 ስልጣን ክሕዝ እንከሎ "ደጊም ንጌጋ ዝኸውን ግዜ የለን" ኢሉ ነይሩ።

እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ስልጣን ዝሓዘ ብተመሳሳሊ፡ "ነዚ ቃልሲ እዚ ንምዕዋት ካብ ዘድሊ ንላዕሊ ዓቕሚ ኣሎና" ክብል ከም ዘቃልሐ ይዝከር።

እሞኸ ዜጋታት እዘን ሃገራት ዝሓሸ ድሕነት ተሰሚዕዎም’ዶ?

እዚ ሕቶ ሓጺር መልሲ እዩ ዘለዎ፡ እሱ ኸኣ 'ኣይፋልን' ዝብል እዩ።

ብኣንጻሩ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዕጡቓት እስላማዊ ጕጅለታት ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ሞት ሰላማውያን'ውን ከምኡ።

"እቲ ቝጽሪ በብዓመቱ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ" ይብል ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ፖለቲካዊ ዓመጽን ተቓውሞን ዝገልጽ ሓበሬታታትን ትንተናታትን ኣብ ዝህብ ኣክሌድ (Acled) ዝተበሃለ ትካል ዝሰርሕን፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሳሕል ኣተኲሩ ዝመራመርን ሄኒ ኢንሳይቢያ።

ኣብዚ ዓመት ሰነ፡ ኣክሌድ ኣብ ማሊ ቅድሚ እቲ ዕልዋን ድሕሪኡን ዝነበረ 661 መዓልትታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቡርኪናፋሶ ቅድሚ እቲ ዕልዋን ድሕሪኡን ዝነበረ 138 መዓልትታት ዘነጻጽር ሓበሬታ ንቢቢሲ ሂቡ ነይሩ።

ኣክሌድ ነዚ ሓበሬታ እዚ ካብ መርበብ “ሓበርቲን ሰብ ሞያን” ከምኡ'ውን ካብ ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን እዩ ዝእክቦ። እንተዀነ ሚስተር ኢንሳይቢያ ኣብ ከባቢ ሳሕል ዓመጽ ዝምልከት ሓበሬታ ምእካብ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ ይብል።

ምኽንያቱ "ብሩስያ ዝምራሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ከምኡ'ውን እቶም መንግስታት ካብቲ ሓቂ ወጻኢ ዕውታት መሲሎም ንኽርኣዩ መብዛሕትኡ ግዜ ንመራኸቢ ብዙሃን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ስለ ዘቕርቡ" እዩ ብምባል ይገልጽ።

እታ ንዕጡቓት ማሊ ትድግፍ ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ነዚ ክስታት እዚ ክትነጽግ ጸኒሓ እያ። መንግስትታት ማሊን ቡርኪናፋሶን ነቲ ቢቢሲ ዘቕረቦ ሕቶ ምላሽ ኣይሃቡሉን።

መጋቢት 2022 ሓንቲ ካብተን ኣብ ታሪኽ ብዙሕ ቅትለት ዝተፈጸመለን ኣዋርሕ እያ። ኣክሌድ ከምዝሕብሮ ኣብ ማሊ 790 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

ገለ ካብዞም ሰላማውያን ሰባት እዚኣቶም ኣብ ሜናካ ጨንፈር ጕጅለ እስላም ብዝዀኑ ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ኣክሌድ ይጠቅስ። መብዛሕትኦም ግን ብሰራዊት ማሊ ኣብ ከተማ ሞውራ ዝተቐትሉ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝዀኑ ጕጅለ ተጣበቐቲ መሰላት ይሰማምዑ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ሰራዊት ማሊ፡ ዕሱብ ወተሃደራት ሩስያን ነቲ መራሕቲ ጂሃድ ዝገበርዎ ኣኼባ ንምርካብ ብዝብል ናብ ከተማ ሞውራ ከም ዝኣተዉ ብዙሓት ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ን500 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ሕቡራት መንግስቲ ይገልጽ" ይብል ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ (ICG) ዳይረክተር ፕሮጀክት ሳሕል ዝዀነ ሪቻርድ ሞንክሪፍ።

ሰበስልጣን ማሊ፡ ብዘይካ ወተሃደራት እስላም ኣብ ሞራ ዝዀነ ይዅን ሰላማዊ ሰብ ከም ዘይተቐትለ ይገልጹ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ማሊ፡ ሕቡራት መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ቕትለት ንኽምርምር ፍቓድ ብምኽልካል ናይ ባዕላ ምርመራ ጀሚራ እያ።

"እዚ ሓድሓደ ግዜ ጕዳይ እቶም 'ዝጠፍኡ ምዉታት' ብዝብል ዝጽዋዕ ዝተለምደ ጸገም እዩ" ይበል ኣብ ኣክላድ ዝሰርሕ ሚስተር ኢንሳይቢያ። "እቲ ብመንግስቲ ዝምራሕ ዓመጽ ከይተጸብጸበ ይሓለፍ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ሓድሓደ ግዜ ብኻልኦት ከምዝተፈጸመ ተገይሩ እዩ ዝቐርብ።"

መራኸቢ ብዙሃን ዘቕርብዎ ዘየተኣማምን ሓበሬታ፡ ኣብ ሃገራት ሳሕል ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ርእሲኡ'ውን "ኣብ ማሕበረሰባት ዝተስፋሕፍሐ ብግልጺ ናይ ምዝራብ ፍርሒ" ብሓፈሻ ቅኑዕ ሓበሬታ ኣብ ምርካብ ቀንዲ ዕንቅፋት ከም ዝዀኑ የረድእ።

ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት እቲ ኣብ መንጐ መንግስትን ሲቪላዊ ሚሊሽያን ዘሎ ኣፈላላይ ግልጺ ኣይኰነን። ብፍላይ ቡርኪናፋሶ፡ መንግስቲ ኣብ 2020 ወግዓዊ ግደ ዝፈጠረሎም ዕጡቓት ሚሊሽያ ማሕበረሰብ ከም ዘለዉ ሚስተር ሞንክሪፍ ይዛረብ።

ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣብ ሳሕል ዝርከቡ ሚሊሽያታት ንስግኣት ጂሃዳውያን ንኽቃለሱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ጻውዒት ዝቐርበሎም እኳ እንተዀነ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ብብዝሒ ጠበንጃን ዕጠቝን ይዕብለሉ እዮም። ገሊኣቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዓመጽ ዝመልኦ ማህሰይቲ ከም ዝፈጸሙ እውን ተኸሲሶም እዮም።

'ሕቡእ ሰራዊት'

ሰበ ስልጣን ማሊ 15 ሚእታዊት ናይታ ሃገር ጥራይ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝቈጻጸሩ ናይ ቀረባ እዋን ጸብጻብ ሕቡራት መንግስታት ይሕብር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ቡርኪናፋሶ 60 ሚእታዊት ናይታ ሃገር ጥራይ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር መንግስቲ ከም ዘሎ ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ - ኢኮዋስ ይገልጽ።

ተንተንቲ ከም ዝሕብርዎ ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዝርከቡ እስላማዊ ዕጡቓት ብዙሕ ሓይሊ ኣጽዋር ኣለዎም።

"ኣብ መንጐ ሰራዊትን ሕቡእ ሰራዊትን ዝግበር ውግእ እዩ" ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ላይደን ናይ ፖሊቲካ ሳይንቲስት ዝኾነ ዓብዱራህማን ኢድሪሳ። ኣብ መብዛሕትአን እዘን ሃገራት እዚን "መንግስቲ ከም መንግስቲ ናይ ምቕጻል ዓቕሚ" ከምዘይብሉ ይማጐት።

ኣብ ቡርኪናፋሶን ማሊን እስላማዊ ጕጅለታት ኣብ "ክላሲክ ኣሲሜትሪክ ዋርፈይር" ከም ዝሳተፉ ሚስተር ሞንክሪፍ የብርህ። እዚ ማለት ተጻባእቲ ሓይልታት ማዕረ ዘይከነ ክእለት እንተዘይሃልይዎምን ሓድሕድ ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እንተዀይኖምን ኣብ ንሓድሕዶም ሓደ ዓይነት መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ስለዘይክእሉ ዘይልሙድ ስትራተጂታትን ስልትታትን ክትግብሩ ይጅምሩ።

እዞም እስላማዊ ጕጅለታት "ንኸተማታት ኣይቈጻጸሩን። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ግን ስራሕ ንኸይፈትሑ ንኸተማታት ከቢቦም ይቘርጽወን።"

ሓደ ካብቲ ነቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተገብረ ዕልዋ ዘለዓዓሎ ነገር ጂሃዳውያን ኣብ ኢናታ ኣብ ዝርከብ ካምፕ 57 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ምቕታሎም እዩ። እቶም ፍሉይ ሓይልታት መቝነን ዝያዳ ጠበንጃን ክወሃቦም ዘቕረብዎ ሕቶ መልሲ ከይረኸበ ምስ ቀረየ ምግቢ ክደልዩ ክብሉ እዩ እቲ መጥቀዕቲ ተፈጺሙ።

ወተሃደር ቡርኪናፋሶ ዝነበረ ሕጂ ግን ተንታኒ ዝዀነ ማሓማዱ ሳዋዶጎ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ "ዘሰንብድ እዩ ነይሩ፤ ዳርጋ ብምልእታ እታ ኣሃዱ ተደምሲሳ እያ።"

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ እቲ ሓድሽ ጁንታ እቲ ሰራዊት ዝሓሸ ኵነታት፡ ዝያዳ ሃብቲ ከምኡ'ውን ስትራተጂ ጸረ ግብረ-ሽበራ ንኽረኽቡ መብጽዓ ከም ዝተገበረሎም ዝገልጽ ማሓማዱ ሳዋዶጎ፡ "እዚ ግን ነቲ ጸገም ኣይፈትሖን" ይብል።

ኣስዒቡ "መጥቃዕቲ ይውስኽ ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝያዳ ዓመጽ ይፍጸም ኣሎ፡ ዕጡቓት ጕጅለታት ከኣ ዝያዳ ቦታታት ይቈጻጸሩ ኣለዉ" ክብል ይሕብር።

ንዕጡቓት ሰራዊት ቡርኪናፋሶ ኣብ ትሕቲ ሓደ መዋቕር ክሓብሩ ዝተገብሩ ለውጥታት እውን ከም ዝፈሸሉ ማሓሙዱ ሳዋዶጎ ሓቢሩ።

'ነቲ ሃጓፍ ንዕላማኦም ተጠቒሞምሉ'

እታ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናዕቢ ዘለዋ ጐረቤት ማሊ ካብዚ ዝሓይሸ ነገር ኣይገጠማን።

ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ቀንዲ ማእከል እቲ ኣብ ሳሕል ዝፍጸም ዓመጽ እስላማዊ ጕጅለ ኰይና ጸኒሓ እያ። ጂሃዳውያን ነቶም ዓሌታዊ ተቓወምቲ ቱዋረግ ኣብ 2012 ንመብዛሕትኡ ክፋል ሰሜን ንኽቈጻጸሩ ኣኽኢሎምዎም እዮም።

ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ወተሃደራት ፈረንሳ ነቲ ናዕቢ ክፈትሑ ጻውዒት ቀሪቡሎም። ማሊያውያን እታ ቅድም ገዛኢቶም ዝነበረት ሃገር ጣልቃ ምእታዋ ብጽቡቕ ተቐቢሎምዎ ነይሮም። እንተዀነ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት ምስቲ ጁንታ ስለዘይተሰማምዑ፡ ካብ ማሊ ይወጹ ኣለዉ። ማሊ እውን ነቲ ምስ ጂሃዳውያን ንምቅላስ ካብ እተፈላለየ ሃገራት ዝተዋጽአ ሓይልታት G5 ሳሕል ከተቋርጾ ወሲና እያ።

እቲ ብፈረንሳ ዝምራሕ ባርኻን ዝበሃል ሓይሊ ነቲ ማእከል ጸረ-ጂሃድ ንጥፈታቱ ናብ ኒጀር ምስ ቀየረ፡ ኣብ ሰሃራ ዝርከቡ ዕጡቓት እስላማዊ ጕጅለ “ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ንዕላማኦም” ተጠቒሞምሉ። ኣብ ዞባታት ሜናካን ጋኦን "ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጠን ዓመጽ" ከምዝፈጸሙ ሚስተር ኢንሳይብያ ይገልጽ።

ገሊኦም ተንተንቲ ከም ዝገልጽዎ እቲ ጁንታ ማሊ፡ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣትሒዙ ዝገበሮም ንጥፈታት እንተላይ ዋግነር ካብ ዝበሃል ሩስያዊ ተዃናታሪ ጸጥታ ወተሃደራትን ኣጽዋርን ሩስያ ካብ ምዕዳግን ኣትሒዙ ጥሙር ስትራተጂ ስለዘይነበሮ ፈሺሉ እዩ።

"እቲ ሰራዊት ዝያዳ ንጡፍ ኰይኑ ኣሎ። እቲ ንጡፋት ንኸይኰኑ ዝዓገቶም ዓቢይ ብልሽውና ተወጊዱ እዩ። እዚ ግና ነቲ ኵነታት ሕጂ ብዝያዳ ተቘጻጺሮምዎ ኣለዉ ማለት ኣይኰነን" ይብል ሚስተር ኢድሪሳ።

ማሊ፡ ወተሃደራት ሩስያ ኣብታ ሃገር ምህላዎም እኳ እንተኸሓደት ጕጅለ ተጣበቕቲ መሰላት ግን ክልቲኦም ኣብ ሰላማውያን ሰባት ማህሰይቲ ከም ዘውረዱን ጃምላዊ ቅትለትን ከም ዝፈጸሙ ይኸሱ ኣለዉ። ኣብ ታሕሳስ፡ ሩስያ ኣብታ ሃገር ጣልቃ ካብ ትኣቱ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ ዓመጽ "እናወሰኸ ይኸይድ" ከም ዘሎ ኣክሌድ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ተንተንቲ ንቢቢሲ ከም ዝገለጽዎ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ብሓይልታት ማሊ ዝተቐትሉ ሰላማውያን ሰባት ኣባላት ቀቢላ ፉላኒ እዮም። ምኽንያት እዚ ኸኣ እቶም እስላማዊ ጕጅለ ዝእክብዎም ኣባላት ካብ ቀቢላ ፉላኒ ከም ዝዀነ ተገይሩ ስለ ዝሕሰብ እዩ። ሓደሓደ ግዜ ኸኣ ሰላማውያን ሰባት ምስ ወተሃደራት ተሓባቢርኩም ብዝብል ጥርጣረ ከም ዝጥቅዑ እውን ወሲዀም ገሊጾም።

ማሊ ግን ነዚ ብተደጋጋሚ ነጺጋቶ እያ።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጽልዋኦም እናነከየ ምስ ከደ፡ እስላማዊ ጕጅለን ኣልቓዒዳን ኣብ ሳሕል ዝያዳ ከተኵሩ ጸኒሖም እዮም።

ሚስተር ሞንክሪፍ ከም ዝገለጾ ነቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዘሎ ወጥሪ ብምምዝማዝ "ለውጢ ክሊማ ኸምኡውን እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ሃብቲ ሕርሻ ነቲ ኣዝዩ ዓመጻ ዝመልኦ ቅልውላው ኣጋዲድዎ እዩ።"

ኣስዕብ ኣቢሉ'ውን "ሰባት ብስግኣት ካብ ግራቶም ክውገዱ ከለዉ ምስቶም ብተፈጥሮኦም ጂሃዳውያን ዝዀኑ ንኽሓብሩ ዝያዳ ዕድል ይኽፈተሎም እዩ" ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመት ካብ ሰሜናዊ ክሳዕ ማእከላይ ማሊ ዝተዘርገሐ ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተላዕለ ጂሃዳዊ ዓመጽ ኣብ ካልኦት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ እውን ጽልዋ ኣለዎ።

"ኣብተን ኣብ ገማግም ዝርከባ ግዝኣታት ብፍላይ ከኣ በኒን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኸኣ ኣብ ቶጎ እውን ንርእዮ ኣለና" ይብል ሚስተር ኢንሳይብያ።

ወተሃደራት ጕጅለታት ንኽሊ ጋና ከም መዕረፍን መሐደስን ይጥቀሙሉ ከም ዘለዉ ዝሕብር ድልዱል መርትዖ'ኳ እንተሎ፡ ጂሃዳዊ ዓመጽ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጋና ጥራይ ኣይተስፋሕፈሐን ዘሎ።"

'ናይ መወዳእታ ኣማራጺ'

ኣብ ሃገራት ሳሕል ዝርከቡ ፍታሕ ክረኽቡ ሃረር ዝብሉ ብዙሓት ሰባት፡ ወተሃደራዊ መንግስትታት ድሕነት ኣብ ምርግጋጽ ካብቶም ብዲሞክራስያዊ መገዲ ዝመርጹ ከም ዝሕሹ ይኣምኑ። ኰይኑ ግን ተንተንቲ እዚ ህቡብ ደገፍ እዚ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክመጽጽ ከም ዝኽእል የጠንቅቝ።

"ሕጂ ኣብ ቡርኪናፋሶን ማሊን ንርእዮ ኣለና" ይበል ሚስተር ሳዋዶጎ። "እቲ ሰራዊት ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እንተ ተሳቲፉ ኵነታት ማሕበራውን ድሕነትን እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ጸገም ከመርሖ እዩ። እዚ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ እዩ። ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተገብረ ኵሉ ዕልዋ መንግስቲ ንዕብየት እታ ሃገር ዓጊትዎ እዩ።"

ሚስተር ሞንክሪፍ እውን ምስዚ ሓሳብ እዚ ይሰማማዕ እዩ፡ "ሰባት እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰራዊት ካብቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ንላዕሊ ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ምስ ፈለጡ እቲ ተቐባልነት ይጠፍእ።"

ወግዓዊ ማሕላ ቅድሚ ምፍጻሙ ሒደት መዓልታት ዘይዕውት ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ዘጋጠሞ ፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም ዝቕበሎ ሓሳብ እዩ። ፕረዚደንት ጋናን መራሒ ኢኮዋስን ኣኩፎ-ኣዶ ብወገኑ ኣብ ሚያዝያ፡ "እቲ ናይ መጀመርታ መርትዖ፡ ማሊ ካብቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ብዝሓሸ ምስ ጂሃዳዊ ጕጅለታት ከምዝተቓለሰን ድሕነት ከምዘምጽአን ከም ዘየመልክት" ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

እሞ ደኣ ቡርኪናፋሶን ማሊን ብኸመይ ዘላቒ ለውጢ ከምጽኣ ይኽእላ?

"ዝሓሸ ምሕደራን ውዳበን ሓይልታት ጸጥታ ከምኡ'ውን ነቲ ኣብተን ሃገራት ዘሎ መስርሕ ምርጫ ብዝሓሸ መገዲ ምምሕዳር” ሚስተር ሞንክሪፍ ዝላበዎ ሓሳብ እዩ።

"እቲ ቐንዲ ትምህርቲ ወተሃደራዊ ኰነ ሲቪላዊ ስልጣን ብዘየገድስ፡ መደብ ክህልው ይግባእ" ይብል ምሁር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ሚስተር ኢድሪሳ።

ኣብ ዕጡቓት ጕጅለታት ዝውሰዱ መጥቃዕታት እቲ መንግስቲ ከም መንግስቲ ንኽቐውም እዅል ከም ዘይኰነ ይገልጽ። በዚ ምኽንያት እዚ ግዝኣት እታ ሃገር ንምቍጽጻር ዝተሓደሰ መንግስቲ የድሊ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቶም ወተሃደራውያን መራሕቲ ንህዝቢ ቡርኪናፋሶን ማሊን ዝተመባጽዕዎ መሰረታዊ ድሕነት ኣብ ቀረባ እዋን ዝፍጸም ኣይመስልን።