ቡርኪናፋሶ: ሰራዊት ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰራዊት ቡርኪናፋሶ ስልጣን ከምዝተቖጻጸረን ንፕረዚደንት ሮች ካቦሬ ከምዝዓለወን ኣፍሊጡ።
ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ እናተበኣኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ዕልዋ ንኽፍጽሙ ከምዘበገሶም ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ካቦሬ ነቲ ስግኣት እታ ሃገር ዝኾነ እስላማዊ ጥሩፍነት መሊኡ ከጥፍእ ኣይከኣለን ብዝብል ተቓውሞታት ክቐርበሉ ጻኒሑ'ዩ።
ኣብዚ እዋን እቲ ፕረዚደንት ናበይ ከምዝተወሰደ ዘይፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ወተሃደራዊ መራሒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን ኩሎም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ውሑስ ናብ ዝኾነ ቦታ ከምዝተወሰዱ ገሊጹ'ሎ።
እቲ ዕልዋ፡ ሰራዊት ቡርኪናፋሶ ኣቐዲሙ ንወተሃደራዊ መዓስከራት ድሕሪ ምቁጽጻሩ ከምዝተፈጸመ ይግለጽ። ኣብ ዋና ከተማ ኦጋዱጉ ኣብ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ድማ ተኹሲ ተሰሚዑ።
ንመንግስቲ እታ ሃገር ዝመርሕ ሰልፊ ምንቅስቓስ ግስጋሰ [People's Movement for Progress (PMP)] ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ኮባሬን ሓደ ሚንስትርን ካብ ፈተነ ቕትለት ምድሓኖም ኣፍሊጡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብሰንበት ድማ ናዕበኛታት ወተሃደራት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ መሪሕነቶም ክእለዩ ካብ ምጥላቦም ብተወሳኺ፡ ኣንጻር እቶም ምስ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ [Islamic State (IS)]ም ኣል-ቃይዳን ርክብ ዘለዎም ዕጡቓት ንዝግበር ቃልሲ ዘድልይ ቀረባት ክማላእ ሕቶ ከምዘቕረቡ ይግለጽ።
ካቦሬ ንሓድነት ቡርኪናፋሶ ከጽንዕ ከምዘይከኣለ ዝነቐፈ ነቲ ዕልዋ ዝፈጸመ ሰራዊት፡ ንስግኣታት ጸጥታ'ውን ብኣግባቡ ኣብ ምቁጽጻር ከምዝደኸመ ሓቢሩ።
ነቲ መግለጺ ዝሃበ ጉጅለ ቅድሚ ሎሚ ዘይፍለጥ ሃርበኛ ምንቅስቓስ ንምክልኻልን ዳግመ-ህንጻን [Patriotic Movement for Safeguard and Restoration or MPSR] ዝብል መጽወዒ ከምዝሓዘ ይግለጽ።
ትማሊ ብሃገራዊ ቴሌቪዥን ዝቐረበ መግለጺ፡ በቲ ነቲ ዕልዋ ዘዋሃሃደን ኣንጻር እስላማዊ ዕጡቓት ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ናይ ዓመታት ተሞክሮ ዘለዎን ሌ/ኮ ፖል ሄንሪ ሳንዳጎ ዳሚባ'ዩ ተፈሪሙ።
ፓርላማን መንግስትን ከምዝተወገዱ ከምኡ'ውን ሕገ-መንግስቲ ተወንዚፉ ክጸንሕ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ኣብ ውሽጢ "ዝተወሰነ ጊዜ" ናብቲ "ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት" ከምዝምለስ ቃል ኣትዩ።
ዶባት ቡርኪናፋሶ ከምዝተዓጸዉ'ውን ወሲኹ ሃቢሩ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ነቲ ዕልዋ ዝተቓወመ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ ሰራዊት ቡርኪናፋሶ ንድሕነተ ፕረዚደንት ካቦሬ ከውሕስ ጸዊዑ።
ሕብረት ኣፍሪካን እቲ ኢኮዋስ ብዝብል ዝፍለጥ ዞባዊ ሕብረትን ነቲ ብሓይሊ ዝተፈጸመ ምምንዛዕ ስልጣን ብምኹናን፡ እቲ ሰራዊት ብድሕነት ፕረዚደንት ኮባሬ ሓላፍነት ከምዝወስድ ኢኮዋስ ኣተሓሳሲቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







