ኣብ ቤተክርስትያን ብዝተኻያደ መጥቃዕቲ ካህን ዝርከቦም ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሰሜናዊ ቡርኪናፋሶ ከተማ ዳብሎ፡ ዕጡቓት ኣብ ቤተክርስትያን ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ካህን ናይታ ቤተክርስትያን ዝርከበቦም ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሰብ መዚ ሓቢሮም።
እቶም ቁጽሮም ካብ 20 ክሳብ 30 ዝበጽሕ ዕጡቓት፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ቤተክርስትያን ከም ዘቃጸልዎ ተገሊጹ።
ከንቲባ እታ ከተማ፡ ዑስማን ዞንጎ፡ በቲ ዝተኻየደ ምቅጻል ህንጻታትን ምዝማት ማእከል ጥዕናን፡ ነበርቲ ስግኣት ከም ዝወረሮም ሓቢሩ።
ኣብታ ሃገር፡ ድሕሪ 2016 ጂሃዳዊ መጥቃዕቲ ዝሳዕረረ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሰሙናት ንሳልሳይ ግዜ'ዩ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያን መጥቃዕቲ ዘጋጥም ዘሎ።
እቲ ክስተት ከመይ ነይሩ?
ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ ኣብ እዋን ቅዳሰ፡ "ዕጡቓት ናብ ናይ ካቶሊክ ቤተክርስትያን ብምእታው፡ ኣብቲ ህዝቢ ክትኩሱ ጀመሩ" ይብል ከንቲባ ከተማ ዳብሎ፡ ዑስማን ዞንጎ።
"ኣብታ ከተማ ራዕዲ ሰፊኑ ኣሎ። ሰባት ኣብ ኣባይቶም ተሓቢኦም እዮም ዘለው። ድኳናት ተዓጽዩ ኣሎ። ሰብ ዝነብረሉ ከተማ ኣይመስልን" ኢሉ።
ተወሳኺ ሓይሊ ካብ ከተማ ባረሳሎጎ (45 ኪሜ ርሕቀት ዝርከብ) ተላኢኹ ምህላው ኤ ኤፈ ፒ ንምንጭታት ጸጥታ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ሓደ ናይ ውሽጢ ዓዲ ጋዜጠኛ፡ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ ካብ መንጎ እቶም ዝተቐትሉ፡ ሽማግለታት ቤተክርስትያን ይርከብዎም።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ብቅልጡፍ ስጉምቲ ብዘይ ምውሳዶም ቁጠዐ ከም ዝፈጠረ'ውን እቲ ጋዜጠኛ ገሊጹ።
ነቲ መጥቃዕቲ ዘካየደ መን ኮን ይኸውን?
ኣብ ዝሓለፉ ገለ ዓመታት፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ዝተኻየዱ መጥቃዕትታት፡ እስላማዊ ጉጅለታት ይውቀሱ።
ምስ ኣልቃዒዳ፡ እስላማዊ ጉጅለ ኣይ ኤስን ኣንሳሩን ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ርክብ ዘለዎም ሓይልታት ኣብቲ ዞባ ክንቀሳቐሱ ጸኒሐም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ዕጡቓት ኣብ ከተማ ሲልጋጂ ንዝርከብ ናይ ፕሮቴስታንት ቤተክርስትያን ዕላማ ብምግባር፡ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ቀቲሎም።
ኣብ ፈለማ ወርሒ ሚያዝያ'ውን ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ናይ ካቶሊክ ቤተክርስትያን ብዝተገብረ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ምማቶም ጳጳስ ከተማ ዶሪ፡ ንቫቲካን ኒውስ ኤጀንሲ ተዛሪቡ።
ንምዕራባዊ ስርዓተ ትምህርቲ ዝቃወሙ ጉጅለታት እውን ንኣብያተ ትምህርትን፡ መማህራንን ዕላማ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።
ብዓርቢ ፍሉያት ሓይልታት ፈረንሳ ኣብ ሰሜናዊ ቡርኪና ፋሶ ብዘካየድዎ ስርሒት ኣብ ጅሆ ዝጸንሑ ኣርባዕተ ሰባት ነጻ ኣውጽዮም።
እቶም ኣብ ጅሆ ዝነበሩ- ክልተ ፈረንሳውያን ሓደ ደቡብ ኮርያውን ሓደ ኣሜሪካውን- ናብቲ ኣብ ማሊ ዝርከብ ዕጡቕ ጉጅለ 'ካቲባ ማኪና' ክርከቡ ይውሰዱ ከም ዝነበሩ ይእመን። ኣብቲ ስርሒት ክልተ ፈረንሳውያን ወትሃደራት ተቐቲሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







