ኣብ ዋጋድጉ ርእሲ ከተማ ቡርኪናፋሶ ድምጺ ቶኽሲ ተሰሚዑ

ትኪ ኣብ ማእከል ከተማ ዋጋድጉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪቲ ኣብታ ከተማ ዋጋድጉ ዝተሰምዐ ቶኽሲ ጸሊም ትኪ ንላዕሊ ክተክኽ ይረአ

ዕጡቓት ሰባት ኣብ ዋጋዱጉ፡ ርእሲ ከተማ ቡርኪናፋሶ፡ ንዝርከባ ሓደ ወትሃደራዊ መዓስከርን ኤምባሲ ፈረንሳን ዒላማ ብምግባር ናይ ቶኽሲ መጥቃዕቲ ኣካዪዶም።

ኣርባዕተ ካብቶም ኣጥቃዕቲ ኣብ ቀጽሪ'ቲ ኤምባሲ፡ ብዉሑዱ ክልተ ካልኦት ድማ ኣብቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ከም እተቐተሉ፡ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ ኣፍሊጡ።

ሓለፍቲ'ታ ሃገር፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ 7 ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም፡ 6 ካልኦት ከኣ ቆሲሎም'ኳ እንተበሉ፡ ካልኦት ጸብጻባት ግን ቁጽሪ ምዉታት ካብኡ ንላዕሊ ከምዝኾነ የመልክቱ።

መንነት ናይ'ቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ዛጊት'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ሚኒስተር ዜና ቡርኪናፋሶ፡ ሬሚ ፉልጋንስ ዳንጂኑ፡ "ባህሪ ናይቲ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ናይ ግብረሽበራ ምልክታት ኣለዎ፡" ክብለ ንተሌቪዥን'ታ ሃገር ሓቢሩ።

ፖሊስ ቡርኪናፋሶ፡ ብዘይካ'ቶም ዝተቐትሉ 6 ኣጥቃዕቲን፡ 7 ኣባላት ጸጥታን፡ ክልተ ሲቪላውያን ሰባት ዝርከቡዎም 6 ሰባት ቆሲሎም ኣለዉ ክብል እንከሎ፡ ምንጪታት ጸጥታ ግን ኣብቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ብዉሑዱ 28 ሰባት ከምእተቐተሉ ንኣጃንስ ፈራንስ ፕረስ ሓቢሮም።

ይኹን እምበር፡ እዚ ካብ ምንጪታት ጸጥታ ዝተረኸበ ሓበሬት ጌና ኣይተረጋገጸን።

ካብ ወታሃደራዊ ማዓስከር ክሃድም ዝርአ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ገለ ሰባት ካብቲ ወተሃደራዊ ማዓስከር ክሃድሙ ተራእዮም

ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ኣሳእል ከምዝሕብሮ ድማ፡ ምልክት ባርዕ ዝኾነ ጸሊም ትኪ ንሰማይ ይዓርግ ከምዘሎ'ዩ ዘርኢ። ካብ ማኪና ወሪዶም ቶኽሲ ዝኸፈቱ ዕጡቓት ሰባት ናብ ኤምባሲ ፈረንሳ ገጾም ከምዘምረሑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ከንቲባ ከተማ ዋጋዱጉ፡ ኣርማንድ ቦዉንደ ብወገኑ ንፈረንሳዊት ጋዜጣ 'ሉ ሞንድ' ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ብዝተኸፈተ ቶኽሲ፡ መሳኹቲ ቤት ጽሕፈቱ ብጠያዪት እቶም ዕጡቓት ከምዝተሓምሸሸ ኣፍሊጡ። "ጂሃዳዊ መጥቃዕቲ'ዩ ዝመስል፡" ካብ ምባል ሓሊፉ ግን ዝኾነ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ቡርኪናፋሶ "መጥቃዕቲ ይካየድ ኣሎ" ክብል ኣብ ትዊተር ጺሒፉ ኔይሩ። ኤምባሲ ኣሜሪካ ብወገኑ፡ ሰላማውያን ሰባት ናብ ዉሑስ ቦታ ክዑቀቡ ኣዘኻኺሩ ኔይሩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ከተማ ዋጋዱጉ ኣደዳ ክልተ ሰፋሕቲ መጥቃዕቲታት ብኣስላማውያን ጥሩፋት ከምዝኾነት ይፍለጥ።

ኣብዛ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር፡ ዘይዕዉት ዕልዋ መንግስቲ ብ2015 ተኻዪዱ ኔይሩ። መስርሕ ፍርዲ ናይ'ቶም ነቲ ዕልዋ ከካይዱ ፈቲኖም ዝበሃሉ ጥርጡራት ኣብዚ ሰሙን ክጅምር'ኳ እንተነበሮ፡ ጠበቓታት ናይ'ቶም ጥርጡራት ኣብ ወትሃደራዊ ቤት ፍርዲ ምግባሩ ብምቁዋም ኣድማ ስለዝገበሩ፡ እቲ ጉዳይ ንኻልእ ግዜ ተሰጋጊሩ'ሎ።